ዕልዋ ኒጀር፡ ፈረንሳ ኣምባሳደራ ንከተውጽእ ዝተዋህባ ግዘ ገደብ ነጺጋ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብታ ሃገር ክወጽእ ናይ 48 ሰዓታት ግዜ ገደብ’ኳ እንተተዋህቦ፡ ኣምባሳደሩ ኣብ ኒጀር ከም ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣፍሊጡ።
ኣምባሳደር ሲልቫይን ኢተ፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብቕልጡፍ እናተዘርገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ካብታ ሃገር ክወጽእ ተኣዚዙ ነይሩ።
መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝሃብዎ ግዜ ገደብ ምስ ሓለፈ ድሕሪ ሰዓታት ግን፡ ፕረዚደንት ማክሮን ኣምባሳደር ኢተ ኣብ ቦታኡ ብምጽናሑ ይንእዶ ኢሉ።
ወተሃደራዊ ጁንታ ኒጀር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ኣልዩዎ።
ፕሬዝደንት ማክሮን ኣብ ፓሪስ ንዝተኣከቡ ኣምባሳደራትን ካልኦትን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ፈረንሳን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ገለ ሃገራት ኣጸጋሚ ኩነታት ኣጋጢሙዎም ኣሎ፤ እዚ ድማ ካብታ ፈረንሳ ኣብነታዊት ኰይና ዝጸንሐትላ ሃገር ሱዳን ጀሚሩ ክሳብ ኒጀር ዝበጽሕ እዩ” ኢሉ።
ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም ብ26 ሓምለ 2023 ብዕልዋ ካብ ስልጣን ክወርድ እንከሎ፡ ፈረንሳን፣ ብዙሓት ጎረባብቲ ሃገራት ኒጀርን ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኢኮዋስን ነቲ ዕልዋ ኰኒኖም’ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ እቲ ሕጂ ንኒጀር ዘመሓድር ዘሎ ጁንታ ኣምባሳደር ኢተ ድሕሪ’ቲ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ሓደስቲ መራሕቲ ኒጀር ምርኻብ ኣብዩ ከም ዝነበረ ብምግላጽ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ መምርሒ ከም ዝሃበን ገሊጹ ነይሩ።
ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝድግፉ ኣሽሓት ኒጀራውያን ብሰንበት ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ኒያሚ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ ሰልፊ ኣካይዶም።
ገሊኦም ወተሃደራት ፈረንሳ ክወጽኡ ዝጠልብ ጽሑፋት ዝሓዙ ኰይኖም፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተለጠፈ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣስላም ኢማማት ካብቲ መደበር ወጻኢ ጸሎት ክመርሑ የርእዩ።
ማክሮን ኣብቲ ትማሊ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ፈረንሳ ኣብ ኒጀር ምትእትታው እንተዘይትገብር ነይራ እታ ሃገር ነቲ "ዝጸንሐ ዶባታ ሒዛ ኣይምሃለወት ነይራ" ክብል ንወተሃደራዊ ህላወ ፈረንሳ ኣብ ኒጀር ተኸላኺሉ።
ጎረባብቲ ሃገራት ማሊን ቡርኪናፋሶን እውን ብዘይ ፈረንሳ ተመሳሳሊ ዕጫ ምበጽሐን ነይሩ ክብል ገሊጹ።
ፈረንሳ ኣብ ኒጀር፣ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ቻድን ሞውሪታንያን - ኩለን መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበራ - ንዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ዕጡቓት ንምምካት ንዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ስርሒት ኣካይዳ።
ኣስታት 5,500 ወተሃደራት ፈረንሳ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓስኪሮም ነይሮም።
ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ፈረንሳ ዘቕንዑ ስምዒታትን ተቓውሞታትን ኣብቲ ዞባ ብሰፊሐዑ ይርኣዩ ኣሎ፤ ገለ ተቓወምቲ ምትእትታው ፈረንሳ ዘመናዊ መልክዕ መግዛእቲ እዩ ይብሉ።
ካልኦት ድማ እቶም ወተሃደራት ነቲ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ዝበጽሕ ዘሎ ስግኣትን ቀታሊ መጥቃዕትን ጅሃዳውያን ክቐርፉዎ ኣይክኣሉን ኢሎም።
ኣብዚ ዘይውሕስነት እዚ፡ ወተሃደራት ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኒጀር ነቶም ጅሃዳውያን ንምምካት ለውጢ ኣመራርሓ ኣድላዪ እዩ ብምባል ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም።
ወተሃደራዊ መንግስቲ ማሊ ንጉጅለ ዕሱብ ወተሃደራት ሩስያ ቫግነር ነቶም እስላማውያን ዕጡቓት ንምምካት ክሕግዙ ጸዊዑ።
እቶም ዕሱባት ኣብቲ ሰፊሕ ዞባ ንጡፋት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ድማ ይግመት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







