ሻኪራ ኣብ ትውልዲ ዓዳ ዓቢ ሓወልቲ ተተኺሉላ

ኣብ ባራንኪላ ዝተተኸለ ሓወልቲ ሻኪራ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ባራንኪላ ዝተተኸለ ሓወልቲ ሻኪራ

ኮሎምብያዊት ድምጻዊት ሻኪራ ኣብ ትውልዲ ዓዳ ባራንኪላ ብነሓስ ዝተሰርሐ ዓቢ ሓወልቲ ተተኺሉላ።

እቲ 6.5 ሜትሮ ዝንውሓቱ ሓወልቲ ነሓስ ኣብታ ‘ሂፕስ ዶንት ላይ’ እትብል ህቡብቲ ቪድዮ ብብዝሒ ዝተራእየ ሳዕስዒት ምንቅስቓስ ጎሎ ዘመልክት እዩ።

እታ ስነጥበባዊት፡ ወለዳ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓወልቲ ዝተሰኣልዎ ስእሊ ኣብ ኢንስታግራም ኣካፊላ።

ሻኪራ ካብቶም ኣብ ጉግል ብብዝሒ ዝድለዩ ኣስማት ከምዝነበረት ጸብጻባት የመልክቱ።

ቅድሚ እቲ ሓድሽ ሓወልቲ፡ ሻኪራ ኣብዚ ዓመት ብዙሕ ግዜ ኣብ ዜናታት ኣርእስቲ ኰይና ነይራ.

ብፍላይ ብዛዕባ መጻምድታ ነበር ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጀራርድ ፒኬ ዝገልጽ ደርፊ ምስ ኣውጽአት፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ክብረወሰን ዩቱብ ሰይራ እያ።

እታ ‘ኣውት ኦፍ ዩር ሊግ’ ዝብል ክሊፕ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ልዕሊ 63 ሚልዮን ግዜ ዝተረኣየት ኰይና፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዙሓት ሰባት ዝረኣይዎ ደርፊ ላቲን ኰይና ተመዝጊባ’ያ።

ጓል 45 ዓመት ሻኪራ፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ምስ ጀራርድ ፒኬ ብሓዳር ድሕሪ ምጽናሓ፡ ኣብ 2022 ምስቲ ወዲ 35 ዓመት ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ባርሴሎና ነበር ተፈላልያ እያ።

እቶም መጻመድቲ ብሓባር ክልተ ቈልዑ ከምዘፍረዩ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ኣብ ስጳኛ ኣብ ልዕሊኣ ድሕሪ ዝቐረበ ክሲ ምትላል ቀረጽ፡ 7.5 ሚልዮን ዩሮ መቕጻዕቲ ከፊላ ኣርእስተ ዜና ኰይና ነይራ።

ብሰሉስ እቲ ሓወልቲ ክምረቕ ከሎ፡ ወለዲ ሻኪራ ዊልያም መባራክን ኒድያ ሪፖልን ከምኡ’ውን ከንቲባ ከተማ ባራንኪላ ተረኺቦም።

ኣብ እግሪ እቲ ሓወልቲ ዝርከብ ጽላት፡ ነታ ስነጥበባዊት "ዘይሕሱ ጎሎ፡ ፍሉይ ተውህቦ፡ ሓፋሽ ዘንቀሳቕስ ድምጺ" ክብል ይንእዳ።

ብተወሳኺ "ፓይስ ዴስካርልዞስ" ብዝበሃል ንፈለማ ዕብየት ህጻናት ዘተባብዕ ትካል ኣቢላ ትገብሮም ስርሓት ግብረ ሰናይ የመልክት።

ሻኪራ፡ "ዓቢ ስነ-ጥበባዊ ተውህቦ" ብምባል ነቲ ሓወልቲ ንዝቐረጸ ዪኖ ማርኬዝን ተመሃሮኡን ኣመስጊና።

2023 ነዛ ድምጻዊት ዕዉትቲ ዓመት እያ ነይራ፡ ሰለስተ ሽልማት ላቲን ግራሚ ተዓዊታ’ያ።