ትግራይ፡ ንተሓከምቱ መድሃኒት ዘይብሉ ሓኪም

ምንጪ ስእሊ, FASIKA AMDESILASSIE
ኣብታ ንኣስታት 23 ኣዋርሕ ማእከል ኵናትን ዕጽዋን ኰይና ዘላ ትግራይ፡ ሰኣን ቀረብ መድሃኒት ሰባት ይሞቱ ኣለዉ። ክልተኦም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኽቃናዕ ኣብ ዝተወጠነ ዘተ ሰላም ብቐጥታ ንኽዘራረቡ ተሰማሚዖም’ዮም።
ኣብ ትግራይ በዓል ሞያ ሕክምና ዝዀነ ዶ/ር ፋሲካ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላው ቍጽሪ ሓደ መዛተይ ዛዕባ ክኸውን ከም ዝግባእ ተማሕጺኑ።
ኣብ መቐለ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር በዓል ሞያ መጥባሕቲ ዝዀነ ዶ/ር ፋሲካ ዓምደስላሴ፡ እቲ ኵነታት ኣሰንበዲ ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
ሕጽረት መድሃኒት ስለዘሎ ጸገማት ጥዕና ናይቶም ተሓከምቲ ይጋደድ ብምህላዉ፡ “ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እናሞቱ ኣቕ ኢልካ እትርእዮም” በታ ሓሓሊፋ እትርከብ ናይ ሳተላይት ኢንተርነት ተጠቒሙ ብናይ ዋትስኣፕ ደወል ዝሓበረ ዶ/ር ፋሲካ፡ ተሓከምቲ ይኵን ሓካይም ሓገዝ ኣልቦ’ዮም ኢሉ።
እቲ ዶ/ር ከም ሓደ ሰራሕተኛ 'ቲ ሆስፒታል፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵናት ብኸመይ ንኣገልግሎት ጥዕና እቲ ክልል ከምዝሃሰዮ የብርህ።
ትግራይ ዳርጋ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ ምሉእ ዓለም ተገሊላ’ያ። ኣብ ሕዳር 2020 እዩ ውግእ ተጀሚሩ።
ሓይልታት ትግራይ መብዛሕትኡ ክፋል ትግራይ ካብ ዝተቘጻጸሩሉ ሰነ- 2021 ጀሚሩ ድማ ትግራይ መሊሳ ናብ ዕጽዋ ተመሊሳ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ከም ሳዕቤኑ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ባይታ ዘቢጡ፣ ኣገልግሎት ባንክን ተሌኮሙኒኬሽንን ስለዝተቛረጸ፡ ሰባት ተደዋዊሎም ክራኸቡ ኣይከኣሉን።
ኣብ ትግራይ ኵናት ዳግማይ ተወሊዑ ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝ ስለዝተዓናቐፈ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 5.4 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት መግቢ ከምዘድልዮ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ሕሙማት ዋላ’ኳ ብቐጥታ ኣብቲ ኵናት ኣይሳተፉ እምበር ግዳይ ካብ ምዃን ዓዲ ኣይወዓሉን።
ገለ መድሃኒታትን ኣገደስቲ ናውቲ ሕክምናን ብመገዲ ውድብ ጥዕና ዓለምን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ኣቢሉ’ኳ ይልገስ እንተሎ፡ ናብ ትግራይ ግን ሓሓሊፉ’ዩ ዝኣቱ። ካብ ዝሓለፈ ነሓሰ ጀሚሩ ኵናት ምስተወልዐ ድማ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ።
“ንተሓከምትና ዝኸውን መድሃኒታት፡ መጥባሕታዊ ሕክምና ንምክያድ ዝውዕል ናውቲ፡ ንህጻናት ዝኸውን ክታበት ከምኡ’ውን ንሕሙማት ሸኮርያ ዝወሃብ ኢንሱሊን የብልናን። ግዳያት ዝተፈላለዩ ሕማማት ኣብ ስቅያት እዮም ዝርከቡ። ሕክምና ከይገበርና ናብ ገዛኦም ክምለሱ ኢና ንገብሮም ዘለና፡” ክብል ዶ/ር ፋሲካ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብሕማም ካንሰር ንዝተጠቕዑ ሰባት ዝኸውን መድሃኒት ፈጺሙ ኣይነበረን። ኣገልግሎት ራድዮቴራፒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ዝወሃብ ስለዝዀነ፡ ናብኡ ክትጓዓዝ ድማ ዘይሕሰብ ብምዃኑ፡ ሕሙማት ነቲ ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣይከኣሉን።
እቲ ሓደ እዋን ሓላፊ ኮሌጅ ሕክምና ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኰይኑ ዘገልገለ ወዲ 41 ዓመት ሓኪም፡ “ሕሙማት ካንሰር ንሞት’ዮም ተፈሪዶም” ኢሉ።
“ሕሙማት ግዜ የብሎምን።”
ሓካይም ካብዚ ብተወሳኺ ስቓይ ናይቶም ኵሊቶም ምስራሕ ደው ዘበላ ሕሙማት ይርእዩ ኣለው። እቲ ጸገም ዝተጋደደ ድማ ቀረብ ድያሊስስ ሓሓሊፉ ጥራይ ስለዝመጽእ’ዩ።
“ናውቲ ሕክምና ድያሊስስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ዩ ንመወዳእታ ግዜ ተቐቢልና፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ከኣ ምሉእ ዕጽዋ ስለዘሎ ነቶም 25 ተሓከምትና ዝኸውን መሳርሒ ሕክምና ኣብዚ ሰሙን ንውድእ ኢና ዘለና፡” ይብል።
ዶ/ር ፋሲካ ከምዝበሎ፡ ቅድሚ ሕጂ 90 ተሓከምቲ ኵሊት ኣብ ቅድሚ ሓካይሞም ዝሞቱ ኰይኖም ዕጫ ናይቶም ዝተረፉ 25 ሕሙማት እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ከኣ የሻቕሎ።
ምስ መርመራታት ብዝዛመድ ላብራቶሪ እቲ ሆስፒታል ንምርመራ ኣገዳስቲ ዝዀኑ ኬሚካላት ስለዝጐድሎ ሓካይም ናይ ተሓከምቶም ጸገም ኣለልዮም ንኽነግሩ ይጽገሙ ኣለዉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ምቍርራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክን ነዳዲን ዘይምህላዉ እቲ ሆስፒታል ብዘይ ሓይሊ ኤሌትሪክ ንመዓልታት ክጸንሕ ይኽእል’ዩ።
ዶ/ር ፋሲካን ናይ ሞያ ብጾቱን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት ክብደት ናይቲ ጸገም ዝገልጽ ኣይኰነን።
“ብጋህዲ ዝነብሮ ዘለኹ ህይወት ስለዝዀነ ስምዒታተይ ተጸንቂቝ’ዩ” ዝበለ ዶ/ር ፋሲካ፡ እቲ መዓልታዊ ዘጋጥሞ ዘሎ ኵነታት ይገልጽ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
“ስምዒታትና ክንሕሉ ጻዕሪ ንገብር ኣለና። እቲ ጸገም ክሳዕ ዘይተቐረፈ ክንደይ ዝኣክል ቾር ከምዝተሸክምና ክንፈልጦ ኣይንኽእልን። ኣብ ከምዚ ዓይነት መከራ ፈጺምካ ዘይምሕሳብ ተፈጥሮኣዊ መከላኸሊ ሜላ’ዩ። ብምሕሳብን ምስትንታንን ግዜና ኣይነባኽንን” ይብል እቲ ዶ/ር።
እቶም ዶካትርን ነርሳትን ናይቲ ሆስፒታል፡ ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቘጽሩ ስለዝዀኑ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ መሃያ ኣይተኸፈሎምን ዘሎ። ዶ/ር ፋሲካ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝቕመጡ መሓዙቱን ኣዝማዱን ብዝለኣኸሉ ገንዘብ ከምዝናበር’ዩ ዝገልጽ።
እተን ዝለኣኻሉ ገንዘብ’ውን ናይ መለኣኣኺ ልዑል መጠን ክፍሊት ተቘሪጽወን ናብ ኢዱ ከምዝበጽሓ ተዛሪቡ።
“እቲ ሆስፒታል ህይወተይ’ዩ” ዝበለ ዶ/ር ፋሲካ፡ እዚ ዅሉ ጸገማት ተሰኪሙ ንኽሰርሕ እንታይ ከምዘለዓዕሎ የብርህ።
“ሞያኻ ይጽውዓካ’ዩ። ንተሓከምትኻ ኬድካ ኣዘራሪብካን ኣማኺርካን ክትውዕል እንከለኻ፡ እቲ ዝዓበየ ነገር ንሱ’ዩ። ናተይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኵላትና ኣብዚ ዘለና ስምዒት’ዩ” ኢሉ።
ኣብቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ዘተ ሰላም ኣመልኪቱ ፖለቲካዊ ርእይቶ ካብ ምሃብ ስቕታ መሪጹ።
“እቲ ዝርርብ ግዜ ክወስድ ይኽእል’ዩ። እንተዀነ ህይወትና፡ ህይወት ህጻናትን ሕሙማትን ግን ግዜ ዝህብ ኣይኰነን። ስለዝዀነ እቶም ተዛተይቲ ንሰብኣዊ ጉዳያት ቅድሚት ሰሪዖም ክዘራረቡ’ዩ ትምኒተይ፡” ይብል።
ንሱ ኣስዒቡ፡ “ሕጊ ሰብኣውነት ክኽበር’ዩ ዘለዎ። ኣብ ዩክረይን ተኸቢሩ ስለምንታይ’ዩ ኣብ ትግራይ ክኽበር ዘይከኣለ? እቲ ምኽንያት ኣገደስቲ ህዝቢ ሰለዘይኰንና ድዩ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







