ሰራዊት ኢኮዋስ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ስጕምቲ ንኽወስድ 'ኣብ ተጠንቀቕ!' ክጸንሕ ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጉዳይ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ዝመኸሩ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ "ቅልጡፍ" ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክውሰድ ንዝቐረበ ሓሳብ ከምዘጽደቝ ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ኣፍሊጡ።
መራሕቲ ሃገራት ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ፡ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ "ድሉው" ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምውዳብ ተሰማሚዖም።
ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ ድማ ምጥቃም ሓይሊ "ናይ መወዳእታ ኣማራጺ" ከምዝኸውን ገሊጹ።
ጕጅለ ዕልዋ ኒጀር ኣብ 26 ሓምለ እዩ ስልጣን ተቘጻጺሩ።
ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ኵነታት ጥዕና ናይቲ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ናብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ዘሎ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ከምዘሻቐሎም ገሊጾም ኣለዉ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ፕረዚደንት ባዙምን ቤተሰቡን ኣጋጢምዎም ዝተባህለ "ሕማቕ መነባብሮ" ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ኣኼባ ኢኮዋስ፡ እቲ ዞባዊ ጕጅለ ቅድሚ ሕጂ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምምላስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ጣልቃ ኣትዩ ከምዝነበረ መራሒ ኣይቮሪኮስት ኣላሳነ ኦዋታራ ገሊጹ።
"ሕጂ'ውን ኣብ ኒጀር ተመሳሳሊ ኵነታት ኣጋጢሙና ኣሎ፤ ነዚ ኢኮዋስ ከምዘይቅበሎ ክገልጽ እፈቱ" ኢሉ።
ሃገሩ ካብ 850 ክሳብ 1100 ወተሃደራት ዘለዋ ሓንቲ ቦጦሎኒ ከምእተዋፍር ዝገለጸ ፕረዚደንት ኦውታራ፡ ወተሃደራት ናይጀርያን በኒንን እውን ከምዝዋፈሩ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, getty images
ፕረዚደንት ዞባዊ ጕጅለ ኢኮዋስ ዑመር ቶራይ ብግደኡ፡ ኣባል ሃገራት "ኣብ ኒጀር ሕገ መንግታዊ ሰርዓት ናብ ቦታኡ ንምምላስ፡ ድሉው ሓይሊ ኢኮዋስ ክዋፈር" ወሲነን ኢሉ።
ብዛዕባ ትሕዝቶ እቲ ሓይልን ዝወስዶ ስጕምትን ግን ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን።
ቅድሚ እቲ ኣኼባ፡ መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና ናይቲ ምስ ኒጀር ዝዋሰን ሰሜናዊ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ እቲ ጕጅለ ዕልዋ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከይውሰድ ንፕረዚደንት ቲኑቡ ተማሕጺኖም ነይሮም።
ድሕሪ እቲ ኣኼባ ግን፡ እቲ ፕረዚደንት "እንገድፎ ኣማራጺ የለን፤ እንተላይ እቲ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ዝውሰድ ምጥቃም ሓይሊ።
"ንሕና እንተዘይሰሪሕናዮ፡ ካልእ መጺኡ ዝሰርሐልና ኣካል የለን" ኢሉ።
መራሕቲ ዕልዋ ኒጀር ግን ንዝዀነ ኢድ ኣእታውነት ከምዝምክትዎ የጠንቅቝ ኣለዉ።
እቲ ጕጅለ ክሳብ ዝሓለፈ ሰንበት ነቲ ዝተመረጸ መንግስቲ ስልጣኑ ክመልሰሉ ብኢኮዋስ ዝቐረበሉ ገደብ ግዜ ነጺግዎ እዩ።
ብኣንጻሩ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኒጀር ሓድሽ ካቢነ ኣቝሞም ኣለዉ።
ሃገራት ኣመሪካን ፈረንሳን፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ዝሕግዙ ወተሃደራዊ ማእከላት ኣብ ኒጀር ኣለወን።
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ወተሃደራዊ ጕጅለ ሩስያ - ቫግነር ነቲ ኣብ ኒጀር ዘጋጠመ ዘይምርግጋእ "ይጥቀመሉ ኣሎ" ኢሉ ከምዝኣምን ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







