ንዓይንና ዝጎድኡን ናይ ምርኣይ ዓቕምና ዘድኽሙን ኣርባዕተ ምኽንያታት

ኣብ ጸልማት ሞባይል ዝወልዐት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቃንዛ ዘይምህላዉ ንውሕስነት ጥዕና ዘረጋግፅ ኣይኮነን ይብሃል።

ኣብ ፍጹም ጥዕና ከም ዘለኻ እናሓሰብካ ከለኻ ሃንደበት ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣካላትካ ሱር ዝሰደደ ሕማም ከም ዘለካ ምፍላጥካ ኣዝዩ ከቢድ ስንባደ ዝፈጥር ኩነት’ዩ።

ቅድሚ 23 ዓመታት ስራሕ ዝጀመረ ናይ ዓይኒ ሓኪም ዶክተር ዮናስ ጥላሁን ከምዚኦም ዝበሉ ክስተታት ከምዝረኣየ ይዛረብ።

"ገለ ሕሙማት 'ሃንደበት ንግሆ ምስ ተበራበርኩ ነታ ሓንቲ ዓይነይ እናሓሰኽዋ እታ ሓንቲ ጠፊኣ' ይብሉ" ክብል ሓሓሊፉ ብዛዕባ ዘጓነፎ የረድእ።

ዓይኒ ሃንደበት ክጠፍእ ይኽእልዶ?

ናይዚ ሕቶ መልሲ ቅድሚ ምሃብና፡ ብዛዕባ ንዓይንና ዝሃስዩን ዓቕሚ ምርኣይና ዘጉድሉን ጠንቅታት ክነልዕል።

ጠንቅታት ጉድኣት ዓይኒ ብዙሓት እዮም። ካብቶም ብዙሓት ምኽንያታት ግን ነቶም ዶ/ር ዮናስ ጥላሁን ዝጠቕሶም ኣርባዕተ ምኽንያታት ጥራይ ክንርእይ።

1. ጥዕና

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣካላትና ዘጋጥም ናይ ጥዕና ጸገማት ንዓይኒ ናይ ምጉዳእ ተኽእሎ ከምዘለዎ ዶክተር ዮናስ ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ከም ሕማም ሽኮርን ልዑል ጸቕጢ ደምን ዝኣመሰሉ ሕማማት ብቐጥታ ንጥዕና ዓይኒ ዝሃስዩን ናብ ዕውርነት ዘብጽሑን ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም።

ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ [‘ሲዲሲ’] ከም ዝሕብሮ፡ ሕማም ሽኮር ምስ ዓይኒ ንዝራኸቡ ሰራውር ደም ብምጉዳእ ዓቕሚ ምርኣይ ከንቆልቁል ወይ ምሉእ ብምሉእ ምጥፋእ ከጋጥም መንቀሊ ይኸውን’ዩ።

ብተወሳኺ ድማ ብቐሊሉ ብኽታበት ክውገዱ ብዝኽእሉ ፀገማት ጥዕና፡ ዓይኒ ብኸቢድ ክጉዳእ ከምዝኽእል ዶክተር ዮናስ ይዛረብ።

"ከም ንፍዮ ዝኣመሰሉ ሕማማት ክታበት እንተዘይወሲድና፡ በሰላ ብምስዓብ ክሳብ ዕውረት ዓይኒ ከምፅኡ ይኽእሉ'ዮም" ይብል እቲ ክኢላ ዓይኒ።

ኣስዒቡ “ብሰንኪ ጸገም ዝተመጣጠነ መግቢ ወይ ሕጽረት ቪታሚን ኤ፡ ብዙሓት ህፃናት ቁስለት ብሌን ዓይኒ ኣጋጢምዎም ብርሃን ዓይኖም ዝስእኑሉ ኩነታት ኣሎ” ክብል የረድእ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዓይኒ ህፃናት ንዝረኣዩ ከም "ሕውላለ" ዝበሉ ፀገማት ዕሽሽ ምባል ኣብ ኣዒንቶም ከቢድ ጉድኣት ከብፅሕ ከምዝኽእል የጠንቅቕ።

ጽሬት ዓይኒ ብዘይምሕላው ከም ትራኮማ ዝኣመሰሉ ሕማማት ስለዘጋጥሙ፡ እዚኦም ድማ ብጊዜ ዕውረት ከስዕቡ ይኽእሉ።

ሕማም ዓይኒ ካብ ኣባላት ስድራቤት ክውረስ ዝኽእለሉ ተኽእሎ’ውን ኣሎ።

ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና ዝመጽእ ሕማም ዓይኒ ቅድሚ ናብ ዝኸበደ ደረጃ ምብፅሖም ምርመራ ብምግባር ምፍላጥ ይግባእ።

ከም ሽኮር ዝኣመሰሉ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ኣብ ኣባላት ስድራቤቶም ናይ ዓይኒ ጸገም ዘለዎም እንተሃልዮምን ስሩዕ መርመራ ዓይኒ ክግበር ኣለዎ።

ንህጻናት ድማ መኣዛዊ መግቢ ምሃብን ክታበት ክወስዱ ምግባርን ልክዕ ከም ንኻልኦት ክፍሊ ኣካላት ንኣዒንቶም ኣገዳሲ ምዃኑ ዶክተር ዮናስ ይዛረብ።

ዶክተር ዮናስ፡ ህጻናት ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም ኣብ ኣዒንቶም "ጻዕዳ ነገር" [ጉልምበት] እንተሃልይዎም፤ ከይበኸዩ ንብዓት ዝፈሶም እንተኾይኑ፤ ኣብ ዓቐን ኣዒንቲ ፍልልይ እንተሃልዩ ከምኡ'ውን ንኣዒንቶም ብተደጋጋሚ ዝሓስዩ እንተኾይኖም ናብ ሕክምና ክውሰዱ ከምዘለዎም ይምዕድ።

ብቪታሚን ኤን ኦሜጋ 3ን ዝማዕበሉ መግብታት ኣዘውቲርካ ምምጋብ ንጥዕና ዓይኒ ክሕልው ከምዝኽእል ወሲኹ ይገልፅ።

ከም ፓፓዮን ማንጎን ዝኣመሰሉ ፍረታት፤ ከምኡ ድማ ኣሕምልትን ዓሳን ምብላዕ ንጥዕና ዓይኒ ጽቡቕ እዩ።

ኣብ ጽርገያ ንመሸጣ ዝተዘርግሑ መነጸራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

2. ናይ ሞባይልን ኮምፒተርን ስክሪን

እቲ ሓኪም ዓይኒ "ሰባት ኣብ ስክሪናት ዘሕልፍዎ ጊዜ ዝለዓለ ካብ ምዃኑ ብዝብገስ፡ ፀገማት ጥዕና ዓይኒ ኣጋጢምዎም ናብ ሆስፒታል ዝመላለሱ ሰባት ቁፅሮም ይውስኽ ምህላዉ ይረኣይ" ይብል።

ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ምስ ሞባይላትን ኮምፒዩተራትን ዘለና ርክብ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ብሰንኪ ዲጂታላዊ ንዋት ዝመጽእ ፀቕጥታት ዓይኒ [Digital Eye Strain ወይ Computer Vision Syndrome] ኣዝዩ ወሲኹ’ሎ።

ዶክተር ዮናስ ከምዝበሎ፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 2 ሰዓታት ኣብ ስክሪን ምሕላፍ፡ ነዊሕ ግዜ ምዃኑ ይግለጽ።

ቢቢሲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝረኣዮ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ሰባት ኣብ ስክሪናት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ብዘይተራእየ ናህሪ ወሲኹ’ሎ።

ካብ 5 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ 6 ሰዓታትን 30 ደቓይቕን ኣብ ስክሪናት ከምዘሕልፉ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ዶክተር ዮናስ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስክሪን ምጥማት ግዝያዊ ጸገም ከም ዘስዕብ ይገልጽ።

እዚ ድማ ነገራት ድብዝዝ ኢሎም ምረኣይ፣ ወጥሪ፣ ምቕያሕ፣ ምስሓይ፣ ምንቃጽ፣ ምቅፃል፤ ድኻም፡ ድቃስን ሕማም ርእስን የጠቓልል።

እቲ ዶክተር ንገለ መጽናዕትታት ብምጥቃስ፡ ነዊሕ ግዜ ስክሪን ምጥቃም ብፍላይ ኣብ ህጻናት ኣርሒቕካ ናይ ዘይምርኣይ [Short-sightedness] ከስዕብ ከም ዝኽእል የረድእ።

መፍትሒኡ እንታይ እዩ?

ዶክተር ዮናስ ስክሪናት ኣብ እትጥቀመሉ እዋን "ሕጊ ዕስራ ዕስራ" ክነተግብር ይምዕድ።

"ዕስራ ዕስራ" ዝብል ሕጊ፡ ከም ኮምፒተር፣ ሞባይል ወይ ተለቪዥን ዝኣመሰሉ ነገራት ን20 ደቓይቕ ድሕሪ ምጥቃም፡ ን20 ካልኢት (ሰከንድ) ኣቋሪፅና 6 ሜትሮ ርሒቐት ናብ ዘሎ ነገር ብምጥማት ኣዒንትና ከነዕርፎም ይሓተና።

እዚ ቀሊል ክመስል ይኽእል እዩ፡ ግን ንኣዒንቲ ዝጠቅም ምዃኑ እቲ ዶክተር የረድእ።

3. ብሓኪም ዘይተኣዘዙ መነጽር

ንስክሪን፣ ንጸሓይ ወይ ን’መፈስሒ’ ብዝብል መነጽር ምግባር ንጥዕና ዓይንና ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዶክተር ዮናስ፡ "ገለ መነጽራት ዝህብዎ ረብሓ ዝተረጋገፀ ኣይኮነን። ገሊኦም ጎዳእቲ ክኾኑ’ውን ይኽእሉ እዮም" ይብል።

ሰማያዊ ብርሃን ዘፃርዩ እዮም ብዝብል ወይ ንኮምፒተር ዝኸውን ብዝብል ብዝለዓለ ወጋ ዝሽየጡ መነጽራት ድማ ብኣብነት ይጠቅስ።

“ብርግጽ ኮምፒተር ኣብ እንጥቀመሉ እዋን መነጽር ረብሓ የብሉን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። መርመራ ብምግባር ኣድላዪ ዝኾነሉን ንግደደሉን እዋናት ኣሎ" ይብል።

ካብዚ ወጻኢ ግን ገሊኦም ናይ 'ሳይት' ዓቐኖም ምስ ናይቲ ሰብ ዓይኒ ዝቃደዉ ስለዘይኮኑ፡ ኣብ ዓይኒ ጸቕጢ የስዕቡ።

እቶም ንጸሓይ ወይ ንመፀበቒ ብዝብል ዝገዝኡ ድማ "ኣዒንትና ኣብ ፀልማት ከምዘለና ጌሩ ስለዝወስዶ፡ ብሌን ዓይንና ይሰፍሕ" ክብል እቲ ዶክተር የረድእ።

ምስፋሕ ብሌን ከኣ ኣዒንትና ናብ ጎዳእቲን ኣድለይቲ ዘይኮኑን ጨረራት ዝተቓልዑ ክኾኑ ይገብር።

ሰባት ኣብ ኮምፒተርን ሞባይልን ዘሕልፍዎ ግዜ ከጉድሉ ከምዘለዎም'ዮም ሓካይም ዝመኽሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

4. ዕድመ

ምውሳኽ ዕድመ ካብ ሞንጎ ዘዳኽሞም ክፍሊ ኣካላት እቲ ሓደ ዓይኒ እዩ። ብፍላይ ዕድመ ልዕሊ ኣርብዓ ምስ ኮነ ኣዒንቲ ይደክማ። ናይ ምርኣይ ዓቕሚ እናነከየ ይመፅእ።

ዶክተር ዮናስ ናይዚ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ ኣዒንትና ዓቕሞም ዘስተኻኽሉን ቅርጺ ዝቕይሩሉን ጭዋዳታት ይኣርጉ ብምህላዉ እዩ ይብል።

ኣብ እዋን ንእስነት ብሌን ዓይኒ ንርሕቀት፣ ማእከላይን ቀረባን ዝህቦ ቀሊል ግብረ-መልሲ፡ ዕድመ እናደፍአ ምስ ከደ ግን ንኽእዘዞ ይደክም። ኣብቲ እዋን ሓገዝቲ መነጽራት ከድልዩ ይኽእሉ እዮም።

ብኻልእ ገፅ ዕድመ ክደፍእ ከሎ፡ እቲ ካታራክት ዝበሃል ንዓይኒ ዝሽፍን ስብሒ ነገር ብርሃን ኣብ ምትሕልላፍ ፀገም ይፈጥር።

እዚ ድማ “ዕንብረ ዝመልኦ ዝመስል ትርኢት ከስዕብ ይኽእል። ኣብዚ መነጽር ብመጠኑ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። እናወሰኸ ምስ ከደ ግን ብመጥባሕቲ ጥራይ እዩ ክእለ ዝኽእል" ይብል እቲ ሓኪም ዓይኒ።

ገለ ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰሩ ናይ ዓይኒ ጸገማት ብሕክምና ክሓውዩ ዝኽእሉ ክኾኑ ከለዉ፡ ገሊኦም ግን ሕክምና ዘይክመልሶም ይኽእል’ዩ።

ኣዒንትና ሃንደበት ክጠፍኣ ይኽእል ድዩ?

ዶክተር ዮናስ፡ “ሰባት ኣዒንቶም ስራሕ ከም ዘቋረጸ ሃንደበት ክፈልጡ ይኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ ግን ኣዒንቲ ሃንደበት ኣይጠፍኣን እዩ” ይብል።

ንሱ ከምዝብሎ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረን ዘይተሓከመን ጸገም ናብ ዕውርነት ከሰጋግር ይኽእል'ዩ።

ብፍላይ "ሰራቒ ብርሃን ዓይኒ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ግላኮማ፡ ዝኾነ ምልክት ከየርኣየ ንነዊሕ እዋን ንመትኒታት ዓይኒ ብምጉዳእ ናይ ዘይምርኣይ ፀገም የስዕብ።

ነዚ እዩ ድማ 40 ዓመት ዕድመ ዝመልኦም ሰባት በቢዓመቱ ብቐፃሊ ናይ ዓይኒ መርመራ ክገብሩ ዝምከር።