ጥዕና፡ ሴሊን ዲዮን ዘይፍወስ ሕማም ከምዘለዋ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሴሊን ዲዮን፡ ስቲፍ ፐርሰን ሲንድሮም (ኤስፒኤስ) ዝበሃል ሳሕቲ ዝረአ ርእሰ-ብዩን ሕማም ስነ-ኣእምሮ ከምዘለዋ ብመርመራ ምርግጋጻ ኣፍሊጣ።
እታ ፈረንሳዊት ካናዳዊት ድምጻዊት፡ ን5.2 ሚልዮን ተኸታተልቲ ኢንስታግራማ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ጭዋዳታታ ብዘይቁጽጽር ምጭብባጥ ከም ዘስዕብ ሓቢራ።
ኣብ ምስጓምን ምድራፍን ጸገማት ከምዘስዓበላን፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ብሪጣንያን ኣብ ኣውሮጳን ኣብ ዝወጠነቶም ምርኢታት ክትቀርብ ከምዘይትኽእል ገሊጻ።
"ንነዊሕ እዋን ምስ ጸገማት ጥዕናይ ክቃለስ ጸኒሐ'የ" ትብል ሴሊን ዲዮን።
እታ ጓል 54 ዓመት ህቡብቲ ደራፊት ኣብቲ ዝዘርገሓቶ ብስምዒት ዝመልአ ቪድዮ "ነዞም ብድሆታት ምቅላስን ብዛዕባ ኩሉ ዘሕለፍክዎ ክዛረብን ድማ ናይ ብሓቂ ከቢድ ኮይኑኒ'ዩ" ኢላ።
"ኣብ ቀረባ እዋን ሓደ ካብ ሚልዮን ሰባት ዝጸሉ 'ስቲፍ ፐርሰን ሲንድሮም' ዝበሃል ኣዝዩ ሳሕቲ ዝረአ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገም ከም ዘለኒ ተረጋጊጹ ኣሎ።"
"ብዛዕባ እዚ ሳሕቲ ዝረአ ኩነታት ገና ብዙሕ ዘይፈለጥና’ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን ግን መንቀሊ እቲ ኩሉ ከጋጥመኒ ዝጸንሐ ምጭብባጥ ጭዋዳታት ምዃኑ ፈሊጥናዮ ኣለና።"
ብምስዓብ ድማ፡ "እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ምጭብባጥ እዚ ንኹሉ መዳያት መዓልታዊ ህይወተይ ዝጸልው ኮይኑ ሓደ ሓደ ግዜ ብእግረይ ክኸይድ ከለኹ ጸገማት የስዕበለይን ከምቲ ዝለመድክዎ ኣውታር ድምጸይ ተጠቒመ ክደርፍ ኣይፈቕደለይን" ኢላ።
"እዚ ማለት ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ኣውሮጳ ዑደት ምርኢት ዳግማይ ክጅምር ድሉውቲ ከምዘይኮንኩ ክነግረኩም ከለኹ ሓዘን ይስምዓኒ።"
በታ መዐጀቢ ደርፊ ፊልም ታይታኒክ ዝነበረት ‘ማይ ሀርት ዊል ጎ ኦን’ ትብል ደርፋ ብሉጽ ደርፊ ኦስካር ዝተዓወተት እዛ ፍልጥቲ ጓል ኣንስተይቲ ደራፊት፡ ኣብ 2014 በዓል ቤታ ረነ ኣንጀሊል ምስ ሕማም መንሽሮ ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዋን፡ ንሞያኣ "ንዘይተወሰነ ግዜ" ደው ከም ተብል ገሊጻ ነይራ።
ሓደ ዓመት ጸኒሓ ምርኢታታ ዳግማይ ቀጺላ እኳ እንተነበረት፡ ድሕሪ ሞት በዓል ቤታ ኣንጀሊልን ሓዋ ዳኒኤል ዲዮንን ኣብ መጀመርታ 2016 መሊሳ ካብ መድረኽ ርሒቓ እያ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ 2019 ስያ፡ ሳም ስሚዝን ዴቪድ ጉታን ዘሳተፈት ‘ካሬጅ’ ዘርእስታ ናይ ስቱድዮ ኣልበም ሒዛ ተመሊሳ።
'ክቃለስ እየ ጸኒሐ'
እታ ‘ካሬጅ’ ትብል ኣልበማ ብዓለማዊ ዑደት ምርኢት ዝተደገፈት ነይራ፣ መብዛሕትኡ እቲ ዑደት ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ክናዋሕ ግድን ኮይኑ።
ሰሊን፡ "ከቢድን ቀጻልን ምጭብባጥ ጭዋዳታት" ድሕሪ ምምዕባላ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ነቲ ናብ መድረኽ ክትምለስ ዝወጠነትሉ ዕለት ዳግማይ ክተናውሕ ተገዲዳ’ላ።
ኣብ በርሚንግሃም፡ ግላስኮ፡ ማንቸስተርን ለንደንን ሓዊሱ ሓያሎ ካብቶም ምርኢታት ክናውሑ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ተሰሪዞም እዮም።
ሰሊን ብሓሙስ፡ "ክሓወይ ዝሕግዙኒ ኣብ ጎነይ ዝሰርሑ ጉጅለ ሓካይም" ከምዘለዉ ገሊጻ። ብተወሳኺ፡ "ክቡራት ደቃ" እውን "ደገፍን ሓገዝን" ይህብዋ ከምዘለዋ ንደገፍታ ኣረጋጊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ሓይለይን ዳግማይ ምርኢት ዘቕርበሉ ዓቕመይን ንምምላስ መዓልታዊ ምስ ናይ ስፖርት ሓኪመይ ኣበርቲዐ ይሰርሕ ኣለኹ፡ እንተኾነ ግን ክቃለስ ከምዝጸናሕኹ ክኣምን ኣለኒ" ክትብል ገሊጻ።
"ኣነ ዝፈልጦ ምድራፍ ጥራይ እዩ። ሙሉእ ሂወተይ ዝገበርክዎን ኣዝየ ዝፈትዎን'ዩ።"
"ኣዝየ እየ ዝናፍቐኩም። ንኹልኹም ክርእይ [ከምኡ'ውን] ኣብ መድረኽ ክኸውንን ምርኢት ከቕርብልኩምን ናፊቐ ኣለኹ።"
"ኩሉ ግዜ ምርኢት ከቕርብ እንከለኹ 100 ሚእታዊት [ተወፋይነት] እየ ዝህብ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኩነታተይ ከምኡ ክህበኩም ኣይፈቕደለይን'ዩ።"
ብድሕሪኡ ንብዓታ ንምቁጽጻር ከይፈተነት፡ ንደገፍታ ንዝገበርዎ ደገፍ ብምምስጋን፡ ኣብ ጥዕናኣ ካብ ምትኳር ሓሊፋ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብላን ኣብ "መንገዲ ሕውየት" ከምዘላ ተስፋ ከምትገብርን ኣስሚራ ተሰናቢታ።
ስቲፍ ፐርሰን ሲንድሮም (ኤስፒኤስ) እንታይ እዩ? መድሃኒትከ ኣለዎ’ዶ?
ኤስፒኤስ ኣዝዩ ሳሕቲ ዘጋጥም ኩነታት ኮይኑ ብዛዕብኡ እኹል ግንዛበ የለን።
"ምልውዋጥ ጽንዓት ጭዋዳታት ዓንደ-ኣካልን መሓውራትን ከምኡ'ውን ንኸም ድምጺ፡ ምትንኻፍን ስምዒታዊ ጭንቀትን ዝኣመሰሉ ልዑል ተኣፋፍነት ምህላዉን ኮይኑ እዚ ድማ ምጭብባጥ ጭዋዳታት ከበግስ ዝኽእል" ከምዝኾነ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ይገልጽ።
ኤስፒኤስ ዘለዎም ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ መንድዓት ሓዊሱ ዘይንቡር ኣካላዊ ቁመና ከማዕብሉ ይኽእሉ።
ብተወሳኺ ጉድኣት ኣካል ከጋጥሞም፡ ብዓረብያ ስንኩላን ክንቀሳቐሱ፡ ወይ ካብ ዓራት ዘይወርዱ ከምኡ’ውን ክሰርሑን ንነብሶም ክከናኸኑን ኣብዘይክእልሉ ደረጃ ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም።
"መብዛሕትኦም ኤስፒኤስ ዘለዎም ውልቀሰባት ንቡር ናይ ምክልኻል ግብረ መልሲ ስለዘይብሎም ብተደጋጋሚ ክወድቁን ከቢድ መጉዳእቲ ከጋጥሞምን ይኽእል።"
ንኤስፒኤስ ዘሕውይ መድሃኒት እኳ እንተዘይሃለወ፡ እቲ ሕማም ከይጋደድ ዘክእሉ ፍወሳታት ግን ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







