ኒጀር ዝመርሕ ዘሎ ጀነራል ድሕረ-ባይታኡን ብድሆታቱን እንታይ እዩ?

ጀነራል ቲያኒ

ምንጪ ስእሊ, ORTN

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ገለ ካብተን ብኲናትን ዕልዋ መንግስታትን ዝተሃስያ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ኣባል ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኰይኑ ኣብ ጻዕሪታት ምርግጋጽ ጸጥታ ዝነጥፍ ዝነበረ ጀነራል ዓብዱራህማነ ትያኒ፡ ሕጂ ገዛእ ሃገሩ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዓቢ ቅልውላው ኣበጊሱ ኣሎ።

ጀነራል ትያኒ፡ ብዝነበሮ ትሕት ዝበለ ደረጃ ክሳብ'ዚ ቅድሚ ዕልዋ ዘካየደሉ ቀረባ ግዜ ካብ ዓንኬሉ ወጻኢ ብዙሕ ዘይፍለጥን ዝነበረ ኰይኑ፡ ነቲ ክከላኸለሉ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ኣውዲቝ ካብቲ ጽላሎት ክሳብ ዝወጽእ ኣዛዚ ሓለዋ ፕረዚደንት ኒጀር እዩ ነይሩ።

ንሱ፡ ንነብሱ ቀንዲ መራሒ ናይቲ ብ26 ሓምለ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ዝተመስረተ ወተሃደራዊ ጕጅለ ‘ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ሃገር’ ምዃኑ ኣዊጁ'ሎ።

እቲ ሓላፊኡ ነበር ከኣ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ክጸንሕ ተገይሩ ኣሎ። ፕረዚደንት ባዙም ምስ ኣህጉራውያን መራሕቲ ስፍሕ ዝበለ ርክባት ተሌፎን ዝገብር ዘሎ ይዅን እምበር፡ ብኻልእ መዳይ ግን ተነጺሉ ከም ዘሎ እዩ ዝፍለጥ።

ጀነራል ትያኒ፡ ነቲ ዕልዋ ንምቕልባስ ይዅን ኣብ ዙርያ’ቲ ጉዳይ ዝቐረበሉ ሓሳባት ክሳብ ሕጂ ንዅሉ ነጺግዎ እዩ። ንመብዛሕትኦም ኣህጉራውያን ልኡኻት ነጺጕ’ኳ እንተነበረ፡ ንኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ናይጀርያ ነበር ኣሚር ካኖን መሓመድ ሳኑሲን ግን ትማሊ ብረቡዕ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።

ካልኣይቲ ምክትል ጉዳያት ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ቪክቶርያ ኑላንድ፡ ብሰኑይ ኣብ ኒጀር ዑደት ኣብ ዘካየደትሉ፡ ምስቲ ወዲ 62 ዓመት ጀነራል ንኽትራኸብ ኣይተፈቕደላን።

ልኡኽ ውድብ ቍጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ) እውን ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ወጻኢ ክበጽሕ ኣይተፈቕደሉን።

እቲ ረቡዕ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ካልኣይ ሓባራዊ ተልእኾ ኤኮዋስ፡ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን፡ እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ክራኸቦም ግቡእ ግዜ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምግላጹ ተናዊሑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጀነራል ትያኒ ዓጺቕ ባህሪኡ ሒዙ ስቕ ኢሉ ንዅሉ ዝዕዘብ ዘሎ ይመስል።

ብ ሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ኒያመይ ኣብ ዝተዳለወ ዓቢ ሰልፊ’ውን ኣይነበረን። ንሱ፡ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ጥራይ እዩ ኣብ ተሌቪዥን ተራእዩ።

ክልተ ግዜ ድማ ተዛሪቡ፤ ሓደ ግዜ ንሱ ባዕሉ ሓድሽ መራሒ ኒጀር ምዃኑ ንምግላጽ፣ ሓደ ግዜ ድማ ን መዓልቲ ናጽነት ኣመልኪቱ መደረ ንምሃብ።

እዚ ምናልባት ብኸፊል ንሱ ከይተረፈ እዚ ቅልውላው ቀጺሉ ናበይ ከም ዝኸይድ ብሓቂ ስለዘይፈልጥ ክኸውን ይኽእል።

ኒጀር ፈራሚት ውዕል ጽቡቕ ምምሕዳርን ዲሞክራሲን ኢኮዋስ ብምዃና፡ ብሓቂ እቲ ውድብ ከምቲ ዘፈራርሖ ዘሎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ክገብር ድዩ?

ወይስ እቲ ወተሃደራዊ ኣማራጺ ኢኮዋስ፡ ብፍላይ ኣብ ናይጀርያን ገለ ካልኦት ኣባል ሃገራትን ርኡይ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ይገጥሞ ስለዘሎ፡ እገዳ ብምግባር ጥራይ በብቝሩብ ኣብ ልዕሊ እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ጸቕጢ ብምግባር ውጽኢት ክጽበ እዩ?

እዋናዊ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ፡ ንዲፕሎማስያዊ መንገዲ ከም ዝመርጹ ምዝራቡ ንሱን መሻርኽቱን ድሕሪ’ቲ ብሓሙስ ኣብ ኣቡጃ ዝገበርዎ ዋዕላ ኣብዚ ጉዳይ ከመይ ክቕጽሉ ከም ዝኽእሉ ኣንፈት ዝህብ ይመስል።

ጀነራል ትያኒ፡ ምስዚ ዝርአ ዘሎ ዘይርጕጽነት ዝተመቓቐለ ኣረእያታትን፡ ከምኡ’ውን ንዓወት ናይቶም መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ጊኒን ዞባዊን ኣህጉራውን ጸቕጢ ኣብ ምጽዋር ተተባቢዑ፡ ነዚ ግዝያዊ ነገራት ዕሽሽ ኢሉ ነዊሕ ጸወታ ክገጥም ዝወሰነ ይመስል።

ኣብ ዝሓለፈ፡ ንሚኒስተር ፋይናንስ ነበርን በዓል ስልጣን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃን ንዝነበረ ዓሊ ማሃማን ላሚነ ዘይኒ ቀዳማይ ሚኒስተር ገይሩ ከምዝሸመ ኣፍሊጡ እዩ። እዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምስግጋር ንምምስራት ዘለዎ ድሌት ዘመልክት እዩ።

ወተሃደራዊ ጕጅለ ዕልዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ቲያኒ፡ ኣብቲ ሰፊሕ ሰልፊ ንኣባላቱ እዩ ሰዲዱ

ገለ ተንተንቲ፡ ምእላይ ናይቲ ካብ ውሑዳት ማሕበረሰብ ዓረብ ዝመጸ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም፡ ኣብ ኒጀር ዓሌታዊ ወጥሪ ከበግስ ይኽእል ዶ ይኸውን ዝብል ስክፍታ ኣለዎም። ይዅን እምበር፡ ሓያል ስግረ-ባህላዊ ምትእስሳርን ስምዒት ሃገራዊ መንነትን ፍሉይ ሓይሊ ዘመናዊት ኒጀር ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

“ቱዋረግ” ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ዕጡቕ ጕጅለ ዝነበረን ላዕለዋይ ሚኒስተርን ሪሳ ኣግ ቦውላ፡ ፕረዚደንት ባዙም ናብ ስልጣኑ ንምምላስ ዘመተ ጀሚሩ ኣሎ፤ ነዚ ድማ ምስ ዓሚቝ ሃገራዊ ኣገላልጻ ከቕርቦ ይፍትን ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ግን እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ዕልዋ ናብዚ ከፋፋሊ መንገዲ ክወርድ ዘርኣዮ ምልክት የለን።

ይዅን እምበር ጀነራል ትያኒ ልዕሊ ካልኦ ዓይነት ዓበይቲ ሓደጋታት ዝወስድ ኣይመስልን። ንሚስተር ባዙም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲኻ ዕልዋ መንግስቲ ምክያድ ዝተወሰደ ውሳነ ንባዕሉ ልዑል ዋጋ ዘለዎ ቁማር እዩ። እንተዝፈሽል ነይሩ፡ ሕጂ እቲ ጀነራል ኣበይ ምሃለወ ነይሩ ፍሉጥ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ምስ መግዛእታዊት ሓይሊ ነበር ፈረንሳ ዝጸንሐ ውዕላት ምክልኻል ብግልጺ ምዅናንን፡ ከምቲ ዝበሃል ሓገዝ ሩስያዊ ሓይሊ ቫግነር ንምሕታትን ዝተወስደ ውሳነታት እውን ንባዕሉ፡ ዋላ’ኳ ምስቲ ጸረ-ባዙም ተላዒሉ ዘሎ ህዝቢ ጽቡቕ ዘቀራርብ እንተመሰለ፡ ንኣባል ሃገራት ኢኮዋስን ምዕራባውያንን ዝያዳ ተጻረርቲ ከም ዝዀኑ ዝገብር እዩ።

ጀነራል ትያኒ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዳርጋ 40 ዓመታት ወተሃደራዊ ሞያኡ፡ ኣብ ሰኔጋል፣ ፈረንሳ፣ ሞሮኮ፣ ማሊን ኣመሪካን ኣብ ዝርከባ ወተሃደራዊ ኣካዳሚታት ሰልጢኑ እዩ።

ብዛይካ’ዚ ኣብ፤

  • ስርሒታት ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣይቮሪኮስት፣ ዞባ ዳርፉር ሱዳንን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን
  • ምስ ሓይሊታት ኢኮዋስ ኣብ ኣይቮሪኮስት
  • ካብ ኒጀር፣ ቻድ፣ ናይጀርያን ካሜሩንን ዝመጹ ወተሃደራት ኣንጻር ዕጡቕ እስላማዊ ጕጅለ ቦኮ ሓራም ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ዝተሓባበሩሉ ብዙሕ ሃገራት ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም።

ስለዚ፡ ሕጂ ስልጣን ንሚስተር ባዙም ንምምላስ ዝቐረበሉ ሕቶ ዕሽሽ ኢሉ ምስ ኢኮዋስ ኣብ ሓደጋ ወተሃደራዊ ግጥም ምእታዉን ግርንቢጥ ኰይኑ ይርአ።

ጀነራል ትያኒ፡ ዋላ’ኳ ብጭቡጥ ኣብቲ ኣንጻር እቶም ንሃገሩን ኣብ ማእከላይ ሳሕል ዝርከባ ጐረባብቲ ሃገራት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ቤኒንን ዘሸግሩ ዘለዉ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ዝግበር ወፍሪ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ሃገሩ ኒጀር’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሰሪሑ እዩ።

ካብቲ ነዊሕ ወተሃደራዊ ሂወቱ ግን ክልተ ነገራት ጐሊሖም ይረኣዩ።

ኣብ 2011 ሓላፍነት ሓለዋ ፕረዚደንት ክሳብ ዝርከብ፡ ኣብ ውሽጢ ይዅን ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ምስ ሲቪላዊ መራሕቲ መንግስትን ኣህጉራውያን መሻርኽትን ብቐረባ ብምስራሕ፡ ስትራተጂ ኣብ ምቕራጽን ንዘይምቹእ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ጸገማት ፍታሕን ዝሓትት ላዕለዋይ ደረጃ ሓላፍነታት ኣይሓዘን።

እዚ ወዲ 62 ዓመት ጀነራል፡ ካብ ኣብ ሰፊሕ ዓውዲ ምክልኻልን ጸጥታን ውጽእ ኣብ ፍሉይ ወተሃደራዊ ዕማማት ዝሰርሐ፡ ወትሩ ኣዝዩ "ወተሃደር ናይ ወተሃደራት" እዩ ነይሩ።

ቅድሚ መሓመድ ባዙም መራሒ እታ ሃገር ዝነበረ ማሃማዱ ኢሶፉ ኣብ ሓላፍነት ሓለዋ ፕረዚደንት ድሕሪ ምምጽኡ’ውን እንተኾነ፡ ብዙሕ ዘይዛረብ፡ ርእይቶ’ኡን ሓሳባቱን ዝሕዝ ስቕተኛ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ።

ኒጀራውያን መንእሰያት ኣንጻር ፈረንሳ ድምጾም የስምዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኒጀራውያን መንእሰያት ኣንጻር ፈረንሳ ድምጾም የስምዑ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ከቢድ ብድሆታት ንዘስዓበ ጅሃዳዊ ቅልውላውን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ዝፍጠር ከባቢያዊ ወጥሪን “ብኸመይ ብዝበለጸ መንገዲ ንመክት” ተባሂሉ ክግበር ኣብ ዝጸንሐ ሰፊሕ ህዝባዊን ፖለቲካዊን ዘተ እውን ኣይነበረን።

ብቐረባ ዝእመን ግን ከኣ ዘረባኡ ሳሕቲ ዝስማዕ፡ ብሕትው ዝበለ ሰብ ዝነበረ ይመስል፤ ብገለ ሸነኹ’ውን ነቶም ንነብሶም ኣብ ዕቝባኡ ኣሕሊፎም ዝሃቡ ፕረዚደንታት’ውን ክሳብ ክንድኡ ፍሉጥ ኣይነበረን።

ምስቲ ንነዊሕ እዋን ዓርኪ’ቲ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ኢሶፉ ዝነበረ ባዙም ከይተረፈ ዝነበሮ ዝምድና ርሕቕ ዝበለ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ግን እቲ ፕረዚደንት ብሓይሊ ጥሮታ ክወጽእ የገድዶ ነይሩ ዝብሉ ወረታት ተሰሚዖም እዮም።

ምናልባት፡ ውህሉል ግን ከኣ ሓያል ውልቃዊ ቂምታ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ካብ ስልጣኑ ምእላይ፡ ዋላ’ውን ኣብ ንቡር ዕድመ ጥረታ፡ ንሓደ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ካብ ተራ ወተሃደር ቀስ ብቐስ ናብ መሳልል ዕብየት ዝደየበ ሰብኣይ፡ ከም መሪር ጽፍዒት እዩ።

ጀነራል ትያኒ፡ ካብቲ ዝዓበየ ብሄር ሃውሳ ኰይኑ፡ ካብቲ ብብዝሒ ወተሃደራት ዝምልመሉሉ ፍሉጥ ዞባ ቲላቤሪ ዝመጸ’ውን እዩ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ ካብቲ ልሙድ ድሕረ ባይታ መኮንናት ወይ ርኡይ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ዘለዎ’ውን ኣይኮነን፤ ካብቲ ታሕቲ ንላዕሊ መንገዱ ባዕሉ ዝጸረገ እዩ።

እቲ ተዓልዩ ዘሎ መሓመድ ባዙም’ውን፡ ብመጠኑ ትሑት ካብ ዝበለ ድሕረ ባይታ ዝመጸን፡ ቀስ ብቐስ ኣብ መሳልል ትምህርትን ሞያን ዝደየበ ሰብ እዩ። ኣብ መጀመርታ 1990ታት ናብ ፖለቲካ ቅድሚ ምእታዉ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪኡ ድማ ከም መምህር ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታትን እዩ ነይሩ።

እቲ ዝገርም፡ ጀነራል ትያኒ ምስ ባዙም ምቹእ ዝዀነ ዝምድናታት ስራሕ መስሪቱ ኣይፈልጥን፤ ብኣንጻሩ ምስ ሚስተር ኢሶፉ ብቐሊሉ ዝረዳዳእ ይመስል።

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ግን ሕጂ ጀነራል ትያኒ ኣብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምሕደራ ቅልውላው ኣብ ‘ክራሽ ኮርስ’ ኣቋራጭ ስልጠና ኣትዩ ይርከብ።

ክሳብ ሕጂ ብዝርአ ዘሎ፡ ኣብቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝሓለፎ፤ ነብሰ-ግትኣት፣ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ሓሳብካ ምሉእ ብምሉእ ዘይምዝራብ ወይ ምቕንቃቕ ወይ ምድንጓይ፣ ብቐሊሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይምእታው ዝኣመሰለ ወተሃደር ተመኵሮ ተጸጊዑ ዘሎ ይመስል።

ጀነራል ትያኒን እቲ ጕጅለ ዕልዋን፡ ነቲ ኣብ ብዙሓት ኒጀርያውያን ዘሎ ሕዱር ጸረ-ፈረንሳዊ ቂምታ ብጽቡቕ ህርመት ቃንዮም፡ ናብቲ ኣንጻር ኢኮዋስ ዝግበር ግጥም መሰረት ዝዀውን ዝሰፍሐ ህዝባዊ ደገፍ ክቕይርዎ ብውሕልነት ሒዞምዎ ኣለዉ።

እዚ ኣንጻር ናይጀርያን ካልኦት ኣባላት ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክፍተን እዩ። እገዳታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጸንከረ፡ ንመነባብሮ ተራ ሰባት እና’ኣጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እዞም ሕጂ ዝተረኽቡ ህዝባውን ፖለቲካውን ክእለታት ነቲ ጀነራል ዝያዳ ወሳኒ ክኸውን እዩ።