ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ጋቦን ስልጣን ከምዝተቖጻጸሩ ኣፍሊጦም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ጋቦን ኣብ ሃገራዊ ቴለቪዥን እታ ሃገር ብምቕራብ ስልጣን ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም።
እቶም ኣዘዝቲ፡ ንውጽኢት እቲ ብቐዳም ዝተኻየደን ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ከምዝተዓወተሉ ዝተገለጸን መረጻ ከምዝሰረዝዎ ገሊፆም።
ኮምሽን መረጻ፡ ዓሊ ቦንጎ ዳርጋ ክልተ ሲሶ ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ እኳ እንተኣፍለጠ ተቓዋሚ ሰልፊታት ኣብቲ መረጻ ምጥፍፋእ ከምዝነበረ ይኸሱ።
እዚ ዕልዋ ነቲ ን53 ዓመታት ዝቐጸለ ስልጣን ስድራ እቲ ፕረዚደንት መኸተምታ ዝገብር ክኸውን ይኽእል እዩ።
12 ኣዘዝቲ ወተሃደራት ኣብ ቴለቪዥን ቀሪቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንውጽኢት እቲ መረጻ ይስርዙን “ንኹለን መንግስታዊ ትካላት” ይብትኑን ምህላዎም ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ኣብ ቴለቪዥን ጋቦን 24 ዝተመሓላለፈ ፈነወ ሓደ ካብቶም ወተሃደራት “ነዚ ህልው ስርዓት መኸተምታ ብምግባር ንሰላም ክንከላኸል ወሲንና ኣለና፡” ክብል ተሰሚዑ።
ወሲኹ’ውን “ዘይሓላፍነታዊን ክትንበይ ዘይክእልን ምሕደራ ኣብ ማሕበራዊ ጥምረት ቀጻሊ ምንቍልቋል ምስዓቡ ነታ ሃገር ናብ ዕግርግር ናይ ምእታው ሓደጋ ኣለዎ” ኢሉ።
ዓሊ ቦንጎ ኣቦኡ ዑመር ምስ ሞተ ኣብ 2009 እዩ ስልጣን ሒዙ።
ኣብ 2018 ወቕዒ ልቢ ምስ ኣጋጠሞ ንከባቢ ሓደ ዓመት ስርሑ ብግቡእ ክሰርሕ ብዘይምኽኣሉ ስልጣን ከረክብ ተደጋጋሚ ጻውዒት ይቐርበሉ ኔሩ።
ኣብ ዝሰዓበ ዓመት ፍሹል ፈተነ ዕልዋ ክካየድ እንከሎ ብዙሓት ወተሃደራት ተኣሲሮም እዮም።
ጋቦን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንማሊ፣ ጊኒ ኮናክሪ፣ ቡርኪና ፋሶን ኒጀርን ስዒባ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ዕልዋ ካብ ዝተኻየደለን ሃገር ኮይና ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







