ዕልዋ ኒጀር፡ ፈረንሳ ወተሃደራታን ኣምባሳደራን ክትስሕብ’ያ

"ቻው ፈረንሳ"፡ ተቓወምቲ ዝሓዙዎ ጭርሖ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, 'ቻው ፈረንሳ'፡ ተቓወምቲ ዝሓዙዎ ጭርሖ

ፈረንሳ ድሕሪ እቲ ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣምባሳደራ ካብታ ሃገር ከም እትስሕብን ምስ ኒጀር ዘለዋ ኵሉ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ከም ዘብቅዕን ገሊጻ።

“ፈረንሳ ኣምባሳደራ ክትስሕብ ወሲና ኣላ። ኣብ ዝቕጽሉ ሰዓታት ኣምባሳደርናን ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታትን ናብ ፈረንሳ ክምለሱ’ዮም” ክብል ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢማኑኤል ማክሮን ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ ወተሃደራዊ ምትሕብባር “ኣብቂዑ” ወተሃደራት ፈረንሳ፡ “ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ” ክወጽኡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓምለ ኣብ ኒጀር ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ጁንታ ነቲ ስጕምቲ ብሓጐስ ተቐቢልዎ ኣሎ።

እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ “ሎሚ (ትማሊ ሰንበት) ናብ ልኡላውነት ኒጀር ዝወስድ ሓድሽ ስጕምቲ ንጽንብል ኣለና” ምባሉ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ኣብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣስታት 1500 ወተሃደራት ፈረንሳ ኣለዉ።

ኣንጻር ህላወ ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ንኣዋርሕ ክካየዱ ዝጸንሑ ተቓውሞታት፡ ፈረንሳ ነዚ ስጕምቲ ክትወስድ ምኽንያት ከም ዝዀና ይፍለጥ።

እዚ ስጕምቲ፡ ፈረንሳ ኣብ ሰፊሕ ዞባ ሳሕል ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት እትገብሮ ዘላ ስርሒታትን ኣብኡ ዘለዋ ጽልዋን ዓቢይ ጸቕጢ ዘሕድር እዩ።

ፕረዚደንት ማክሮን፡ ፈረንሳ ግን “ውሑዳት ስልጣን ንምሓዝ ብዝጓየዩ ዘለው ጅሆ ኣይትትሓዝን” ክብል ንማዕከናት ዜና ቲኤፍ1 ከምኡ’ውን ፍራንስ 2 ኣብ ዝሃቦ ቃል ተዛሪቡ።

ሃገሩ፡ ሕጂ’ውን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብመራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ከም እሱር ተታሒዙ ዘሎ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም፡ “እንኰ ሕጋዊ መራሒ” እታ ሃገር ገይራ ከም እትወስድን ገሊጹ።

ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ዝተትሓዘሉ ኵነታት ድማ “ጅሆ” ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ፕረዚደንት “ተባዕ ጽገናታት የካይድ ብምንባሩን ብዓቢኡ ድማ ብዙሕ ፖለቲካዊ ግርህነትን ስለ ዝነበረን ዒላማ እዚ ዕልዋ ኰይኑ'ዩ” ይብል።

ኒጀር ሓንቲ ካብተን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሓያሎ መግዛእቲ ፈረንሳ ነበር ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ከም ዝመንዝዐ ይዝከር።

ኣብ ሃገራት ቡርኪናፋሶ፡ ጊኒ፡ ማሊን ጫድን’ውን ተመሳሳሊ ዕልዋታት ተፈጺሞም’ዮም።

እቲ ዳሕረዋይ ዕልዋ መንግስቲ ድማ ኣብ ነሓሰ ኣብ ጋቦን እዩ ተኻይዱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብቲ ዞባ ኣንጻር ፈረንሳ ዘቕንዑ ተቓውሞታት እናሓየሉ ምምጽኦም ይፍለጥ።

ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ ፈረንሳ ኒዮኮሎንያላዊ ፖሊሲታት ትፍጽም ኣላ ክብሉ ይኸስስዋ፤ ነዚ ክሲ ፈረንሳ ትነጽጐ።

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት’ውን፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ተራ ሩስያዊ ጕጅለ ቫግነር እናዓበየ ብዝኸይድ ዘሎ ስክፍታታት ተፈጢሩ’ሎ። ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተኸሰሰት ኰይና ንገለ ሓደስቲ ወተሃደራዊ ስርዓታት ክትሕግዝ ጸኒሓ እያ።

ብፈረንሳ ዝደገፍ ዞባዊ ቍጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (Ecowas) ንሚስተር ባዙም ናብ ስራሕ ንምምላስ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምዝገብር ኣፈራሪሑ፤ ክሳብ ሕጂ ግን ስጕምቲ ኣይወሰደን።

ወተሃደራዊ መራሕቲ ኒጀር፡ ብ26 ሓምለ 2023 ንፕረዚደንት ባዙም ካብ ስልጣን ምስ ዓለው ኣምባሳደር ፈረንሳ ኒልቫኒ ኢተ ካብታ ሃገር ንኽወጽእ ትእዛዝ ሂቦም ነይሮም።

ይዅን’ምበር እቲ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወጽእ ኣብ ነሓሰ ዝተዋህቦ ግዜ ገደብ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ኣይቅበልን ብምባሉን ነቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣፍልጦ ከም ዘይህቦ ብምግላጹን ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ጸኒሑ።

እቶም መራሕቲ ዕልዋ፡ “ነፈርቲ ፈረንሳ” ኣብታ ሃገር ከይበራ ከልኪሎም ኣለው።

ትካል ድሕነት ነፈርቲ እቲ ዞባ “ASECNA” ክሊ ኣየር ኒጀር “ካብ ነፈርቲ ፈረንሳ ወጻኢ ንዅሎም ሃገራውን ኣህጉራውን በረራታት ክፉት” ምዃኑ ሓቢሩ እዩ።

ኤየር ፍራንስ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ኣብ ክሊ ኣየር ኒጀር ኣይንበርርን ዘለና” ኢሉ።