ናብራ ምስ ሕማም ኣልዛይመር

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach
ከም ሓበሬታ 'ማሕበር ኣልዛይመር'፡ ልዕሊ45 ሚልየን ሰባት ብሕማም ሳሕቲ ሓንጎልን ረሲዕን (ኣልዛይመር) ዝተተሓዙ ሰባት ኣብ ዓለም ይርከቡ።
ሕማም ረሲዕ ማለት እውን ኣልዛይመር፡ ቀንዲ ምኽንያት ምስሓት ሓንጎል እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ንዝርከብ ሰብ ዘጥቅዕ ሕማም እንተኾነ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ግና ኩሉ ግዜ ነዚ ሕማም ዝተቓልዑ እዮም።
በዓል ሞያ ፎቶግራፍ (ሰኣሊት) ሊያ ቢች፡ ኣብ ኬንያ ተዘዋዊራ እቲ ሕማም ዘብፅሖ ሳዕቤን ኣብ ብዓይኒ ካሜርኣ ስኢላ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach
እዘን ኣደ፡ ኣብ ናይ ስድርአን ሓንቲ ፀባብ ክፍሊ እየን ዝነብራ። ስድረአን ክጠፍኣ ወይ ድማ ኣብ መንደር እናኾብለላ ክውዕላ እየን ብምባል፡ ኣብ ገዛ እዮም ዝቑልፍወን። እዚ ማለት ድማ" ምስ ማንም ሰብ ክዛረባን ክረዳድኣን ኣይኽእላን።
ኣብኣ ንእሽተይ ምክዊሮ ትበሃል መንደር፡ እዞም ኣብዚ ስእሊ እትርእይዎም ኣቦ ናይ ነዊሕ ግዜ መሓዝአን እዮም እሞ፡ ዋላ እኳ እዘን ኣደ እንተዘይዘከርኦም፡ ኩሉ ግዜ እናመፁ ይሓትወን።

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach
እዛ ንእሽተይ መንደር ሚክዊሮ፡ ካብ ስየ ብዝስርሑ ውፅኢት ኢደ ጥበብ ዝተፈለጠት እያ። እዘን ኣደ ድማ በዚ ስራሕቲ ጥበብ ስየ ወሓለ እየን። ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ እዚ ስራሕቲ ባህላዊ ጥበብ ዘምህርአን እውን፡ እዘን ኣደ እየን።
ይኹን እምበር ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ፡ ኣሰራርሕኡ እናረሰዕኦ ስለዝኾና ድሕሪ ሕዚ ምስራሕ ዘይምኽኣለን ኣዝየን እናተጨነቓ እየን።

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach
እዞም ክልተ ሰባት፡ ኣብ ከባቢኦም ስሙያት እዮም። እዞም ወላዲ ኣብቲ መንደር፡ ከም ዓብይ ኣያ እዮም ዝረኣዩ። በዓልቲ እንድኦም ድማ ንዕኦም ብምሕብሓብ፣ ክዳኖም ብምኽዳንን፡ ኣብ መዓልታዊ ውዕለኦም ነገራት ክዝክሩ ብምሕጋዝን፡ ብፅሒተን ይፍፅማ።
ዋላ እኳ ነገራት ምዝካር ከም ዘይኽእሉ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ሐዚ እውን ግና ብኽብሪ እዮም ዝተኣናገዱ።

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach
እዘን ኣደ ናይ ቀደም በዓል ገዝአን፡ ካሊእቲ ሰበይቲ ካብ ዝምርዓዉ ንነዘ፡ ደቀን እናሓብሐብአን እየን።
ሐዚ ግና ቀስ ብቀስ ናይ ምዝካር ክእለተን እናጠፍአ ብምምፅኡ፡ ንነዊሕ ግዜ ገዲፈንአን ክኸዳ ዝግደዳ ደቀን፡ ገዲፈንእን ከይጠፍኣ ይጭነቓ።

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach
እዘን ኣደ እዚአን ከኣ፡ ኣብቲ ከበባቢ ካብ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዕድመ ድፍእ ዘበላ እየን።
እዞም ቀፂሎም ዝርኣዮ ሽማግለ ድማ፡ ሙሉእ ዕድመኦም ዓሳ ብምፅማድ ንዝመሓደሩ ስድርኦም፡ ዓንዲ ሑቐ ቁጠብኦም እዮም ነይሮም።
ይኹን እምበር፡ ካብ ቀረባ ግዜ ንነዘ ዓሳ ከመይ ምፅማድ ከምዝከኣል ስለዝረሰዕዎ፡ ዓዲ ውዒል ኮይኖም እዮም።
ዝከታተሎም ሰብ እንተዘይሃልዩ ድማ፡ ኣብቲ መንደር ይጠፍኡ፡ ሸኽሚ ስድርኦም ካብ ምዃን ድማ ምሟት ከምዝመርፁ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach

ምንጪ ስእሊ, Leah Beach
እዘን ኣደ እዚአን ድማ ብሓፍተን ይሕብሐባ። በብመዓልቱ ኣብ ባሕሪ ዝቦቕል እፅዋት ነቲ መንደር ይእክባ ነይረን።
ሐዚ ግና፡ እቲ እፅዋት ከመይ ከም ዝእከብ ኣይፈልጣን። ኣብ ባሕሪ ዝኾነ ሕማቕ ኣጋጣሚ ከየጋጥመን ብምስጋእ፡ ስድርአን ዓዲ ውዒል ከይገብርወን ይፈርሓ።
እዞም ኩሎም ስእልታት ብሊያ ቢች ዝተስኣሉ እዮም። 'ማሕበር ኣልዛይመር' መስራቲ ኣባል 'ዓለም ለኽ ጥምረት ኣልዛይመርን (ረሲዕ) ዲሜንሽያን (ሳሕቲ ኣእምሮ) እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







