እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብራ ምስ ሕማም ኣልዛይመር
ከም ሓበሬታ 'ማሕበር ኣልዛይመር'፡ ልዕሊ45 ሚልየን ሰባት ብሕማም ሳሕቲ ሓንጎልን ረሲዕን (ኣልዛይመር) ዝተተሓዙ ሰባት ኣብ ዓለም ይርከቡ።
ሕማም ረሲዕ ማለት እውን ኣልዛይመር፡ ቀንዲ ምኽንያት ምስሓት ሓንጎል እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ንዝርከብ ሰብ ዘጥቅዕ ሕማም እንተኾነ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ግና ኩሉ ግዜ ነዚ ሕማም ዝተቓልዑ እዮም።
በዓል ሞያ ፎቶግራፍ (ሰኣሊት) ሊያ ቢች፡ ኣብ ኬንያ ተዘዋዊራ እቲ ሕማም ዘብፅሖ ሳዕቤን ኣብ ብዓይኒ ካሜርኣ ስኢላ ኣላ።
እዘን ኣደ፡ ኣብ ናይ ስድርአን ሓንቲ ፀባብ ክፍሊ እየን ዝነብራ። ስድረአን ክጠፍኣ ወይ ድማ ኣብ መንደር እናኾብለላ ክውዕላ እየን ብምባል፡ ኣብ ገዛ እዮም ዝቑልፍወን። እዚ ማለት ድማ" ምስ ማንም ሰብ ክዛረባን ክረዳድኣን ኣይኽእላን።
ኣብኣ ንእሽተይ ምክዊሮ ትበሃል መንደር፡ እዞም ኣብዚ ስእሊ እትርእይዎም ኣቦ ናይ ነዊሕ ግዜ መሓዝአን እዮም እሞ፡ ዋላ እኳ እዘን ኣደ እንተዘይዘከርኦም፡ ኩሉ ግዜ እናመፁ ይሓትወን።
እዛ ንእሽተይ መንደር ሚክዊሮ፡ ካብ ስየ ብዝስርሑ ውፅኢት ኢደ ጥበብ ዝተፈለጠት እያ። እዘን ኣደ ድማ በዚ ስራሕቲ ጥበብ ስየ ወሓለ እየን። ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ እዚ ስራሕቲ ባህላዊ ጥበብ ዘምህርአን እውን፡ እዘን ኣደ እየን።
ይኹን እምበር ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ፡ ኣሰራርሕኡ እናረሰዕኦ ስለዝኾና ድሕሪ ሕዚ ምስራሕ ዘይምኽኣለን ኣዝየን እናተጨነቓ እየን።
እዞም ክልተ ሰባት፡ ኣብ ከባቢኦም ስሙያት እዮም። እዞም ወላዲ ኣብቲ መንደር፡ ከም ዓብይ ኣያ እዮም ዝረኣዩ። በዓልቲ እንድኦም ድማ ንዕኦም ብምሕብሓብ፣ ክዳኖም ብምኽዳንን፡ ኣብ መዓልታዊ ውዕለኦም ነገራት ክዝክሩ ብምሕጋዝን፡ ብፅሒተን ይፍፅማ።
ዋላ እኳ ነገራት ምዝካር ከም ዘይኽእሉ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ሐዚ እውን ግና ብኽብሪ እዮም ዝተኣናገዱ።
እዘን ኣደ ናይ ቀደም በዓል ገዝአን፡ ካሊእቲ ሰበይቲ ካብ ዝምርዓዉ ንነዘ፡ ደቀን እናሓብሐብአን እየን።
ሐዚ ግና ቀስ ብቀስ ናይ ምዝካር ክእለተን እናጠፍአ ብምምፅኡ፡ ንነዊሕ ግዜ ገዲፈንአን ክኸዳ ዝግደዳ ደቀን፡ ገዲፈንእን ከይጠፍኣ ይጭነቓ።
እዘን ኣደ እዚአን ከኣ፡ ኣብቲ ከበባቢ ካብ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዕድመ ድፍእ ዘበላ እየን።
እዞም ቀፂሎም ዝርኣዮ ሽማግለ ድማ፡ ሙሉእ ዕድመኦም ዓሳ ብምፅማድ ንዝመሓደሩ ስድርኦም፡ ዓንዲ ሑቐ ቁጠብኦም እዮም ነይሮም።
ይኹን እምበር፡ ካብ ቀረባ ግዜ ንነዘ ዓሳ ከመይ ምፅማድ ከምዝከኣል ስለዝረሰዕዎ፡ ዓዲ ውዒል ኮይኖም እዮም።
ዝከታተሎም ሰብ እንተዘይሃልዩ ድማ፡ ኣብቲ መንደር ይጠፍኡ፡ ሸኽሚ ስድርኦም ካብ ምዃን ድማ ምሟት ከምዝመርፁ ይዛረቡ።
እዘን ኣደ እዚአን ድማ ብሓፍተን ይሕብሐባ። በብመዓልቱ ኣብ ባሕሪ ዝቦቕል እፅዋት ነቲ መንደር ይእክባ ነይረን።
ሐዚ ግና፡ እቲ እፅዋት ከመይ ከም ዝእከብ ኣይፈልጣን። ኣብ ባሕሪ ዝኾነ ሕማቕ ኣጋጣሚ ከየጋጥመን ብምስጋእ፡ ስድርአን ዓዲ ውዒል ከይገብርወን ይፈርሓ።
እዞም ኩሎም ስእልታት ብሊያ ቢች ዝተስኣሉ እዮም። 'ማሕበር ኣልዛይመር' መስራቲ ኣባል 'ዓለም ለኽ ጥምረት ኣልዛይመርን (ረሲዕ) ዲሜንሽያን (ሳሕቲ ኣእምሮ) እዩ።