ህይወት ዝቕይር መድሃኒት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ኣብ ኣሜሪካ ተፈቒዱ

ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 8.7 ሚልዮን ሰባት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ኣለዎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 8.7 ሚልዮን ሰባት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ኣለዎም

ንዕቤት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ከም ዘደናጉዮ ዝተረጋገጸ "ህይወት ዝቕይር" መድሃኒት ፍወሳ ምክልኻል ዓቕሚ፡ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ተቖጻጸርቲ ፍቓድ ረኺቡ።

እዚ "ሓድሽ ዘመን" ሕክምና ዘመልክት 'ቴፕሊዙማብ' ዝተበሃለ መድሃኒት፡ ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ምልክታት ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ሱር ጠንቂ እቲ ሕማም ከም ዝቃለስ ክኢላታት ይገልጹ።

ንናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዳግማይ ክደላደል ብምግባር እቶም ኢንሱሊን ዘፍርዩ ጣፍያዊ ዋህዮታት ብጌጋ ከይጥቅዑ ዝገብር እዩ።

እቲ መድሃኒት ፍቓድ ምርካቡ ኣብ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳኪ ፍቓድ ንክረክብ መንገዲ ክኸፍት ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 8.7 ሚልዮን ሰባት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ኣለዎም። ኣብ እንግሊዝ እዚ ኩነታት ልዕሊ 29 ሽሕ ህጻናት ሓዊሱ ን400 ሽሕ ሰባት ይጸሉ።

ኣብ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም (ንባክተርያን ቫይረሳትን ዝቃለስ) ብጌጋ ነቶም ኢንሱሊን ዘፍርዩ ቁልፊ ዋህዮታት ጣፍያ የጥቅዕ።

ኢንሱሊን ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት ወሳኒ እዩ፤ ኣካላትና ሽኮር ንጸዓት ንኽጥቀመሉ ይሕግዝ።

መብዛሕትኦም እዋናዊ ሕክምናታት፡ ሰባት ሽኮር ደሞም ኣብ ምፍታሽን ኢንሱሊን ብመርፍእ ወይ ብኢንፉዥን መዓልታዊ ኣብ ምውሳድን ዘተኮረ እዩ።

እቲ መድሃኒት ንገለ ነቲ ሕማም ልዑል ሓደጋ ዘለዎም ሰባት ብማእከላይ ገምጋም ንሰለስተ ዓመት ከም ዘደናጐዮ ኣብ 2019 ዝተገብረ ፈተነ የመልክት።

እዚ ምድንጓይ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት፡ መዓልታዊ ኢንሱሊን ክወስዱ ወይ ሽኮሮም ከምኡ ብጽዑቕ ክከታተሉ ስለዘይግደዱ ውጽኢቱ ኣዝዩ ርኡይ ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ።

ሰባት ሽኮር ደሞም ኣብ ጥዑይ ደረጃ ኮይኑ ንዝያዳ ዓመታት ከሕልፉ ከምዝኽእሉን፡ ካብ ከም ሕማም ኩሊት ወይ ዓይኒ ዝኣመሰሉ ልዑል ሽኮር ደም ዘስዕቦም ጸገማት ንምክልኻል ዝያዳ ግዜ ከምዝህቦም እውን ይሕብሩ።

ፒተር ባልድዊን ገና ወዲ 13 ዓመት እንከሎ ብሰንኪ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ካብዛ ዓለም ተፈልዩ

ምንጪ ስእሊ, BETH BALDWIN

መግለጺ ስእሊ, ፒተር ባልድዊን ገና ወዲ 13 ዓመት እንከሎ ብሰንኪ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ካብዛ ዓለም ተፈልዩ

ወዳ ንቤት፡ ባልድዊን ፒተር ኣብ 2014 ብህጹጽ ኩነታት ሕማም ሽኮርያ ኬቶኣሲዶሲስ እዩ ሞይቱ። ንሱ ብምርመራ ዘይተፈልጠ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ስለ ዝነበሮ ኣካላቱ ስራሕ ደው ኣቢሉ ገና ወዲ 13 ዓመት እንከሎ እዩ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።

ቤት፡ "ከምዚ ዓይነት መድሃኒት ህይወት ዝቕይር እዩ" ትብል።

"ሕጂ ሰባት ብዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ከይተሓዙ ምግባር ኣይክኣልን። ከይጅምር ምድንጓይ ግን… ፍሉይ እዩ - ብፍላይ ንህጻናት"

"ንሰለስተ ዓመት ነቲ ኩነታት ብጽዑቕ ከተመሓድሮ ዘይምግዳድ ማለት'ዩ፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ንኽካየድ ድማ እኹል ግዜ ክህብ ይኽእል'ዩ" ክትብል ወሲኻ ትገልፅ።

"ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት'ዩ" ክትብል ትገልጾ።

ሕጂ ቤት፡ ምስ ገባሪ ሰናይ ትካል ጄዲኣርኤፍ ብሪጣንያ ብምትሕብባር፡ ንቕሓት ምልክታት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ንምዕባይ ትሰርሕ ኣላ።

ምልክታት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር፡ ሓያል ጽምኢ፡ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ሽንቲ ምፍሳስ፡ ልዑል ድኻምን ብዘይፈተነ ክብደት ሰብነት ምቕናስን የጠቓልል።

ኣብቲ ነቲ ፈተነ ብኸፊል ዝምወል ትካል ግብረ ሰናይ ጄዲኣርኤፍ ብሪጣንያ ትሰርሕ ራቸል ኮነር፡ "እዚ ህይወት ዝቕይር እዩ። ንዓይ እዚ ምጅማር ሓድሽ ዘመን ሕክምና ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር'ዩ" ኢላ።

"እቲ ኩነታት ንምንታይ ከም ዝምዕብል ክንፈልጥን ነቲ መስርሕ ክንቅይርን ንመጀመርታ ግዜ ክንክእል ኢና፡ ስለዚ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ምልክታት ጥራይ ኣይኮናን ንሕክሞ።"

"እዚ ክንገብር ምስ እንኽእል፡ ካልእ ብዝበለጸን ንነዊሕ እዋንን ክንገብሮ እንኽእል መገድታት ክንረክብ ንኽእል ኢና።"

ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ?

ሕማም ሽኮር፡ መጠን ሽኮር ኣብ ደም ሓደ ሰብ ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ዝገብር ናይ ዕድመ ምሉእ ኩነታት እዩ።

ክልተ ቀንዲ ዓይነታት ኣለዉ።

  • ዓይነት 1 - ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ነቶም ኢንሱሊን ዘፍርዩ ዋህዮታት ዘጥቅዕን ዘጥፍእን እዩ።
  • ዓይነት 2 - ኣካላትና እኹል ኢንሱሊን ዘየፍሪ፡ ወይ ዋህዮታት ኣካላት ንኢንሱሊን ምላሽ ዘይህቡሉ ኩነታት እዩ።

እቲ ካልኣይ ዓይነት፡ ካብ ዓይነት 1 ኣዝዩ ዝበዝሐ እዩ።

ምንጪ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና