ወተሃደራዊ መንግስቲ ኒጀር ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ 48 ሰዓታት ንኽወጽእ ኣዚዙ

ኒጀር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዕልዋ መንግስቲ በትረ ስልጣን ኒጀር ዝጨበጠ ወተሃደራዊ መሪሕነት እታ ሃገር፡ ክልተኣዊ ዝምድና ኒጀርን ፈረንሳይን ኣዝዩ እንዳሓርፈፈ ብምኻዱ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ንኽወጽእ ትእዛዝ ሂቡ።

እቲ ጁንታ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ሲልቨይን ሊቴ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኒጀር ንኽራኸቡ ሕቶ ቀሪብሉ ከም ዘጽቀጠ ኣፍሊጡ።

ፈረንሳይ ብወገና “ስልጣን ብሓይሎም ዝጨበጡ ውልቀሰባት” ሰባት ናይ ምስጓግ “ስልጣን የብሎሙን” ኢላ።

ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ገዛኢት ኒጀር ዝነበረት ፈረንሳይ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ኣትሪራ ዝተቓወመት ኰይና፡ ብሓይለ መልጢ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ባዙም ናብ ስልጣኑ ክምለስ ከምዘለዎ ተደጋጋሚ መግለጽታት ኣውጺኣ’ያ።

ኣብ ኒጀር ዝርከብ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ካብታ ሃገር ንኽወጽእ ትእዛዝ ዘውጽአ ዕልዋ መንግስቲ ፈጺሙ ናብ ስልጣን ብዝደየበ ወተሃደራዊ መሪሕነት ኒጀር ዝተሾመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር’ዩ።

ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ዜጋታት ባንዴራ ፈረንሳይ ኣብ ጎደናታት ብምቅጻል ተቓውሞታት ከስምዑ ተራእዮም’ዮም።

ኒጀር መዓስከር ወተሃደራት ፈረንሳይ ክትከውን እንከላ ካብ ዓለም ሻውዐይቲ ኣፍራይት መዓድን ዩራንየም’ያ።

ዩራንየም ኒኩሌር ንምስራሕ ዘኽእል ኣገዳሲ መዓድን’ዩ።

ርብዒ ፍርያት መዓድን ዩራንየም እታ ሃገር ናብ ኤውሮፓ ዝለኣኽ ኰይኑ ብብዝሒ ፈረንሳይ’ያ እትጥቀመሉ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳይ “ብዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ዝተሓንከቡ ወተሃደራት እዚ ሕቶ ናይ ምቕራብ መሰል የብሎሙን። ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብታ ሃገር ተመዲቡ ዝሰርሕ ዘሎ ብሕጋዊ መገዲ ተመሪጹ ነታ ሃገር የመሓድር ብዝነበረ መንግስቲ’ዩ” ክብል ገሊጹ።

መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ጀነራል ዓብዱራሕማን ቲችያኒ ሃገሩ ኒጀር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ናብ ሲቪሊያዊ ምምሕዳር ከምእትምለስ ቃል ኣትዩ።

እቲ ጀነራል ነዚ ቃል ዝኣተወ ምስ ሽማግለታት ማሕበረሰብ ቁጠባ ምዕራብ ኣፍሪቃ [ኢኮዋስ] ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኒያሚ ድሕሪ ምዝታዩ’ዩ።

ኢኮዋስ፡ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ናብ ስልጣኑ ዘይምለስ እንወተድኣ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ ኒጀር ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ’የ ኢሉ ከምዝተሓነየ ዝዝከር’ዩ።

ወተሃደራዊ መንግስቲ ኒጀር ብግዲኡ፡ ኒጀር ኵናት ከም ዘይትደሊ ብምግላጽ እንተዀነ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ወተሃደራዊ ምትእትታው ነብሰ ምክልኻል ክትገብር ምዃና ኣፍሊጡ።

ጀነራል ቲችያኒ ኣስዒቡ ኢኮዋስ ኣብ ልዕሊ እታ ወደብ ዘይብላ ድኻ ሃገር ዘንበሮ እገዳ “ዘይሕጋውን ኢ-ሰብኣውን” ክብል ኰኒንዎ።