ንዩክረይን ዝወሃብ 50 ቢልየን ዩሮ ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ ብሃንጋሪ ተዓጊቱ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሃንጋሪ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ነታ ምስ ሩስያ ኣብ ኲናት ዘላ ዩክረይን ክህቦ ዝወጠነ 50 ቢልዮን ዩሮ (55 ሚልዮን ዶላር) ሓገዝ ዓጊታ። እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ኣባልነት ዩክረይን ዘተ ንምጅማር ስምምዕ ምስተበጽሐ ድሕሪ ሰዓታት እያ ነቲ ስጕምቲ ወሲዳ ዘላ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክተር ኦርባን፡ ድሕሪ እቲ ብሓሙስ ኣብ ብራስለስ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እቲ ንዩክረይን ክወሃብ ዝተባህለ ተወሳኺ ገንዘብ ተዓጊቱ'ሎ” ኢሉ።
መራሕቲ ኣውሮጳ ግን እቲ ንዩክረይን ንምሕጋዝ ዝካየድ ዘተ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዳግም ከምዝጅመር ኣፍሊጦም።
ምስ ሩስያ እትዋጋእ ዘላ ዩክረይን፡ ዓቕማ ካብ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ እትረኽቦ ሓገዝ ዝተመርኮሰ እዩ።
መራሕቲ ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ኣባልነት ዩክረይንን ሞልዶቫን ከምኡ ድማ ጆርጂያ ሕጽይቲ ኣባል ንምግባር ዘተ ክጅመር ድሕሪ ምስምማዖም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኦርባን ንዩክረይን ዝወሃብ ሓገዝ ከምዝተዓገተ ተዛሪቡ።
ምስ ሩስያ ጥቡቕ ርክብ ዘለዋ ሃንጋሪ፡ ኣባልነት ዩክረይን ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ንነዊሕ እዋን ክትቃወም ዝጸንሐት ኰይና ነቲ ምንቅስቓስ ግን ድምጻ ተጠቒማ ኣይዓገተቶን።
ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ ቻርለስ ሚሸል ከምዝሓበሮ፡ እቲ ዘተ ኣባልነት ንምጅማር ዝቐረበ እማመ ብምሉእ ድምጺ ጸዲቑ እዩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ዘተ ኣባልነት ንምጅማር ዝተበጸሐ ውሳነ ሕብረት ኣውሮጳ “ዓወት” ክብል ንኢዱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሆላንድ ማርክ ሩቲ ነቲ ዝተዓገተ ሓገዝ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዛረቦ “ሕጂ እውን ግዜ ኣለና እዩ፤ ዩክረይን ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ገንዘብ ኣይክትውድእን እያ” ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ “26 ሃገራት ተሰማሚዕና” ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ሩቶ፡ “ናይ ሃንጋሪ፡ ቪክተር ኦርባን፡ ገና ኣይተሰማመዐን። ኣብ መጀመርታ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ እምነት ኣለኒ። ኣብ መወዳእታ ጥሪ ንሓስብ ኣለና” ክብል ገሊጹ።
ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ ቻርለስ ሚሸል፡ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ሓገዝን ሓፈሻዊ በጀት እቲ ዞባን ዝምልከት፡ ካብ ሓንቲ ኣባል ሃገር ወጻእ ኵለን ሃገራት ከምዝተሰማምዓን፡ ሽወደን እውን ምስ ፓርላማኣ ክትመክር ከምዘድልያ ምግላጻን ኣፍሊጡ።
ዩክረይን ካብ ኣመሪካ፡ 61 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ክወሃባ ብሃንቀውታ እትጽበ ዘላ ኰይና፡ ኣብ መንጐ ሓገግቲ ሰልፊ ዲሞክራትን ሪፐብሊካንን ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ተደናጉይዋ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ ወራሪ ሰራዊት ሩስያ ጸረ መጥቃዕቲ ጀሚራ ከምዝሓሰበቶ ዘይሰለጣ ዩክረይን፡ ብቐሊሉ ብሩስያ ከይትሰዓር ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ኦለና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት፡ ምዕራባውያን ዝገብርዎ ገንዘባዊ ሓገዝ እንድሕር ዘይቀጺሎም፡ ዩክረይናውያን “ኣብ ሓደጋ ሞት” ናይ ምውዳቕ ዕድል ከምዘጋጥሞም ተዛሪባ።
ዩክረይንን ጐረቤታ ሞልዶቫን፡ ኣብ ለካቲት 2022 ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ እየን ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ንምዃን ኣመልኪተን። ክልቲአን ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ናይ ሕጹይነት ደረጃ ክወሃበን እንከሎ፡ ጆርጅያ ግን ተዘሊላ ነይራ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ በቲ ሕብረት ኣውሮጳ ንኣባልነት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ውሳነ ብምሕጓስ፡ “እዚ ንዩክረይን ዓወት እዩ፤ ንመላእ ኣውሮጳ ዓወት እዩ። ዘነቓቕሕን ዘሓይልን ዓወት እዩ” ክብል ጽሒፉ።
ኣመሪካ ብተመሳሳሊ ነቲ ውሳነ ዘለዋ ናእዳ ገሊጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







