ኣኮን ኣብ ሰኔጋል ክሃንጻ ዝወጠና ከተማ ዋካንዳን ሕልሚ ክሪፕቶን ኣበይ በጽሐ?

ምንጪ ስእሊ, DAVE SIMPSON
ኣብ ገማግም ባሕሪ ሰኔጋል "ናይ ብሓቂ ዋካንዳ" ከተማ ኣብ ንምህናጽ ዝነበሮ ውጥን ኣዝዩ ዝተደናጐየ’ኳ እንተዀነ፡ ኣኮን ግን መደባቱ "100 ሽሕ ሚእታዊት ይንቀሳቐስ" ከም ዘሎ ገሊጹ።
‘ዋካንዳ’ ብማርቨል ኮሚክስ ኣብ ዝሕተሙ ኣሜሪካውያን ኮሚክ መጻሕፍቲ ዝቐረበት ልብወለዳዊት ሃገር እያ። እዛ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከም ትርከብ ትሕሰብ ሃገር ብፍላይ ‘ብላክ ፓንተርስ፡ ዋካንዳ ፎርኤቨር’ ብዘርእስታ ፊልም ዝያዳ ተፈላጥነት ረኺባ’ያ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ፡ እቲ ህቡብ ድምጻዊ ኣኮን፡ ኣብ ሰኔጋል "ናይ ብሓቂ ዋካንዳ" ከተማ ክሃንጽ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣኮን ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ፕሮጀክት ንምጅማር ኣስታት 810 ሄክታር መሬት ህያብ ከም ዝተዋህቦን ኰይኑ ግን እኹል እዩ ኢሉ ከም ዘይሓስብ ምግላጹ ይዝከር።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣጣል ኣብቲ መሬት ይጓሰያ እኳ እንተሃለዋ፡ ኣኮን ግን፡ ነቐፍቱ ኣብ መጻኢ "ኣዝዮም ዓያሹ" መሲሎም ክርኣዩ እዮም ይብል።
እዚ ድምጻዊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለ መጠይቕ፡ ነቶም ካብ ክሪፕቶካረንሲ ወፍሩ ገንዘብ ክምለሰሎም ዝጽበዩ ዘለዉ ደገፍቲ፡ ዋላ'ውን ካብ ጁባኡ ክኸፍሎም እንተተገደደ፡ ገንዘቦም ከም ዝቕበሉ ኣረጋጊጹሎም ኣሎ።
ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዱ ብኸፊል ግን ኣብ ሰኔጋል ዝዓበየ ኣኮን፡ ኣብ 2018 ንመጻኢ ሕብረተሰብ ኣፍሪቃ ክውክሉ እዮም ዝበሎም ክልተ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እዩ ኣፍሊጡ።
እታ ቀዳመይቲ እታ 6 ቢልዮን ዶላር ከም ተውጽእ ዝተገመተት ዓባይ ከተማ እያ። እቲ ካልኣይ ድማ፡ ኤኮይን ዝበሃል ፍጹም ሓድሽ ክሪፕቶካረንሲ ከበግስ እዩ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ ድሐሪ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ክልቲኦም ፕሮጀክትታት ጸገማትን ምድንጓያትን ከጋጥሞ እንከሎ እታ ከተማ ክትህነጸሉ ዝተወሃበ ቦታ ድማ ክሳብ ሕጂ እንዳ ጎሓፍ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, 10 DESIGN ARCHITECTURE
ኣብ መስከረም 2020 ሓደ ደበናዊ መዓልቲ ኣኮን፡ ኣብቲ ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ መሬት ብዓርሰእምነት ኣብ ቅድሚ እቶም ምጅማር ህንጸት ናይታ ብዘደንቕ ስነህንጻ ዝተቐረጸት ዓባይ ከተማ ክዕዘቡ ዝመጹ ጋዜጠኛታት ደው ኢሉ።
ነታ ኣብ መጻኢ ትህነጽ ከተማ ዘመልክት ጽላት መጋረጃ ክቕላዕ እንከሎ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣጣቒዖም ነይሮም።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን፡ እቶም ውጥናት ፍረ ከፍርይ ድዮም ዝብል ሕቶ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ፍልልይ ፈጢሩ ኣሎ።
"ኣብኡ [ተቘጺርና ክንሰርሕ ኢና ኢልና ሓሲብና ነይርና ግን ከምቲ ንርእዮ ዘለና ናህሪ፡ ምናልባት ደቅና ይሰርሑ ይዀኑ" ክብል ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክት ሕጂ’ውን ተስፋ ኣለና። ደቅና ኣብዚ ጸኒሖም ክሰርሑ ተስፋ ንገብር።"
ካልእ ነባሪ ድማ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብቲ ፕሮጀክት ተስፋ ከም ዘይብሉ ይዛረብ። "እንተተጀሚሩ፡ ንሕና’ውን ኣብዚ እንተሃሊና፡ ብኸመይ ኣበርክቶ ክንገብር ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ሚድያታት ከተማ ኣኮን መጀመርታ ምስታ ኣብ ፊልምታትን ኮሚክ መጻሕፍትን እትቐርብ ተገርም ኣፍሪቃዊት ከተማ ዋካንዳ ኣነጻጺሮምዋ።
ጽርግያታት፡ ካምፓስ፡ ዕዳጋታት፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ሆቴላት፡ መደበር ፖሊስ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መስመራት ርስሓትን መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓትን ዝሓዘ ቀዳማይ ምዕራፍ እታ ከተማ ኣብ መወዳእታ 2023 ክዛዘም ነይርዎ።
ድሕሪ ተደጋጋሚ ምድንጓያት ግን፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምጅማር ዝተኻየደሉ ባይታ ዝተቐየረ ነገር ዳርጋ የለን ክበሃል ይኽእል።
"ኣብዚ ኣብ ቅድሚ ኣጣል ጥራይ ኣለኹ" ይብል ናይቲ ከባቢ ጋዜጠኛ ቦርሶ ቶል። "ምሉእ ብምሉእ ባዶ እዩ... ነዊሕ መስርዕ ቀጠልያ ኣግራብን ቀይሕ መሬትን ጥራይ እምበር ናይ ምህናጽ ምልክት የለን።"
እንተዀነ ኣኮን፡ እቲ ዓቢ መደባቱ ገና ክውን ክኸውን ከም ዝኸውን ጽኑዕ መርገጺ ሒዙ ይቕጽል ኣሎ።

ንድሕሪት ተመሊሱ ክሓስብ ከሎ፡ "ቅድሚ ምልላይ ዝያዳ ነገራት ቦታኦም ከትሕዝ ምኸኣልኩ ነይረ" ክብል ይኣምን።
ብሓደ ገጽ ንኮቪድ ይወቅስ፡ "ኩሉ ነገር ብኽልተ ዓመት ንድሕሪት ተደፊኡ” ይብል።
ይኹን እምበር ኣኮን ኣብ ነሓሰ 2020 ነታ ከተማ ምስ ዓለምለኸ መራኸቢ ብዙሓን ከላሊ እንከሎ፡ እቲ ለበዳ ድሮ ንዓለምና ተቘጻጺሩ ነይሩ።
"ኣብታ ከተማ ጡረታ ክወጽእ መደብ ኣለኒ" ይብል ብርእሰ ተኣማንነት። "ንጉስ እታ ከተማ ዝብል ቃል ክጥቀም ኣይፈቱን። ግን ከምኡ ክኸውን'ዩ።"
"እታ ከተማ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ክትህነጽ ንጽዕር ኣለና" ዝበለ ኣኮን፡ ንዝቕጽሉ 50 ዓመታት ኣብቲ መሬት ሊዝ ክራይ ከም ዝኸፈለን ፕሮጀክቱ "በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ብሓባር ከም ዝተፈረመን" ይዛረብ።
ቦርድ በጻሕቲ መንግስቲ ሰኔጋል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብቲ ፕሮጀክት ዘለዎም ተወፋይነት ዳግማይ ኣረጋጊጹ እዩ።
"ኣብ ከተማ ኣኮን እምነት ኣሎና፡ ኩላትና ድማ ኣኮን ንድግፍ ኣለና፡ ስለዚ ከተማ ኣኮን ክውን ክትከውን እያ" ይብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ቦርድ ሜ ኣሊዮ ሶው። "ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ በጻሕትን ኣውፈርትን ክስሕብ እዩ፡ እቲ ቦርድ ድማ ንዕውትነት እዚ ፕሮጀክት ምሉእ ተወፋይነት ኣለዎ።"
ኣኮን፡ ነቶም ትካላት ህንጸትን ኣርኪተክተራትን ከም ዝቐየሮም ብምግላጽ፡ ሓደስቲ መሻርኽቱ ንኣፍሪቃን ነቲ መሬትን ከምዝርድኡን "ብዓለም ደረጃ ሓቀኛ ተኣማንነት" ከም ዘለዎምን ይዛረብ። ሓፈሻዊ ዕላማታቱ ዓቢ ዕላማ ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ።
"ዓበይቲ ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ኢና ንደሊ። ዕላማይ ኣብ ኣፍሪቃ ሰባት ዘይከኣል ዝበልዎ ነገር ክሃንጽ ምፍታን'ዩ፤ ሓቀይ’ዶ?"

ምንጪ ስእሊ, 10 DESIGN ARCHITECTURE
ሓያሎ መርበብ ሓበሬታታት ፋይናንስ ፍሉጣት ሰባት፡ ጽሩይ ሃብቲ ኣኮን ካብ 60-80 ሚልዮን ዶላር ከም ዝዀነ ይግምቱ፡ እዚ ድማ ገሊኦም፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓቐን ዘለዎ ፕሮጀክት ገንዘብ ካበይ ከም ዝመጽእ ሕቶ ከልዕሉ ገይሩ’ዩ። ጉጅለኡ ብውልቃዊ ወፍሪ ዝምውል ዓለምለኻዊ ጥምረት ከም ዘለዎም ይገልጹ።
ኣኮን ቅድሚ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣብቲ ቦታ ስራሕቲ ኵዕታ ክጅምር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ነቶም ነበርቲ ከባቢ እቲ ቁሸት ዝሃነጾ ማእከል መንእሰያት ተወሳኺ መግለጺታት ከም ዝወሃብ ሓቢሩ።
ስራሕ ህንጸት ከተማ ኣኮን "ገና ምሉእ ብምሉእ ግዜ ሰሌዳ ከም ዘይወጸሉ" ይኣምን።
ኣብ ነሓሰ 2020 ኣኮን፡ እቲ ናይ መጀመርታ መደባት ናይታ "ክሪፕቶሲቲ" ዝብል ስያመ ዝሃባ ከተማ ኣኮን - ፋይናንሳዊ ትሕተ ቅርጺ - "ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኤኮይን ክሪፕቶካረንሲ" ክህነጽ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ክሪፕቶካረንሲ ግን ብናይ ገዛእ ርእሱ ምድንጓያትን ብድሆታትን ተሃስዩ እዩ ጸኒሑ።
"ብግቡእ ይመሓደር ኣይነበረን" ክብል ይእመን። "ኣብዚ ምሉእ ሓላፍነት እወስድ እየ።"
ቅድሚ ኤኮይን ክሪፕቶካረንሲኡ ምጅማሩ፡ መርበብ ሓበሬታ ኤኮይን፡ ቶከን ኦፍ ኣፕሪሽየሽን (TOA) ብዝብል ዝጽዋዕ ወፍሪ ቅድመ መሸጣ ዕድል ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ወፍሪ ንባዕሉ ኤኮይን ክሪፕቶካረንሲ ቅድሚ ክውን ምዃኑ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣቐዲሙ ዝተገልጸ እዩ። ብርግጽ፡ ንኤኮይን ንምጅማር ዝወጽእ ወጻኢታት ንምሽፋን ዝግበር ምትእኽኻብ ገንዘብ እዩ ነይሩ።
ናብቲ ወፍሪ ዝተላእከ ገንዘብ፡ ኣብ ገጽመርበብ ሓበሬታ Akoin TOA ከም "ወፈያ" ተቘጺሩ እኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ እዋን ግን ገንዘብ ንምእታው ፍሉይ ድርኺት ነይሩ። ኣበርከትቲ ንነፍሲ ወከፍ ዘእተውዎ 1 ዶላር፡ ክሳብ ኣርባዕተ ቶከን ኦፍ ኣፕሪሽየሽን - ድሒሩ ናብ ግቡእ ኤኮይን ዝቕየር - ከም ዝረኽቡ ተነጊርዎም ነይሩ።
"ኣብቲ ክሃንጽዎ ዝደለይዎ ስነ-ህይወት ብሓቂ እኣምን ነይረ" ክብል ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ማርከስ (ትኽክለኛ ስሙ ዘይኮነ) ይገልጽ። "ሓሓሊፉ ገለ ኣሽሓት ፓውንድ ኣእትየ እየ።"
ወፍሪ ቶከን ኦቭ ኣፕሪሽየሽን ኣብ ጥቅምቲ 2019 ተዛዚሙ። ወግዓዊ ትዊተር ኤኮይን፡ 290 ሽሕ ዶላር ከም ዘዋህለለ ገሊጹ። ድሕሪ ልዕሊ ክልተ ዓመት ለገስቲ፡ ኣብ ወግዓዊ ጕጅለ ተሌግራም ኤኮይን ኣማራጺ ቀሪቡሎም።

ምንጪ ስእሊ, 10 DESIGN ARCHITECTURE
"ሕጂ ንወነንቲ ቶክን ኦቭ ኣፕሪሽየሽን ኣማራጺ ክንህብ ክኢልና ኣለና" ክብል ኣመሓዳሪ እቲ ጕጅለ ተሌግራም ጽሒፉ።
"እቲ ናይ መጀመርታ ወፈያኦም ክምለሰሎም ወይ ድማ ምስቲ ናይ መጀመርታ ወፈያኦም ማዕረ ዋጋ ዘለዎ ኤኮይን ማስተርካርድ ክቕበሉ ይኽእሉ።"
ገለ ለገስቲ፡ ነቲ ቃል ዝተኣተወሎም ዓስቢ ክጽበዩ ወሲኖም ኣለዉ። ንግዚኡ ኣፍልጦ ቶክን ኦቭ ኣፕሪሽየሽን ኣለዎም ግን ኣብ ዝዀነ ተግባር ዝውዕል ኣይኮነን። ካልኦት ድማ ገንዘቦም ክምለሰሎም ፈቲኖም።
"እቲ ገንዘብ ክምለሰለይ ኣይሓተትኩን፡ ንሳቶም እዮም ነቲ ኣማራጺ ኣቕሪቦም" ይብል እቲ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝነበሮ እምነት ክሃስስ ዝጀመረ ማርከስ።
"እቲ ገንዘብ ድሕሪ ገለ ሰሙናት ክምለስ ነይርዎ። ሕጂ ልዕሊ ሓደ ዓመት ሓሊፉና ኣሎ። ናብቲ ቅድሚ ዓመታት ዝነበርናዮ ኵነታት ተመሊስና ኣለና።"
ከምዚ ዝስምዖ ማርከስ ጥራይ ኣይኮነን። ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ገንዘብ ክምለሰሎም ሓቲቶም ግን ከኣ ክሳዕ ሕጂ ገንዘቦም ክምለሰሎም ይጽበዩ ከም ዘለዉ ይገልጹ።
ሬጂ ዝተባህለ ነቲ ወፍሪ ዘወፈየ ኣብ ኤስያ ዝነብር ኣሜሪካዊ፡ "ኣዝዩ ተስፋ ዘቝርጽ'ዩ" ይብል። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብዙሕ ግዜ ከም ዝተረበሸ’ውን ወሲኹ ይገልጽ።
ከም ናይ ማርከስን ሬጂን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብዝምልከት ዝተሓተተ ኣኮን፡ ለገስቲ ገንዘብ ክምለሰሎም ይጽበዩ ከም ዘለዉ ዘይፈልጥ ምዃኑን ከምኡ’ውን እቶም ለገስቲ ክሳዕ ዝሕጐሱ፡ ነቲ ኵነታት ኣብ ምእራም ከም ዝተሳተፈን ገሊጹ።
"ዋላ'ውን ካብ ጁባይ እንተኾነ" ክብል ይውስኽ። "ብሓቂ እየ። ንዅሎም ገንዘቦም መሊሰ ንምኽፋል ጥራይ ክብል ዑደት ዓለም ምገበርኩ።"
ኤኮይን ክሪፕቶካረንሲ ንባዕሉ ኣብ መስከረም 2021 እዩ ኣብ ቢትማርት ተዘርጊሑ። ኣብቲ እዋን እቲ ዋጋኡ 0.28 ዶላር ነይሩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ግን ኣዝዩ ወሪዱ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ዋጋ ኤኮይን ኣስታት 0.01 ዶላር ጥራይ እዩ።
ኤኮይን ኣብ ከተማ ኣኮን ከም ቀንዲ ኣገባብ ክፍሊት ኰይኑ ክሰርሕ ሕጋዊነት ክረክብ ድዩ ዝብል ሕቶ'ውን ክለዓል ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ባጤራ ሰኔጋል ሲኤፍኤ ፍራንክ፡ ብማእከላይ ባንክ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (BCEAO) ዝምራሕን ዝሕተምን ኰይኑ፡ ዘከፋፍሎ’ውን ባዕሉ እቲ ባንክ እዩ።
ያሁ ፋይናንስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ "እቲ ትካል፡ ክሪፕቶካረንሲ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ዘስዕቦ ሓደጋታት ብምጥንቃቕ ዘይሕጋዊ ኢሉ ከምዝገለጾ" ጸብጺቡ እዩ።
ብዛዕባ ሕጋውነት ሓንቲ ብክሪፕቶካረንሲ እትሰርሕ ከተማ ርእይቶ ንኽህበና ንማእከላይ ባንክ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓቲትና ግን መልሲ ኣይረኸብናን።
"እዚኦም ብዙሕ ካብቲ ኣነ'ውን ዝስምዓኒ ስክፍታታት'ዮም" ክብል ኣኮን ኣፍልጦ ይህብ። "ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ብዝዀነ ይዅን መገዲ ነሳትፎ ክሪፕቶ ምስ ኵሉ ሕግታትን ስርዓታትን ብዝሰማማዕ መንገዲ ምዃኑ ከረጋግጽ እደሊ።"
ስለዚ ኣብታ ኣኮን ዝሃንጻ "ክሪፕቶ ሲቲ" ተራ ዝውውር ብናይ ገዛእ ርእሱ ክሪፕቶ ክካየድ ድዩ? ዘይንጹር ይመስል። "እታ ከተማ ክሳብ እትህነጸሉ እዋን ክንፈልጦ ኢና፡ እዚ ርግጽ'ዩ" ብምባል ቃል ይኣቱ።
ንኽልተ ዓመት ድሕሪ ምጽባይ ግን፡ ኣሚኖም ዘይተቐበሉ ሰባት ኣለዉ።
"ብዙሓት ካባና መጽናዕትና ዝገበርና ይመስለኒ፡ ግን ዝዀነ ነገር ዘሎ ኣይመስልን" ይብል ሬጂ።
"ገንዘበይ ኣምሊሰ ጥራይ ክወጽእ ደስ ይብለኒ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







