ንበልዖን ንሰትዮን ኣብ ናይ ምዝካር ክእለትና ዘለዎ ጽልዋ

ኣብ ብያቲ ዝተቐረበ መግቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ሓደ ግዜ ናይ መሓዛኹም ኣድራሻ፡ በዓላት፡ ሽም ምሳኹም ዝሰርሕ ሰብ ግብ ኢሉ’ዶ ይጠፍኣኩም?

እዚ ኩሉ ምስ ናይ ምዝካር ክእለትና ዝተሓሓዝ’ዩ፤ እቲ ምዝካር ናይ ሕጂ፡ ናይ ቀረባን ናይ ነዊሕ ዝገበረን ክኸውን ይኽእል።

ንምዃኑ እንበልዖን እንሰተዮን ነገር ንናይ ምዝካር ክእለትና ክጸልዎ'ዶ ይኽእል ይኸውን?

ክኢላ ስነ ኣእምሮ ኪምበሊ ዊለሰን፡ መግብን መስተን ምስ ምዝካር ዘለዎ ምትእስሳር ዘርዚራ ኣቕሪባቶ’ላ።

ብመሰረቱ ሰለስተ ዓይነት ተዘክሮታት እዩ ዘለና፤ ናይ ሓጺር ግዜ ተዘክሮ [Short term memory] ናይ ስራሕ ተዘክሮ [working memory] ከምኡ ኸኣ ናይ ነዊሕ ግዜ ተዘክሮ [long term memory] ተባሂሉ ኸኣ ይጽዋዕ።

እቲ ሓጺር ተዘክሮ፡ ኣእምሮና ናይ ሕጂ ዝተፈጸመ ዝኽዝነሉ’ዩ። ኣብዚ፡ ሕጂ ዝተነገረና ቁጽሪ ተሌፎን ኣብ መዝገብ ከየስፈርና ዘኪርና ጥራይ ክንድውል እንከለና ከም ኣብነት ክጥቀስ ይኽኣል።

እቲ ናይ ስራሕ ተዘክሮ ኸኣ፡ እናሰራሕና እንከለና ምስቲ ስራሕ ዝተኣሳሰር እንዝክረሉ እዩ።

እዚ ኣኼባ እናኣካየድና እንከለና እቲ ካልእ ሰብ ዝበሎ እንክዝነሉን እንርድኣሉን ከምኡ'ውን ምስቲ ቀዲሙ ዝነበረ ኣተኣሳሲርና ኸኣ ሓሳብና ንኽንህብ ዝሕግዝ እዩ።

ናይ ነዊሕ ግዜ ተዘክሮ ኸኣ ናይ ቅድሚ መዓልታት፡ ኣዋርሕን ዓመታትን ዝነበረ ፍጻመ እንዝክረሉ እዩ።

እዚ ማለት ናይ ነዊሕ ግዜ ተዝክሮ እኩብ ድምር ናይ ሓጺርን ናይ ስራሕን ተዘክሮታት’ዩ።

እንበልዖን እንሰትዮን ኸኣ ብቐጥታ ኣብ ናይ ምዝካር ክእለትና ዓቢ ጽልዋ እዩ ዘለዎ።

ኣብ ናይ ምዝካር ጸገም ዘለዎም ኣረጋውያን ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ መዓልታዊ 500 ሚሊ ሊትር ጽማቕ ናይ ወይናይ ወይኒ ን12 ሳምንታት ድሕሪ ምውሳዶም፡ ዝያዳ ቃላት ከጽንዑን ክሕዝዎምን ከምዝኽኣሉ የርኢ።

ኣብ ህጻናት ዝተገበረ መጽናዕቲ’ውን እቶም ኣብ መዓልቲ 240 ግራም ብሉቤሪ ዝተብሃለ ዓይነት ፍረ ዝበልዑ ህጻናት ዝያዳ ቃላት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከጥርዩን ቅድሚ ክልተ ሰዓታት ንዝረኣይዎ ነገር ጽቡቕ ገይሮም ንኽዝክርዎ ከምዝሓገዞም ኣረጋጊጹ።

በርገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወይናይ ወይኒን ብሉቤርን ኣብ ውሽጦም ዕምባበኦም ሰማያዊ ንኽኸውን ዝሕግዝ ትሕዝቶ ‘ኣንቶሳይኒኒ’ ዘለዎም ኮይኖም፡ እዚ ናብ ውሽጢ ኣካልና ምስ ኣተወ ጭዋዳታትና ዝያዳ ንኽልስልሱን ናብ ሓንጎልና ዝውሕዝ ደም ንኽውስኽን ዝሕግዝ እዩ።

እዚ ኸኣ ብርቱዕ ሓይሊ፡ መኣዛን ኦክስጅንን ንኽንረክብ ስለዝሕግዝዘና ናይ ምግንዛብ ዓቕምና ከምዝብርኽ ይገበር።

ንነዊሕ ግዜ ቀጠልያ ሻሂ ምስታይ’ውን ናይ ሓጺር ግዜ፡ ናይ ስራሕን ናይ ነዊሕ ግዜን ተዘክሮና ንኽብርኽን ናይ ምግንዛብ ዓቕምና ንኸይንክን ይሕግዝ’ዩ።

ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ካብ ካካዋ ዝተሰረሐ ጸሊም ቸኮላታ’ውን ናብ ሓንጎልና ዝኸይድ ደም ስለዘበርኾ ንተዘክሮና ሓጋዚ’ዩ፡ እንተኾነ ዘይምብዝሑ ይምረጽ።

ብሓፈሻ ፍረታት፡ ኣሕምልቲ፡ ዓሳን ባልደንጓን ዝርከቦ ጥዕንኡ ዝተሓለወ መግቢ ምምጋብ ንናይ ምዝካር ክእለትና ኣዝዩ ከምዘመሓይሾ’ውን ንነዊሕ ዓመታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ የርኢ።

ንተዘክሮና ከልዕል ዝኽእል መግቢ ካብ ፈለጥናዮ ንተዘክሮና ዝሃሲ መግቢ ኸኣ ኣሎዶ ንዝብል’ውን ክንድህስሶ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሰባትን እንስሳታትን ክካየድ ዝጸነሐ መጽናዕቲ፡ ዝተመስርሐ መግቢ ኣብ ናይ ምዝካር ክእለትና ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ’ዩ ዘርኢ።

110 ጥዑያትን ዝተመጣጠነ መግብን ዝበልዑ ሰባት ንሓደ ሰሙን ዝተመስርሐ መግቢ ድሕሪ ምብልዖም ናይ ምዝካርን ክእለቶምን ሸውሃቶምን ክጎድል’ዩ ተራእዩ።

ዝተመስረሐ መግቢ፡ ብዙሕ ሽኮር፡ ውሑድ ፍሩታን ውሑድ ጽሕጎ ዘለዎ መግቢ ምምጋብ ኪኖ ናይ ምዝካር ዓቕምና ምድኻም፡ ሕማም ረሲዕ’ውን ከስዕበልና ይኽእል እዩ።

ስለዚ ጥዑይ መግቢ ምብላዕ፡ ኣብ ቁርስና ፍሩታ፡ ኣብ ድራርና ሓምሊ ምብላዕ ጽቡቕ ናይ ምዝካር ክእለት ንክህልዋና ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ዝሕብሩ።