ንሕማም ኣልዛይመር ዘዝሕል ‘ታሪኻዊ መድሓኒት’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውጽኢት ፈተነ ናይቲ ንሕማም ኣልዛይመር (ሕማም ረሲዕ) ከምዘዝሕል ተስፋ ዝተገብረሉ መድሃኒት "ታሪኻዊ ህሞት" ከም ዝውክል ክኢላታት ገሊጾም።
ኢሳይን ባዮጀንን ዝተበሃሉ ኩባንያታት መድሓኒት፡ መድሓኒቶም ኣብ መጀመርታ ደረጃ እቲ ሕማም እንተተዋሂቡ ውጽኢት ከምዘለዎም ይሕብሩ።
ምሉእ ዝርዝር ሓበሬታ ዛጊት ኣይተዘርግሐን። እንተኾነ ግን ንናህሪ ምንቁልቋል ሓንጎል ዘዝሕል ይመስል።
እቲ ውሱን መረዳእታ ከይተረፈ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ ሕማም ረሲዕን ትካላት ግብረ ሰናይን ተስፋ ፈጢሩ እዩ።
ቅልጡፍ ኣእምሮኣዊ ንጥፈት
እቲ 'ለኬንማብ' ዝተባህለ መድሓኒት፡ ኣብ ሓንጎል ሕማም ኣልዛይመር ዘለዎም ሰባት ዝእከቡ መርዛም ዕንፍሩራት ቤታ-ኣሚሎይድ ፕሮቲናት ንምእላይ ዝተዳለወ እዩ።
መድሃኒት እቲ ሕማም ንምምሃዝ ዝተገብሩ ካልኦት ብዙሓት ፈተነታት ስለዘይተዓወቱ፡ እቶም መርዛም ዕንፍሩራት ቤታ-ኣሚሎይድ ብሓቂ ጠንቂ ናይቲ ሕማም ድዮም ዝብል ሕቶ ኣስዒቡ ነይሩ እዩ።
ኣብዚ ፈተነ፡ መጀመርታ ደረጃ ሕማም ኣልዛይመር ዘለዎም 1795 ወለንተኛታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ለኬንማብ እናተወግኡ ብቐጻሊ ድማ ኣብ ዝኽሮምን ኣእምሮኣዊ ቅልጣፈኦምን መርመራ ተገይሩሎም።
ኣብቲ ን18 ኣዋርሕ ዝተገብረ ፈተነ፡ ምስቶም ሞደል (ንስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ዝተዳለወ ናይ ሓቂ ዝመስል መድሃኒት) ሕክምና ዝተገብረሎም ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ናህሪ ምንቁልቋል ክእለት ምዝካር ኣእምሮ ብ27 ሚእታዊ ከምዝነከየ እቶም ኩባንያታት መድሓኒት ይገልጹ።
ብተወሳኺ መጠን ናይቲ ኣብ ሓንጎል ዝርከብ መርዛም ፕሮቲን ከምዝነከየ ኣርእዮም እዮም።
ኣብቲ ፈተነ ዝተርኣዩ ጎናዊ ሳዕቤናት ድማ ሕበጥ ሓንጎልን ሕማም ርእስን የጠቓለሉ።
እቲ መድሓኒት ንኻልኦት ዓይነት ሕማማት ርእሲ ኣይክሰርሕን እዩ።
'ብሓቂ ዘተባብዕ'
"እዚ ናይ ሎሚ መግለጺ፡ ለኬንማብ እንተተፈቒዱ፡ ንዕቤት ሕማም ኣልዛይመር ከዝሕልን ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ምፍላጥን ኣብ ተግባርን በመንጽር ክሊኒክ ትርጉም ዘለዎ ጽልዋ ከሕድርን ከምዝኽእል ንሕሙማትን ስድራቤቶምን ተስፋ ዝህብ እዩ" ይብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ባዮጀን፡ ሚሸል ቮናትሶስ።
እቶም ኩባንያታት ሕጂ እቲ መድሓኒት ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣውሮፓን ጃፓንን ንክወሃብ ፍቓድ ቁጽጽር ክረኽቡ ኣመልኪቶም ኣለዉ።
ኣብ "ምርምር ሕማም ረሲዕ ታሪኻዊ ህሞት" ከምዝኾነ ዝገለጸት ዳይረክተር መጽናዕቲ ኣልዛይመር ብሪጣንያ ዶክተር ሱዛን ኮህልሃስ፡ "ኣብ ሓደ ወለዶ ንምንቁልቋል ኣእምሮ ብዓወት ዘዝሕለ ናይ መጀመርታ ዓቢ ክሊኒካዊ ፈተነ እዩ" ትብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ዝኾነ ጆን ሃርዲ ብወገኑ፡ እቲ ውጽኢት "ብሓቂ ዘተባብዕ" ይብል።
"ኣብ ሕማም ኣልዛይመር ናይ መጀመርታ ናይ ብሓቂ ኣወንታዊ ቅጽበታዊ ውጽኢት ፈተነ ይመስል።"
"እዚ ብንጹር ዱእ ው ርኽበት ኣይኮነን፡ ግን ርግጽ 'መጀመርታ እቲ ናይ መወዳእታ ጉዕዞ' ይመስል።"
'ኣወንታዊ ውጽኢት'
እቶም ክልተ ኩባንያታት ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ምውዕዋዕ ዝተገብረሉ ኣዱካኑማብ ዝበሃል መድሓኒት ኣልዛይመር ኣፍሊጦም ነይሮም።
እቲ መድሓኒት ኣብ ኣሜሪካ ምስተጀመረ ግን ብሰፊሑ ተነቒፉ እዩ።
'ይሰርሕ ድዩ ኣይሰርሕን' ዝተጠራጠረ ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ፡ እቲ መድሓኒት ኣብ ዕዳጋ ከይውዕል ፍቃድ ከምዝኸልከለ ይፍለጥ።
እቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ መረዳእታ ናይቲ ሓዱሽ መድሓኒት ግን ዝያዳ ንጹር ይመስል። ይኹን እምበር ምሉእ ዝርዝር ሓበሬታ ክሳብ ሕዳር ክግለጽ ትጽቢት ኣይግበርን።
ኣብ ዩሲኤል ፕሮፌሰር ስነ-ኣእምሮ እርጋን ዝኾነ ሮብ ሃዋርድ፡ "ናይ መጀመርታ ዘእምን ምምሕያሽ ሕማም ኣልዛይመር ክንርኢ ከለና፡ እዚ ብዘይምግናን ገለ ታሪኻዊ ህሞት ዝውክልን ብስታቲስቲካዊ ኣገባብ ኣወንታዊ ውጽኢትን እዩ" ይብል።
"ነዚ [ውጽኢት] ነዊሕ ተጸቢና ኢና።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







