ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ዘጋጥሞም ብድሆታት

ቶሚ ጀሶፕ ተዋሳኣይ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ትምህርቲ ጸገም ዘለዎም ሰባት ክስምዑ ዝደሊ ጎስጓስ’ውን እዩ
መግለጺ ስእሊ, ቶሚ ጀሶፕ ተዋስኣይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ትምህርቲ ጸገም ዘለዎም ሰባት ክስምዑ ዝደሊ ጐስጓስ’ውን እዩ

ቶሚ ጀሶፕ ምስ ዳውን ሲንድሮም ዝነብር ህቡብ ተዋስኣይ እዩ። ዳውን ሲንድሮም ምስ ምድንጓይ ምዕባለን ኣእምሮ ዝተኣሳሰር ኰይኑ እዚ ጸገም ዘለዎም ሰባት ቀስ ብቐስ እናዓበዩ ክኸዱ እንከለዉ ናይ ምሕሳብ ዓቕሞም (ልብወት) ይንኪ፣ ሓያሎ ሕክምናዊ ኵነታት ናይ ምምዕባል ሓደጋኦም’ውን ዝለዓለ እዩ።

እዚ ብዙሕ ሽልማት ዝረኸበ ተዋስኣይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ BBC1 እትቐርብ LINE OF DUTY ትብል ተኸታታሊት ፊልም ከም ቴሪ ቦይል ኰይኑ ክዋሳእ ሚልዮናት ተዓዘብቲ ዝፈልጥዎ እዩ።

ቶሚ ጀሶፕ ተዋስኣይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ትምህርቲ ጸገም ዘለዎም ሰባት ክስምዑ ዝደሊ ጐስጓስ’ውን እዩ።

ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ጸገም ትምህርቲ ጸገም ዘለዎምን ክውገዱ ብዝኽእሉ ምኽንያታት ኣብ ህይወቶም ሓደጋ ዘንጸላለወን 1.5 ሚልዮን ሰባት እዩ።

ንናይ ቢቢሲ ፓኖራማ፡ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ካብቶም ጸገም ዘይብሎም ሰባት ብ20 ዓመት ዝሓጸረ ዕድመ ንኽህልዎም ኣበርክቶ ዝገብር ውድቀት ክንክን ጥዕና ክምርምር ጸኒሑ እዩ።

ንሱ፡ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ዘይተሰምዑሉ፡ ሸለልትነት ዝረኣዩሉን ስድራቤታት ኣክንዲ ዝፈትውዎም ሰባት ክሞቱ ዝርእዩ ግቡእ ሕክምና ንምርካብ ክቃለሱ ዝተገደዱሉን ጉዳያት ረኺቡ።

"ኣብ ላየን ኦቭ ድዩቲ ምስታፈይ ሰባት ዝያዳ ክሰምዑ ገይርዎም፡ ድምጸይ ንኸስምዕ ድማ ብዙሕ ዕድመታት መጺኡኒ። ሰባት ብሓቂ ክሰምዑና ክጅምሩን ብሓቂ ከመይ ከም ዝስምዓና ክርእዩን ግዜኡ'ዩ" ከኣ ይብል።

"ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ቅድሚ ሕጂ ክሕብኡ ይግበሩ ነይሮም፡ ምኽንያቱ ሰባት ኣይኣምኑናን ነይሮም። ህይወትና ግን ብሓቂ ንኽንነብር ዋጋ ኣሎዎ፡ ሕክምናዊ ክንክን ድማ ንዅላትና ዝሓሸ ክኸውን ይግባእ።"

ቶሚ ኵሉ ግዜ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (NHS) ጽቡቕ ክንክን ከም ዝረክብ ይዛረብ፤ ከምኡ ዝኣመሰሉ ካልኦት ሰባት ግን ኵሉ ግዜ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ ይዛረብ።

ቶሚ ጀሶፕ ኣብ ምጅማር ናይቲ ንትሑት ውክልና ዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ባፍታ ኤለቨት

ምንጪ ስእሊ, SHUTTERSTOCK

መግለጺ ስእሊ, ቶሚ ጀሶፕ ኣብ ምጅማር ናይቲ ንትሑት ውክልና ዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ባፍታ ኤለቨት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዳርጋ 50 ሚእታዊ ካብቶም ቅድሚ 75 ዓመት ዕድመኦም ዝሞቱ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎ ሰባት፡ ጠንቂ ሞቶም ክውገድ ዝኽእል ሕማም ምዃኑ ተመራመርቲ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደንን ካልኦት ዩኒቨርሲቲታትን ዘውጽእዎ ጸብጻብ የረጋግጽ። ኣብ ካልኦት፡ እቲ ኣሃዝ 22 ሚእታዊ ጥራይ ነይሩ።

እቲ ጸብጻብ ልዕሊ 3,500 ሞት ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ብምግምጋም፡ ኣብ ዳርጋ ሲሶ ጽቡቕ ክንክን ከምዝነበረ ዘርኢ መርትዖ ከምዘየለ የመልክት።

ቶሚን ፓኖራማን ካብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ዓመታት ዝተረኸቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጸብጻባት መርመርቲ ሬሳ ፈቲሾም እዮም። ብዘይካዚ፡ ብሕማቕ ክንክን ናይ ዝተሃስዩ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ኣርባዕተ ዛንታታት ሰሚዖም።

ክሎይ ኣብ መበል 27 ዓመት ዕድመኣ እያ ኣብ ሆስፒታል ዓሪፋ። ጸገም ትምህርቲ ዝነበራ ኰይና ምስ ማይቶኒክ ዲስትሮፊ ዝበሃል ከቢድ ሕማም ጭዋዳታት ትነብር ነይራ።

ኣብ ሚያዝያ 2019 ኣዝያ ሓሚማ ኣብ ሮምፎርድ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክዊንስ ተዓቚባ፡ መርመራ ስካን ድማ ምልክታት መንሽሮ ክህልዋ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ። ክሎይ ትናወጽ፡ ትቕንዞን ከምኡ’ውን ከመይ ከም ዝስምዓ ክትረዳዳእ ትቃለስን ከም ዝነበረት ሓትናኣ ሊዛ ንቶሚ ነጊራቶ።

ክሎይ ሞርፊን ተዋሂብዋ፡ እዚ ድማ ንጸገም ጭዋዳታታ ዘለዎም ሰባት ጸገም ምስትንፋስ ከስዕብ ይኽእል። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ትርግታ ልባ ደው ምስ በለ ብሕክምና እንደገና ክትጥዕይ ተገይራ።

ድሕሪ ተወሳኺ ሓሙሽተ መዓልቲ ናብ ሓፈሻዊ ክፍሊ ተሰጋጊራ። ኣብኡ ኣብ ፍሉይ ኣለይቲ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ተሓከምቲ ኣይነበሩን። ኣብኡ ድማ ዓሪፋ።

እቲ ዝተወሃባ ሞርፊን፡ ኵነታታ ንኽጋደድ ኣበርክቶ ክህልዎ ከም ዝኽእልን፡ ሓካይም ድማ ጥዕናኣ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ከለልዩ ዘይምኽኣሎምን ብናጻ መርመራ ተረጋጊጹ እዩ። "ክሎይ ኣብ እዋን ጻንሖታ ኵሉ ግዜ ድምጻ ኣይተሰምዐን" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ክሎይ ዝሞተትሉ ሆስፒታል ዘመሓድር ሞግዚት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሆስፒታላት ዩኒቨርሲቲ ባርኪን፡ ሃቨሪንግን ረድብሪጅን፡ ዝግብኣ ልዑል ክንክን ብዘይምርካባ ኣዝዩ ከምዘሕዝነን፡ እንተዀነ እቲ ሞርፊን ምቍራጽ ትርግታ ልባ ከምዘስዓበ ዝሕብር መርትዖ ከምዘይረኸበን ገሊጹ።

ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ተሓከምቲ ብዝበለጸ ክስምዑን ክንክን ክግበረሎምን ምምሕያሻት ከምዝገበረ ይገልጽ።

ቶሚ፡ ብዙሓት ካብቶም ዛንታታት፡ ብዛዕባ ሰብ ሞያ ጥዕና ንቶም ጸገም ዘለዎም ሰባት ክሰምዑን ክርድኡን ዘይምኽኣሎም ዝገልጹ ከምዝዀኑ ይሕብር።

ዳውን ሲንድሮም ዝነበራ ጁሊ ተይለር ኣብ ስቶክፖርት ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ስተፒን ሂል ቅድሚ ምእታዋ፡ ምብላዕን ምስታይን ኣብያ ኣስታት 20 ኪሎግራም ቀኒሳ ነይራ።

ቶሚ ምስ ስድራቤት ጁሊ ተራኺቡ እዩ። እቲ ሆስፒታል ንጸገማ ኣብ ግምት ዘእተወ ክንክን ክህብዋ ምትዕርራይ ንምግባር ክልተ መዓልቲ ወሲዱሎም።

ሓዋ ጴጥሮስ ክበጽሓ ምስ ከደ ዓራታ ረሲሑ፡ ኣብ ጸጕራ ድማ ዝደረቐ ተምላስ ረኺቡ። ጁሊ ኣብቲ ሆስፒታል ተወሳኺ ኣስታት 13 ኪሎግራም ስለ ዝቐነሰት፡ ኣብ ልዑል ሓደጋ ሕጽረት መግቢ እያ ነይራ። ናብ ጕጅለ ስርዓተ መግቢ ግን ኣይተመሓላለፈትን።

ጁሊ ብፍሮማይ ተለኺፋ፤ ነቲ ረኽሲ ንምምካት ዝኣክል ዓቕሚ ስለ ዘይነበራ፡ ድሕሪ መዓልታት ኣብ መበል 58 ዓመታ ካብዛ ዓለም ተፈልያ።

ፒተር፡ "ንሳ ንዓኣቶም መትከኽ እያ ነይራ 'መስለኒ፣ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ዝኸውን መሳርሒ ይዅን ዝሰልጠኑ ሰራሕተኛታት ኣይነበሮምን" ክብል ንቶሚ ነጊርዎ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ኣብ 2009፡ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም 5,500 ተሓከምቲ ዝኣልዩ ነርስታት ነይርዎ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ቝጽሪ ናብ 3,200 ወሪዱ ይርከብ።

ጁሊ ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምእታዋ ትከናኸና ዝነበረት ካት ማኪንቶሽ ዝተበሃለት ኣላይት፡ ጁሊ ኣድልዎ ኣጋጢምዋ ኢላ ከምትሓስብ ትገልጽ።

"ሰባት ከምቲ ንሕና ምናልባት እንገብሮ ደረጃ ክንክን ንኽገብሩ ወይ ንኸርእዩ ጻዕሪ ክገብሩ ድሉዋት ከምዘይኰኑ ተሰሚዑኒ" ትብል።

ትካል-ረድኤት ሞግዚት ሃገራዊ ኣገልግሎት ስቶክፖርት ንስድራቤት ጁሊ "ልባዊ ጽንዓት ይሃብኩም" ኢሉ፡ ኣብ ኣገባባት እቲ ዝተገብረላ ክንክን ጕድለታት ከምዝነበሩ ዝተቐበለ'ኳ እንተዀነ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሊ ጁሊ ኣድልዎ ምፍጻሞም ግን ብትሪ ነጺጕ።

ክሎይ ኤቨሪ ኣብ መበል 27 ዓመት ዕድሚኣ ኣብ ሆስፒታል ዓሪፋ

ምንጪ ስእሊ, CHLOE EVERY

መግለጺ ስእሊ, ክሎይ ኤቨሪ ኣብ መበል 27 ዓመት ዕድመኣ ኣብ ሆስፒታል ዓሪፋ

ቶሚ ምስ ሓንቲ ህይወት ወዳ ዘትርፍ ክንክን ንምርካብ ትቃለስ ዝነበረት ኣደ እውን ተራኺቡ ነይሩ።

ፍራጅል ኤክስ ሲንድሮም ዝበሃል ጀነቲካዊ ጸገም ዝነበሮ ሮበርት፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት መንሽሮ ፍረ-ነብሲ ተሓኪሙ ነይሩ። እቲ ሕበጥ ተኣልዩ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ መንሽሮ ግን ስለ ዝተዘርገሐ ን72 ሰዓታት ኬሞቴራፒ ምውሳድ የድልዮ ነይሩ።

ኣደኡ ሻሮን፡ ንዝዀነ ጽዑቕ ሕክምና ነዊሕ ኮፍ ክብል ከምዘይከኣለ፡ እቲ ሆስፒታል ግን ኣማራጺ ኣገባብ ሕክምና ከምዘየቕረበ ትዛረብ።

ሮበርት ናብ ፍጻመ ህይወት ክንክን ክኣቱ ከምዘለዎ ገሊጾም።

"ክህብዎ ዝኽእሉ ነገር ከምዘየለ ብቐጻሊ ይዛረቡ ነይሮም" ትብል ሳሮን። "ኣነ ግን እልምን ነይረ።"

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓገዝ ጻውዒት ኣቕሪባ ሓደ ጠበቓን ካልኣይ ሕክምናዊ ርእይቶን ክትረክብ ክኢላ። ኣብቲ እዋን፡ እቲ ሆስፒታል ኣኼባ ጸዊዑ፡ ካልእ ኣገባብ ኬሞቴራፒ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ሮበርት ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ሓውዩ'ኳ እንተዀነ፡ ኣተሓሕዛ እቲ ሆስፒታል ግን “ልቢ” ሻሮን "ዝሰበረ” ነይሩ።

"ህውከት ስለ ዝፈጠርኩ ድየ? ጠበቓ ስለዘሳተፍኩ ድዩ? ምስ ህይወት ሰባት ኢኻ ትገጥም ዘለኻ" ትብል።

ሻሮን ታሪኻ ብግልጺ ክትነግር ዝኸኣለት፡ ቢቢሲ መንነታ ንምሕላው ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ስለዝተቓወመ ጥራይ እዩ።

ትካል-ረድኤት ሞግዚት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሆስፒታላት ኒውካስል ኣፖን ታይን ንሮበርትን ስድራቤቱን ንምድጋፍ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሐ ይገልጽ።

ንሮበርት "ዝበለጸ ረብሓ" ዝብል ኣኼባ ከምዘካየደን ገሊጹ። ከምዚ ዓይነት ኣኼባ፡ ትካላት ስክፍታታት ምስ ኣልዓሉ ብኡንብኡን ሓደ ባዕሉ ናይ ምውሳን ዓቕሚ ንዘይብሉ ሰብ ዝበለጸ ኣማራጺታት ብወግዒ ዝውሰነሉ እዩ። ይዅን እምበር፡ እቲ ኣኼባ ኣቐዲሙ ክካየድ ከም ዝነበሮ ኣሚኑ እዩ።

ጸገም ትምህርቲ ጸገም ዘለዎም ሰባት ምሕካም ኣብ ከም ሆስፒታል ዝኣመሰለ ጽዑቕ ሃዋህው ንሓካይምን ነርስታትን በዳሂ ክኸውን ይኽእል እዩ ምኽንያቱ ቅሩብ ግዜ ክወስድ ስለ ዝኽእል ይብል ቶሚ።

ነዞም ጉዳያት ድሕሪ ምጽራይ፡ ገለ ሆስፒታላት ንጉዳይ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ዝርድኡ ሰባት ኣዝዮም ጽቡቕ ጌሮም ክገልጹ ኣብ ዘይክእሉሉ እዋን ክረዳድኡ ዝኽእሉን ሰራሕተኛታት ተጠቀምቲ ክዀኑ ከምዘለዎም ይዛረብ።

ቶሚ፡ ሰራሕተኛታት ነቲ ምልክታት ምስ ጸገሞም ጥራይ ካብ ምዝማድ ቅኑዕ መርመራ ምርካብ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ክገብሩ ኣለዎም። ሓካይምን ነርስታትን ንቶም ጽጕማት ብዛዕባ ምልክታቶም ብቐጥታ ክሓቱ እምበር ምስ ወለዶም ወይ ኣለይቶም ጥራይ ክዛረቡ የብሎምን ይብል።

"ሕጂ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ክስምዑ የድሊ" ይብል ቶሚ። "ከም ኵሉ ሰብ ድማ ክንክን ክንረክብ ኣለና።"