ጸርፊ ዝመልኦ ሓድሽ ደርፊ ሻኪራ ኣብ ዩትዩብ ክብረወሰን ሰቢሩ

ሻኪራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መጻምድታ ጀራርድ ፒከ ነበር ድምጻዊት ሻኪራ፡ ፒከ ኣብ ልዕሊኣ ከም ዝዘመወ ዝገልጽ ደርፊ ክብረወሰናት ዩትዩብ ሰቢሩ።

‘ኣውት ኦፍ ዩር ሊግ’ ዝብል ቪድዮ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ልዕሊ 63 ሚልዮን ግዜ ዝተረኣየ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዙሓት ሰባት ዝረኣይዎ ደርፊ ላቲን ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ጓል 45 ዓመት ሻኪራ፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ምስ ጀራርድ ፒከብ ብሓባር ድሕሪ ምጽናሓ፡ ኣብ 2022 ካብቲ ወዲ 35 ዓመት ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ባርሴሎና ነበር ተፈላልያ እያ።

እቶም መጻመድቲ ብሓባር ክልተ ቆልዑ ኣፍሪዮም እዮም።

ቢቢሲ ርእይቶ ፒኬ ክረክብ ሓቲቱ ኣሎ ።

እዛ ናይ ኣርባዕተ ደቓይቕ ፖፕ ደርፊ፡ ሻኪራን ኣርጀንቲናዊ ኣሰናዳኢ ዲጄ ቢዛራፕን ንመጀመርታ ግዜ ብሓባር ክሰርሑ ዘኽኣለት እያ።

ሻኪራ ምስ ከም ኣቕረብቲ ምርኢት ጄ ባልቪን፡ ሉዊስ ፎንሲን ዳዲ ያንኪን ዝኣመሰሉ ክብረወሰናት ዩቱብ ዝሰበሩ ላቲናውያን ኣቕረብቲ ምርኢት ተጸንቢራ ኣላ።

እዛ ደርፊ፡ ብዛዕባ ምስ ቲኬ ምፍልላያ ትገልጽ ናይ መጀመርታ ደርፋ ኣይኮነትን፤ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝተዘርገሐት ሞኖቶንያ ትብል ደርፋ ሕነ ካብ ምፍዳይ ንላዕሊ ልቢ ትሰብር ደርፊ እያ ነይራ።

ኣብታ ሓዳስ ደርፋ ግን ሻኪራ ብዛዕባ እታ ሓዳስ ጓል 23 ዓመት መጻምድቲ ፒከ እያ ትደርፍ።

ንሳ "ክንዲ ክልተ ጓል 22 ዓመት መናእሰይ" ዋጋ ከም ዘለዋ ብምግላጽ ነቲ ዝምድና ካብ "ፌራሪ ናብ ሬኖ" ወይ ድማ ካብ "ሮሌክስ ናብ ካሲዮ" ከም ምውራድ ከም ዝኾነ ተነጻጽሮ።

እታ ኮሎምብያዊት ደራፊት፡ ምስቶም 14.5 ሚልዮን ዩሮ ግብሪ ኣታዊ ከም ዘይከፈለት ዝገልጹ ሰበስልጣን ስጳኛ ዝነበራ ርክብ'ውን ትጠቅስ።

ሻኪራ ኣብታ ደርፊ፡ ፒኬ እዚ ኩሉ እናተኻየደ ከሎ ከም ዘይደገፋ ትገልጽ ትመስል።

ብተወሳኺ፡ ናይ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ሜላኡ'ውን ትነቅፍ፡ "ኣብ ጂምናዝየም ብዙሕ ግዜ ተሕልፍ፡ ግን ሓንጎልካ’ውን ቁሩብ ስራሕ የድልዮ’ዩ" ትብል ኣብቲ ደርፋ።

ጀራርድ ፒከ ነታ ደርፊ ብኢንተርነት ዝሃቦ መልሲ የለን፡ እንተኾነ ግን ብዛዕባ እቲ ሓድሽ 7 ጋንታታት ዝሓቁፍ ፕሮጀክት ኪንግስሊግ ክጽሕፍ ጸኒሑ እዩ።

እዞም መጻምዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተፈላለያሉ እዋን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ንወዲ ትሽዓተ ዓመት ሚላንን ወዲ 7 ዓመት ሳሻን ብሓባር ኣብ ምምዕባል ከም ዘተኮሩ ገሊጾም።