ንኸቢድ ጭንቀት ክሕክም ተስፋ ዝተገበረሉ 'ኣስማታዊ' - ቃንጥሻ

ቅንጥሻራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ቅንጥሻራ (ቃንጥሻ) ብዝርከብ ባእታታት ዝስራሕ ሓደ መድሃኒት፡ ንምልክታት ከቢድ ጭንቀት ክሳብ 12 ሰሙናት ኣብ ዘሎ ጊዜ ከመሓይሽ ከምዝኽእል ሓደ ፈተነ ኣረጋጊጹ።

25 ሚሊግራም ዝምዘን ከኒና ‘ፕሲሎሳይቢን’ ንተሓከምቲ ኣብ ሕልሚ ዝመስል ኩነታት ብምእታው፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ናይ ምዕዋት ተኽእሎኡ ዝለዓለ ኮይኑ’ሎ።

እቲ ናይ ሓጺር ግዜ ጎናዊ ሳዕቤናት ግን ዘስግእ ክኸውን ከምዝኽእልን ክትትል ክግበር ከምዘለዎን ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ።

ገና ኣዝዩ ዝነውሐ ምክትታል ዘድልዮም ዓበይቲ መጽናዕትታት ክግበሩ ከምዘለዎም እውን ክኢላታት ይዛረቡ።

ኣብ መላእ ዓለም 100 ሚልዮን ዝግመቱ ሰባት ንዝኾነ ይኹን ዓይነት ሕክምና ምላሽ ዘይህብ ከቢድ ሕማም ጭንቀት (ቃዝኖት) ኣለዎም፤ 30 ሚኢታዊት ከኣ ነብሰ ቅትለት ንምፍፃም ይፍትኑ።

ተመራመርቲ፡ እቲ ‘ፕሲሎሳይቢን’ ዝተብሃለ መድሃኒት ኣብ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎ ጽልዋ ዝጥምት መፅናዕቲ ከካይዱ ዓመታት ኣቑጺሮም እዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበሩ መጽናዕትታት ተስፋ ዝህቡ ኮይኖም፡ ነዊሕ ዝፀንሕ ሳዕቤናት ብዝምልከት ኣብ ምግምጋም ግን ብዙሕ ኣይከዱን።

ኣብዚ ቀረባ ዝተኻየደን ኣብ ኒው ኢንግላንድ ጆርናል ኦፍ ሜዲሲን ዝተሓትመን መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ 1 ሚሊ ግራም፣ 10 ሚሊ ግራምን 25 ሚሊግራምን ከኒና ኣብ ልዕሊ ካብ 10 ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝተዋጽኡ 233 ሰባት ዝተፈተነ ኮይኑ 25 ሚሊግራም ዝበለጸ ውጽኢት ተራእይዎ’ሎ።

መብዛሕትኦም ኣብቲ መፅናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብኸቢድ ጭንቀት ዝሳቐዩ ዝነበሩን ዕድሚኦም ከባቢ 40 ከምዝኾኑን ተመራመርቲ ይገልፁ።

ጎኒ ጎኒ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ሓደ በዓል 25 ሚሊ ግራም ዶዝ ‘ኮምፕ360 ፕሲሎሳይቢ’ ዝተብሃለ ከኒና ድሕሪ ምውሳዶም፡

  • ሓደ ካብ ሰለስተ ተሓከምቲ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ጭንቀት ኣይተረኸቦን
  • ሓደ ካብ ሓሙሽተ ተሓከምቲ ድማ ኣብ 12 ሰሙን ርኡይ ምምሕያሽ ኣርእዩ

ፀሓፊ ናይቲ መጽናዕቲን ኣማኻሪ ሓኪም ስነ-ኣእምሮን ዶክተር ጀምስ ራከር፡ እቲ መድሃኒት "ኣብ ሓንጎል ቀጥታዊ ስጉምቲ ዝወስድ፡ ናብ ዝያዳ ተዓጻጻፊ ኩነታት ዘእትዎን ንፍወሳ ዕድል ዝህብን" ተባሂሉ ከምዝሕሰብ ገሊፁ።።

ስክፍታ ድሕነት

እቶም ሕሙማት መድሓኒት ምስወሰዱ ንጽባሒቱን ድሕሪ ሰሙንን፡ ብዛዕባ ተመኩሮኦም ንኽዛረቡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ተዋሂብዎም።

"እቶም ተሓከምቲ ‘እንታይ ኮይነ ድየ?' ካብ ዝብል 'እንታይ ኣጋጢሙኒ?'" ናብ ምባል ተሰጋጊሮም” ክብል ኣረዲኡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም ናዳቭ ሊያም ሞድሊን።

ኣብ ኩሎም ጉጅለታት ካብ ዝነበሩ ገለ ተሓከምቲ ከም ሕማም ርእሲ፣ ረስኒ፣ ልዑል ድኻምን ሓሳባት ነብሰ ቅትለትን ዝበሉ ጎናዊ ሳዕቤናት ኣጋጢምዎም ነይሩ።

እዚ ግን ዘይተለምደ ከምዘይነበረ እቶም ተመራመርቲ ክገልፁ ከለዉ፡ ካልኦት ክኢላታት ድማ ስግኣት ድሕነት ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረቡ።

ሓላፊ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ዩኒቨርሲቲ ኤዲንበርግ ፕሮፌሰር ኣንድሪው ማኪንቶሽ፡ "ፕሲሎሳይቢን ሓደ ካብቶም ንዓመታት ክእዘዙ ዝጸንሑ ጸረ-ጭንቀት መድሃኒታት ክኸውን ዝኽእል ኣማራጺ 'ዩ" ክብል ገሊጹ።

እቲ መድሃኒት ፍቓድ ረኺቡ ናብ ረብሓ ቅድሚ መውዓሉ ሰለስተ ዓመት ክወስድ ከምዝኽእል ተመራመርቲ ሓቢሮም ኣለዉ።