ዩክረይን፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታታ ናብ ሰራዊት ክጽምበሩ ክትጽውዕ እያ

ንውትህድርና ዝምዝገቡ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ሰብመዚ ዩክረይን ሓደሽቲ ወተሃደራት ብምኽታብ ሰራዊቶም ከሐይሉ ይደልዩ

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ካብ 25 ክሳብ 60 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ ዩክሬናውያን ሰብኡት ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከመልክቱ ጻውዒት ክግበረሎም ምዃኑ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ሩስተም ኡመሮቭ ገሊጹ።

ነቲ ጻውዒት፡ “ዕድመ” ክብል እዩ ገሊጽዎ፤ ኰይኑ ግን ነቲ ጻውዒት እወታዊ ምላሽ ዘይሃቡ እገዳ ከምዝግበረሎም ዘአንፍት ምላሽ ሂቡ።

ጸኒሑ ግን ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ፡ ጻውዒት ንምግባር ከምዘይተሓሰበ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ 450 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ሓደስቲ ወተሃደራት ከምዘድልዩን እንተዀነ ነዚ ምምላእ “ተነቃፊ ዛዕባ” ከምዝዀነ ገሊጹ ነይሩ።

ዩክረይን ወረርቲ ሓይልታት ሩስያ ካብ ግዝኣታ ጸራሪጋ ንምውጻእ ዝጀመረቶ ጸረ-መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍሻሉ እዩ እዚ መግለጺታት ዝስማዕ ዘሎ።

ኣመሪካ ክትህባ ዝተለመቶ፡ 61 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ፡ ብኣባላት ሰልፊ ሪፐብሊካን ከምኡ ድማ ሕብረት ኣውሮጳ ዝመደቦ 55 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ብሃንጋሪ ድሕሪ ምዕጋቱ ኣብ ቀረብ እታ ሃገር ደውታ ከጋጥም እንከሎ፡ ድሮ ኣብ ዓውደ ግንባር ኣሉታዊ ጽልዋታት ከሕድር ከምዝጀመረ ሰብመዚ ዩክረይን ይገልጹ።

ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ኣውሮጳ ዩሮሳት ኣብ ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሩስያ ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር ካብ 18 ክሳብ 64 ዕድመኦም 768 ሽሕ ዩክሬናውያን ሰብኡት ካብታ ሃገር ወጺኦም ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ከምዝኣተዉ ሓቢሩ።

እዚ ቍጽሪ ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ ዝኸዱ ዜጋታት ዩክረይን ኣየመልክትን።

ሚኒስተር ምክልኻል ኡመሮቭ፡ ዳይ ወልት ምስዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ እቲ ምልመላ “ቅጽዓት ዘይኰነስ፡ ክብሪ እዩ” ኢሉ።

“ብፍቓዶም እንድሕር ዘይመጺኦም እንታይ ኢና ክንገብር ኣብ ዝብል ገና ንዘራራብ ኢና ዘለና” ኢሉ።

ጸኒሑ ግን እቲ ወሃቢ ቃል፡ ዝዀነ ኣገዳዲ ስጕምቲ ከምዘይውሰድን ካብ ወጻኢ ሰባት ንምጽዋዕ እውን ዘተ ከምዘይተኻየደን ተዛሪቡ።

“ካብ ወጻኢ ንጸውዕ ኣብ ዝብል ጉዳይ ዝተገበረ ዘተ የለን።”

ብተወሳኺ እቲ ሚኒስተር ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ኵሎም ዜጋታት ናብ ሰራዊት ክጽምበሩ እዩ ጸዊዑ ኢሉ።

ዩክረይን ካብ ግዝኣታ ወጻኢ መመልመሊ ማእከላት የብላን፤ ሰብመዚ እውን ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ክኸቱ ዘገድድሉ መንገዲ የብሎምን።

እቲ ሚኒስተር ምክልኻል እቶም ዝምልመሉ ሰባት ከመይ ከምዝስልጥኑ፣ እንታይ ከምዝዕጠቁ፣ መዓስን ኣበይን ከም ዘገልግሉን ክፈልጡ ምግባር ፍትሓዊ እዩ ክብል እውን ተሰሚዑ።

ዘለንስኪ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ናይዚ ዓመት መወዳእታ መግለጺ፡ ኣብዚ እዋን ኣስታት 500 ሽሕ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ዓውደ ኲናት ከምዘለዉ ገሊጹ።

ንሱ ምስ ምቅይያራትን ዓመት በዓልን ተተሓሒዙ ጸገም ከምዘጋጠመ እውን ኣብሪሁ። ኣብዚ እዋን ምልምላትን ወለንታውያንን እቲ ኲናት ክሳብ ዝውዳእ ከገልግሉ ግዴታ ኣለዎም፤ ዓመታዊ ዕረፍቶም ድማ 10 መዓልቲ ጥራይ እዩ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ ኣብቲ “ፍሉይ ወተሃደራዊ ወፍሪ” ክብል ዝገልጾ ኲናት፡ 617 ሽሕ ወተሃደራት ሃገሩ ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣብዚ ሰሙን ገሊጹ።

ቢቢሲ እቲ ዝበሃል ብዝሒ ወተሃደራት ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።