ገያሾ ጽዒና ኣብ ዝበረደ ሩባ ብጌጋ ዝዓለበት ነፋሪት ሩስያ

ኣብ ዝበረደ ፈለግ ዝዓለበት ነፋሪት ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, EAST SIBERIAN TRANSPORT PROSECUTOR'S OFFICE

ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ፡ 34 ሰባት ገያሾ ጽዒና ዝነበረት ነፋሪት ኣብራሪኣ ብዝፈጸሞ ጌጋ ኮሊማ ኣብ ዝተባህለ ናብ በረድ ኣብ ዝተቐየረ ሩባ ዓሊባ።

እታ ፍርያት ዘበነ ሶቭየት ዝኾነት ብመገዲ ኣየር ፖላር እትውነን ኣንቶኖቭ ኣን-24 ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ሓሙስ ንግሆ፡ ካብ ድሩቕ መሬት ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ክፋል ፈለግ ኮሊማ ክትዓልብ እንከላ ኣብ ሰብ ጉድኣት ኣይበጽሐን።

እታ ነፋሪት ካብቲ ክትዓልበሉ ዝግባእ መዕለቢ (ራን-ወይ) መዕርፎ ነፈርቲ ዚሪያንካ ምሕድግ ኢላ እያ ዓሊባ።

ነቲ ኩነታት ዘጻርዩ ዘለው ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ዝገበሩዎ ኣፈናዊ መርመራ እቲ ጌጋ ናይ ኣብራሪ’ታ ነፋሪት ምንባሩ ሓቢሮም ኣለው።

እታ ነፋሪት ሰላሳ ገያሾን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታትን'ያ ጽዒና ነይራ።

እታ ብበረራ ፒኣይ217 እተመዝገበት ነፋሪት፡ ሓሙስ ንግሆ እያ ካብታ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ እትርከብ ያኩትስክ እትበሃል ርእሲ ከተማ ሪፓብሊክ ሳካ ተበጊሳ።

እታ ነፋሪት ንሸነኽ ሰሜን ምብራቕ 1,100 ኪ.ሜ. ርሒቓ ናብ እትርከበ ዚሪያንካ እያ ትበርር ኔራ፤ ካብኡ ቀጺላ ናብ ያኩትስክ ቅድሚ ቅድሚ ምምላሳ ናብ ንእሽቶ ከተማ ስረድነኮሊምስክ ክትበጽሕ ተመዲቡላ ኔሩ።

እቲ ብሓደ ካብቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ዝተስኣለ ቪድዮ ክሊፕ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ማእከል እቲ ብብረድ እተሸፈነ ዝበረደ ናይ ሳይበርያ ሩባ ከምዝዓለበት የርኢ።

ኣብዚ እዋን እዚ መጠን ሙቐት ዚሪያንካ -40C ኣቢሉ ይበጽሕ ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ገማግም ሑጻ እቲ ፈለግ ከምዝዓለበት ገሊጾም።

እታ ነፋሪት ደው ክሳዕ እትብል ኣብቲ በረድ ነዊሕ ከምዘንሸራተተት ኣሰራት የርኢ።

ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ነፋሪት ኣብ ገማግም ሑጻ እቲ ፈለግ ከምዝዓለበት ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, EAST SIBERIAN TRANSPORT PROSECUTOR'S OFFICE

መግለጺ ስእሊ, ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ነፋሪት ኣብ ገማግም ሑጻ እቲ ፈለግ ከምዝዓለበት ገሊጾም