ተስፋ ዝህቡ ኣርባዕተ ርኽበታት ፍወሳ ሕማም ረሲዕ - ኣልዛይመር

ሓንጐል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብሕማም ረሲዕ ንዝሳቐዩ ሰባት ተስፋ ካብ ዝፈጠሩ ኣርባዕተ ነገራት፡ ሓድሽ መድሃኒት፡ መርመራ ደምን ፍሉይ ቁሸትን እዮም።

ከምኡ’ውን ኣብቶም ምስ ሕማም ረሲዕ ዝነብሩ ስድራቤታት ንዅሉ ዓቢይን ንእሽቶን ንምሕጋዝ ዘኽእል ተስፋታት ኣሎ።

ንሕማም ኣልዛይመር ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ርኡይ ምዕባለታት ተራእዩ እዩ።

ንዓለማዊ መዓልቲ ኣልዛይመር፡ 21 መስከረም፡ ንምዝካር ድማ እቶም ኣርባዕተ ተጠቒሶም ኣለው።

ሕማም ረሲዕ - ኣልዛይመር እንታይ’ዩ?

ኣልዛይመር፡ ብሰንኪ ሕማም ረሲዕ ዝስዕብ ሕማም ኰይኑ፡ ልዕሊ 55 ሚልዮን በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ከም ዘለዉ ብዛዕባ’ዚ ሕማም ዝተገብረ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ይሕብር።

እዚ ሕማም፡ ኣብ 1906 ዶክተር ኣሎይስ ኣልዛይመር ምስ ኣላለዮ’ዩ ብስሙ ክጽዋዕ ጀሚሩ።

እቲ ዶክተር ኣብ ሓንጐል ሓንቲ ሰበይቲ ዝነበሩ ዋህዮታት ብምድካሞም እታ ሰበይቲ ክትርስዕን ምዝራብ ክትሽገርን ከም ዝጀመረት’ዩ ክርዳእ ክኢሉ።

ኣብ ብሪጣንያ ላዕለወይቲ ሓላፊት ምርምራት ኣልዛይመር ዝዀነት ዶክተር ሳራ ኢማርስዮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ “ንሕማም ኣልዛይመር ብኸመይ ነላልዮ፡ ንከላኸሎን ንፍውሶን ዝሕግዝ መጽናዕትታት ይግበር ኣሎ” ኢላ።

1. ካብ ስነ-ተወርሶኣዊ ምርምር ብምብጋስ ዓቢ ስጕሚ ንቕድሚት (2022)

ሎሚ ዓመት ብዝተገበረ ምርምር፡ 42 ጂን ምስ ሕማም ኣልዛይመር ቀጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎም ንመጀመርታ ግዜ ስለዝተፈልጠ፡ ተመራመርቲ ሓደ ኣገዳሲ ዓወት ኢሎም ገሎጾምዎ ኣለዉ።

ፈረንሳ፡ ኣሜሪካን ኣውስትራልያን ዝርከብአን 8 ሃገራት ዝተዋጽአ ጕጅለ ተመራመርቲ ኣብ ልዕሊ ጂን ናይ 111 ሽሕ ሕማም ኣልዛይመር ዘለዎም ሰባት መርመራታት ብምክያድ’ዮም ነዚ ከረጋግጹ ክኢሎም።

እቶም ተመራመርቲ፡ 75 ጂናት’ውን ብሕማም ኣልዛይመር ናይ ምጥቃዕ ዕድልካ ዘዛይዱ ኰይኖም ከምዝረኸብዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ መጽሔት ‘ናቹራል ጀነቲክስ’ ዝተሓመትመ ውጽኢት መጽናዕቲ፡ ጠንቂ ኣልዛይመር ብዙሕ ከምዝዀነ ይሕብር።

ኣብዚ ምርምር ዝተሳተፈት ፕሮፌሰር ጁልያ ዊልያምስ ንውጽኢት ‘ቲ ዝተኻየደ ምርምር ኣመልኪታ “ኣብ ስነ ተወርሶኣዊ [ጂን] ተመርኲስና ዝገበርናዮ ምርምር፡ ብዛዕባ ኣልዛይመር ዘለና ርድኢት ስለዝሓገዘና ዓቢ ስጕሚ ንቕድሚት’ዩ” ኢላ።

“ሕማም ኣልዛይመር ኣዝዩ ዝተሓላለኸን፡ ብዓይነታት ወሃዮን ባይሎጂያዊ ኣቃውማን ዝኣመሰለ መበገሲ ዝዀኖ ብዙሕ ረቋሒታት ከምዘለዎ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና” ኢላ።

ምትካኽ ሽጋራ፡ ዓይነት እንምገቦ’ውን ንሕማም ኣልዛይመር ከቃልዓና’ኳ ዝኽእል እንተዀነ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ግን ዓይነት ጂን ከምዝዀነ እዞም ተመራመርቲ ከረጋግጹ ክኢሎም ኣለዉ።

2. ቁሸት ኣልዛይመር (2020)

ብኣልዛይመር ዝተጠቕዑ ሰባት ንምፍዋስ እቲ ዝሓሸ ኰይኑ ተረኺቡ ዘሎ፡ ነቶም በቲ ሕማም ዝተጠቐዑ ጽቡቕ ምክትታል እናተገበረሎም ብሓደ ከምዝነብሩ ምግባር እዩ።

ፈረንሳ ኣብ 2020 ሕሙማት ኣልዛይመር ዝዕቈቡላ ሓንቲ ቁሸት መስሪታ።

እታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ ዝተደኰነት ቁሸት ኣብ ውሽጣ፡ ዓቢ ድኳን፡ እንዳመሻጢትን እንዳቐምቃማይን ከምኡ’ውን እንዳ ሙዚቃ ዘለዋን እያ።

ሕሙማት ኣልዛይመር ኣብ ደቡብ ምዕራብ ፈረንሳ ንበይኖም ዝነብሩሉ ቁሸት ተገይሩሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እታ ቁሸት ብመደብ ጥንታዊት ከተማ መሲላ ከምዝተሃነጸት’ዩ ዝንገር።

ማደሊን ኢልሳደ፡ ሕማም ኣልዛይመር ዘለዋ ጓል 82 ዓመት ሽማግለ እያ።

ንሳ “ጽቡቕ ምክንኻን’ዩ ዝግበረልና፡ ልክዕ ኣብ ገዛና ዘለና ኰይኑ’ዩ ዝስምዓና” ትብል።

ጓል ጓላ ንማደሊን ኢልሳደ፡ ኣውሮረ “ሕማም ምርሳዕ ኣዝዩ ዘኽፍአ ኣይኰነን፡ ኣብዚ ኣዝያ ሕጕስቲ’ያ ዘላ፡ እቲ ንህይወት ናይ ምስትምቓር ድሌታ ዳግማይ ዝረኸበቶ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ” ትብል።

ኣብቲ ከባቢ እታ ሓዳስ ቁሸት ዝርከቡ ሰባት’ውን ብዛዕባ ሕማም ኣልዛይመርን ሕሙማት ኣልዛይመርን ዝነበሮም ኣረኣእያ ክቕይሩ ክኢሎም’ዮም።

እዚ ሓቂ፡ እታ ሓዳስ ቁሸት ድሕሪ ምድኳን፡ ነቶም ጐደቦታት እታ ቍሸትን ኣብ ካልእ ርሑቕ ቦታ ዘርከቡን ሰባት ቃለ መጠይቕ ብምክያድ’ዩ ክረጋገጽ ክኢሉ።

3. ኣሜሪካ ንፍወሳ ሕማም ኣልዛይመር ዝሕግዝ መድሃኒት ድሕሪ 20 ዓመታት ኣጽዲቓ (2021)

ሰነ 2021 ኣሜሪካ ንመጀመርታ ግዜ ድሕሪ 20 ዓመታት ንሕማም ኣልዛይመር ዝፍውስ ዝበለቶ መድሃኒት ኣጽዲቓ።

እዚ ኣዱካኑማብ ዝተበሃለ መድሃኒት ኣክንዲ ነቲ ምልክታት ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ኣልዛይመር ዝዀነ ሕማም ረሲዕ ከምዝፍውስ’ዩ ዝግለጽ።

መርመራ ሓንጐል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ግንቦት 2019 እቲ መድሃኒት ኣብ 3000 ሕማም ኣልዛይመር ዘለዎም ሰባት ተፈቲኑ፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ሕሙማት ዝኽሮም ክምለስን ናይ ምዝረብ ክእለቶም ክመሓየሽን ክኢሉ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ እቲ መድሃኒት ንሕሙማት ኣልዛይመር ክወሃብ ምሉእ ፍቓድ ረኺቡ።

እንተዀነ ክኢላታት ትካል መድሃኒታት ኣውሮጳ (EMA) ኣብ ታሕሳስ 2021 ነቲ መድሃኒት ኣብ ኣውሮጳ ኣብ መዓላ ከይውዕል ከልኪሎም።

እቶም ክኢላታት፡ መድሃኒት ‘ኣዱካኑማብ’ ናይ ምግንዛብ ክእለትካ ዝንክን፡ ነቶም ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ምልክታት ኣልዛይመር ዘማዕበሉ ሰባት ውጽኢት ከም ዘየምጽኣሎምን ስለ ዘረጋገጹ’ዮም ከጽድቕዎ ዘይከኣሉ።

4. ብደም መርመራ ዝግበር ምልላይ ምልክታት ሕማም ኣልዛይመር (2019)

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሕሙማት ምልክታት ሕማም ኣልዛይመር ቅድሚ ምርኣዮም፡ ብመርመራ ደም ነቲ ሕማም ዘላልይሉ ኣገባብ ኣብ 2019 ኣማዕቢሎም።

እዚ ነቲ ሕማም ብኣጋኡ እንከሎ ንምፍዋሱ ኣዝዩ ሓጋዚ ከምዝዀነ’ዮም ዝገልጹ።

እዚ ኣገባብ’ዚ ኣብ ውሽጢ ሓንጐል፡ ንምርሳዕ ዘቃልዑ ወሃዮታት ክተኣኸኸቡ ክጅምሩ እንከለዉ ከተላልዮም ዘኽእል እዩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዋሽንግተን ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ኣብ ልዕሊ 50 ዝዕድመኦም፡ 158 ሰባት መርመራ ደም ብምግባር፡ ኣብ ውሽጢ ሓንጐሎም ፕሮቲን ተመሲሎም ዝተኣኻኸቡ ወሃዮታት እንተሃልዮም ንምርኣይ እዮም ፈቲኖም።

ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ተወሳኺ ‘ስካን’ ውሽጢ ሓንጐል ብምግባር ምስቲ ካብ መርመራ ደም ዝተረኸበ ውጽኢት ከነጻጽርዎ ፈቲኖም።

ካብ ደም ዝርኸብዎ ውጽኢት ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሓንጐል ስካን ብምግባር ዝረኸብዎ ውጽኢት ብምንጽጻር ከኣ 88 ሚእታዊት ተመሳሳልነት ከምዘለዎ ኣረጋጊጾም።

እንተዀነ እዚ ዘተኣማምን ውጽኢት ስለ ዘይነበረ ተወሳኺ ምርምራት ክገብሩ ነይርዎም።

እቶም ተመራመርቲ ነቲ ኣቐዲሞም ዝረኸብዎ ውጽኢት ንምርጓድ፡ ኣብ ካልኦት ልዕሊ 65 ዕድመኦም ሰባት መርመራ ደም ድሕሪ ምግባር፡ እቲ ንጹርነት 94 ሚእታዊት ቅኑዕ ዝዀነ ውጽኢት ከርኢ ክኢሉ።

ብዙሓት ተመራመርቲ ግን ሕማም ኣልዛይመር ንምፍላጥ ኣብ መርመራ ደም ጥራይ ክምርኮስ ከምዘይብሉ’ዮም ዝምዕዱ።

ማሕበር ኣልዛይመር ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ንሕማም ረሲዕ ዝምልከት ብዙሕ መርምራት ክግበር ጸኒሑ’ዩ፡ ዋላ ሓደ ካብቶም ኣብ መዓላ ዘለዉ ኸኣ 100 ሚእታዊት ንጹርነት ኣየርእን’ዩ። እዚ ንኣልዛይመር ብደም መርመራ ንምፍላጥ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ኸኣ ልክዕ ከምኡ’ዩ” ኢሉ።

ኣብ መደምደምታ፡ ንሕማም ኣልዛይመር ገና ኣብ ፈለማ መድረኽ እንከሎ ብመርመራ ደም ንምፍላጥ ዝግበር ፈተነ ኣዝዩ ጽቡቕ’ኳ እንተዀነ፡ ዶክተራት ዝያዳ ኣብ ባህርያዊ ለውጢ ሕሙማት ዝያዳ ከተኵሩ ከምዘለዎም’ዩ ዝምከር።

ኣብ መጻኢ ንሕማማት ኣልዛይመርን ሪሲዕን ንምፍዋስ ዝህሉ ተስፋታት

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ላዕለወይቲ ተመራመሪት ሕማም ኣልዛይመር ዝዀነት ዶክተር ሳራ ኣማሪስዮ፡ ንሕማም ኣልዛይመር ንምፍዋስ ልዕሊ 150 መድሃኒታት ኣብ ፈተነ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ እንተዀነ ምርምራቶም ወዲኦም ናብ መዓላ ክውዕሉ ግዜ ክወስዱ ከምዝኽእሉ’ያ ትገልጽ።

“ፈውሲ ኣልዛይመር ንምምዕባል ግዜ ክወስድ ስለዝኽእል፡ ኣብ መጻኢ ነቲ ሕማም ዘቃልዑና ነገራት ንምውጋድ ኣብ ኣነባብራና ለውጢ ብምግባር ዝያዳ ክንሰርሕ ከምዘለና ኢና ክንርዳእ ክኢልና ዘለና”

ኣብ መደምደምታ፡ ንኣልዛይመር ዘቃልዓና ነገራት ንምውጋድ ኣብ ኣነባብራና ለውጢ ክንገብር ከምዘለና’ዩ ዝጥለብ።

እንተዀነ ሳይንስ’ውን ብቐንደ ጥንቂ ሕማም ረሲዕ ንምፍዋስ ብዙሕ ሰጒሙ ስለዘሎ ተስፋ ዝህብ እዩ።