ኣባላት ሰኔት ኣመሪካ ንዩክረይን ዝተሰለዐ 110 ቢልዮን ዶላር ስለምንታይ ዓጊቶም?

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣባላት ሰኔት ሪፓብሊካን ንዩክረይን ንምሕጋዝ ዝቐረበ እማመ ዓጊቶም።

እቶም ኣባላት ሪፓብሊካን ነቲ እማመ ዝኣገድዎ ፀጥታ ዶብ ኣሜሪካ ውሑስ ኣይኰነን ብዝብል እዩ።

እቲ 110 ቢልየን ዳላር ዝሓዘ ጥማር ሓገዝ፡ 61 ቢልየን ዳላር ንዩክረይን ከምኡ እውን ንእስራኤልን ጋዛን ሓገዝ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

ኣባላት ሪፓብሊካን ንዩክረይን ዝግበር ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ምስ ፅገናታታት ስደትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝተኣሳሰር ክኸውን ይጠልቡ።

ዋይት ሃውስ ኣሜሪካ ንዩክረይን እትገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝውዳእ ኣጠንቂቑ እዩ።

ኣባላት ባይቶ መወሰኒ ሕጊ ኣሜሪካ (ሰኔት)፡ ኣብቲ እማመ 50 ን 49 ብምድማፅ ነቲ እማመ ነፂገምዎ፤ እቲ እማመ ተግባራዊ ንክኸውን 60 ድምፅታት የድልይ።

ድምፂ እዞም ሴናተራት ኣብ መፃኢ ዕጫ ሓገዝ ንዩክረይን ዘይርግፁነት ዘስዓበ እንትኾን፡ ንክረምታዊ ዕረፍቲ ሓደ መዓልቲ ዝተረፎም ኣርቀቕቲ ሕጊ ድማ ኣብ ጠረጴዛ ዙርያ ተመሊሶም ክደራደሩ ዝድርኽ እዩ።

ቅድም ክብል እቲ ሕጊ ብቢልየናት ዝቑፀር ወተሃደራዊ ሓገዝ ንእስራኤል ክግበር ዘካትት እዩ ብምባል ተቓዊሙ ዝነበረ ዘይሻራዊ ሴናተር በርኒ ሳንድረስ ሓዊሱ፡ ሕድሕድ ኣባላት ሪፓብሊካን ኣንፃር እዚ እማመ ኣድሚፆም።

ሴናተር በርኒ ሳንድረስ ፡ “ነቲ ሕሉፍ የማናይ ክንፊ መንግስቲ ነታንያሁ ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ስልቲ ንክቕፅል ልዕሊ 10 ቢልየን ዳላር ክንምድብ ኣለና ኢለ ኣይኣምንን” ኢሉ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ተካይዶ ዘላን ክሳብ ሕዚ ኣሽሓት ንፁሃት ሰባት ዝቐተለን ወፍሪ ብምምልኻት።

ንነዊሕ እዋን ንነታንያሁ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ሴናተር ሳንድረስ፡ “መንግስቲ ነታንያሁ ዝገብሮ ዘሎ ነገር ዘይሞራላውን ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስን እዩ፡ ኣሜሪካ ድማ ናይዞም ተግባራት ተሓባባሪት ክትኸውን የብላን” ኢሉ።

ፕረዝደንት ጆ ባይደን ብረቡዕ፡ እቲ እማመ ንክፀድቕ “ኣብ ጉዳይ ዶብ ርኡይ ለውጢ ንምግባር ፍቓደኛ ከም ዝኾነ” ገሊፁ ነይሩ።

“እዚ ክፀንሕ ዝኽእል ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብ ኮንግረስ ዘለዉ ሪፓብሊካን ፑቲን ዘተስፍዎ ዝዓበየ ህያብ ክህብዎ ፍቓደኛታት እዮም” ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ምምሕዳር ባይደን፡ 175 ሚልየን ዳላር ንዩክረይን ሓድሽ ናይ ፀጥታ ሓገዝ ኣፅዲቑ ኣሎ።

ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ጥማር ሓገዝ ተተኳሲ፣ ሚሳይላት፣ መዳፍዕን ንወሰንቲ መሰረት ልምዓት እታ ሃገር ዘውሕሱ መሳርሕታትን ዘጠቓልል እዩ።

ሰናተራት እቲ ኮንግረስ ኣብ ጉዳይ ፀጥታ ንሕድሕዶም ዝተኻትዑ እንትኾኑ፡ ብዙሓት ኣባላት ሪፓብሊካን ድማ ነቲ መድረኽ ረጊፆም ወፂኦም።

ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ምስ ኣርቀቕቲ ሕጊ ብመገዲ ኢንተርነት ዝነበሮ ኣኼባ “ኣብ መወዳእታ ደቒቕ” ከም ዝሰረዞ መራሒ ዓብላላይ ድምፂ ቻክ ሹመር ብሰሉስ ገሊፁ’ዩ።

እቲ ፕረዝደንት ንምንታይ ነቲ ኣኼባ ከም ዝሰረዞ ግና ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

እዚ እማመ ውድቂ ምዃኑ ስዒቡ፡ ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ዩክረይን ኣንድሪ የርማርክ ኣብ ኢንስቲትዩት ሰላም ኣሜሪካ ተረኺቡ፡ ኣሜሪካ ንዩክረይን ተወሳኺ ሓገዝ ኣየቕረበትን ማለት “ኣብቲ ኵናት ናይ ምስዓር ልዑል ተኽእሎ ኣሎ ማለት’ዩ። ብሩስያ ዝተትሓዙ ቦታት ዩክረይን ሓራ ምውፃእ’ውን ኣይከኣልን” ኢሉ።