ሓይሊ ሂፕኖሲስ፡ ብዘይ መድሃኒት ቃንዛ ንምፍዋስ ዘኽእል ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና

ሂፕኖሲስ ስውርን ዝገርምን ክመስል ይኽእል እዩ

ምንጪ ስእሊ, Emmanuel Lafont/BBC

መግለጺ ስእሊ, ሂፕኖሲስ ስውርን ዝገርምን ክመስል ይኽእል እዩ

ሂፕኖሲስ፡ ንመህሰይቲ ዘስዕቦ ጸገም ጸቕጢ፣ ንቃንዛ፣ ንጭንቀትን ንካልኦት ጸገማትን ሓያል ሕክምናዊ መስርሕ ይኸውን ኣሎ።

ዴቪድ ስፒግል ገና ናብቲ ዝሓመሙ ሰባት ዝሕክመሉ ክፍሊ ክኣቱ እንከሎ ብኣዝማ ዝተጠቕዐት ጓል 16 ዓመት መንእሰይ ትጽበዮ ነይራ። ኣዲኣ ድማ ኣብ ጎድና ትበኪ ነበረት። እታ ጓል ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንሳልሳይ ግዜ እያ ብኣዝማ ተጠቒዓ።

ኣብ 1970 ኣብ ማሳቹሰትስ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ህጻናት ቦስተን ተማሃራይ ሕክምና ዝነበረ ስፒግል፡ ክሊኒካዊ ሂፕኖሲስ’ውን ይማሃር ነይሩ።

ጉጅለ ሕክምና እታ ኣዝማ ዝሓመመት መንእሰይ፡ ክልተ ግዜ ኣድሪናሊን ብምውጋእ ንመተሓላለፊ ኣየራ ንምግፋሕ ፈቲኖም'ኳ እንተነበሩ እቲ ሕማም ኣዝማ ግን ኣይሃድአላን። ስፒገል ካልእ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ኣይፈለጠን።

"ናይ ትንፋስ ምውስዋስ ኣካላት ክትገብሪ ትደሊዪ ዲኺ?" ኢሉ ሓተታ።

እሺ ምስበለት ድማ ስፒግል ክትዕንዝዝ ገይሩ። ዝሓመመ ሰብ ከዐንዝዝ (ሂፕኖታይዝ) ክገብር ንመጀመርታ ግዜ እዩ። እታ ጓል ምስዓንዘዘት፡ ስፒግል ብተለምዶ ብጥንቃቐ ቃላት ዝተሃንጸ ዘይፍቓዳዊ ግብረ-መልሲ ዘምጽእ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

"ኣነ 'ነፍሲ ወከፍ እትወስድዮ ትንፋስ ቁሩብ ዝዓሞቐን ቁሩብ ዝቐለለን ክኸውን'ዩ' ኢለያ።"

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቓይቕ ምሕንፋጽ እታ ጓል ደው ኢሉ። ብሰላም ክትትንፍስ ምስጀመረት ኣዲኣ’ውን ብኽያታ ኣቋሪጻ።

እታ ጓል ሰልጢና ሓኪም ስርዓተ ምስትንፋስ ኮይና። ስፒገል ድማ ክሊኒካዊ ሂፕኖሲስ ጀሚሩ። ማእከል ውህደታዊ ሕክምና መስሪቱ ንዝሓለፉ 50 ዓመታት፡ ልዕሊ 7000 ሕሙማት ብኸምኡ ፈዊሱ።

ሂፕኖሲስ፡ ሓደ ካብቶም ክሰርሑ ዘይግብኦም ስነ-ኣእምሮኣዊ ተርእዮታት ይመስል። እቲ ኣዝዩ መሳጢ ዝገብሮ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ዝሰርሕ ምዃኑ እዩ። ናብ ዕንዛዘ ምእታው፡ ኣተኲርካ ንሓደ ሓሳብ ምስማዕ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ሓሳብ ክውን ንክገብሩ ዘኽእሎም እዩ።

ሕክምናዊ ሓይሊ ሂፕኖሲስ (ዕንዛዘ)

ምንጪ ስእሊ, Emmanuel Lafont/BBC

ሓደ ዝዓንዘዘ ሰብ ቅልጽሙ ብገዛእ ርእሱ ምንቅስቓስ ከም ዝጅምር እንተተነጊርዎ፡ ቅልጽሙ ይንቀሳቐስ እዩ። ዝተጠላለፋ ኣጻብዕቶም ምፍላይ ከምዘይኽእሉ እንተተነጊርዎም፡ ኣጻብዕቶም ዳርጋ ብኮላ ዝተጣበቓ ይኾና።

እቲ ሕዱር ቃንዛ ክሃድእ እዩ፡ ወይ እቲ ጭንቀት ቑሩብ ክቐልል እዩ እንተተባሂሎም ድማ፡ ሂፕኖሲስ ክቡር መሳርሒ ፍወሳ ክኾኖም ይኽእል።

ቃንዛ፣ ጭንቀት፣ መህሰይቲ ዘስዕቦ ጸገም ጸቕጢ፣ ውጥረት ዝመልኦ ሕርሲ፣ ቁጥዐ መዓንጣን ካልኦት ጸገማትን ንዘጋጠሞም ሰባት፡ ሂፕኖሲስ ውጽኢታዊ ሕክምና ምዃኑ መርትዖታት ይሕብሩ። ሂፕኖሲስ፡ ብመንጽር ዋጋ፡ ውጽኢታውነትን ጎናዊ ሳዕቤናትን ምስ መደበኛ ሕክምናታት ዝመጣጠን እዩ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተገብሩ መጽናዕትታት፡ ብዛዕባ ኣገባብ ሓንጎል ዘሎ ርድኢት ክውስኽ እኳ እንተገበሩ፡ ተቐባልነት ክሊኒካዊ ሂፕኖሲስ ግን ብዘደንቕ መልክዑ ደንጕዩ እዩ።

እዚ ድማ እቲ ሂፕኖሲስ ኣብ መድረኽ ካብ ዝግበሩ ስሒር ተንኮል ብዙሕ ከምዘይፍለ ዝገልጽ ልሙድን ግጉይ ኣረኣእያ ዘስዓቦ እዩ።

"ሰባት ወይ ረብሓ የብሉን ወይ ሓደገኛ'ዩ ይብሉ እምበር ዝኾነ ማእኸላይ ኣተሓሳስባ የለን። ክልቲኡ ጌጋ እዩ" ይብል ስፒግል።

ጽቡቓት ጅማሮታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሂፕኖሲስ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ብዙሓት ባህልታት ንዘመናት ዝጸንሐ ተግባር እዩ።

ኣብ ኣውሮጳን ሰሜን ኤሜሪካን፡ ምዕራባውያን ዝጥቀሙሉ ስሪት ሂፕኖሲስ ኣብ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመን ይጅምር።

ኣብ 1775 ንክልሰ-ሓሳብ ስነፍልጠት ማግነታዊ ተርእዮታት እንስሳታት ህቡብ ዝገበረ ጀርመናዊ ሓኪም ፍራንዝ መስመር፡ ኣብ መላእ ኣካላት ወዲ ሰብ ዘይርአ ማግኔታዊ ፈሳሲ ከም ዝውሕዝን፡ ንጥዕናናን ባህርያትናን ከም ዝጸልዎን ይኣምን ነይሩ።

ምትዕጽጻፍ እዚ ፈሳሲ ድማ "ሜስመሪዝም" ተባሂሉ ክፍለጥ ጀሚሩ። ኣጠማምታ ሓደ ሕሙም ከተኲር ገይሩ ኣብኦም ከድህብ ከሎ፡ ውጽኢት ፍወሳ ከምዝኸውን ተገንዚቡ።

እቲ ዶክተር ተፈታውነት እኳ እንተረኸበ፡ ስነፍልጠት ማግነታዊ ተርእዮታት እንስሳታት ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ሓሲሱ።

ንሱ ዝዳህሰሶ ተርእዮ ግን ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ሂፕኖሲስ ብዝብል ሓድሽ ስም ኣቓልቦ ረኺቡ። ስሙያት ሓካይም ብዛዕባ ባህርያቱ ተኸታተልቲ ክልሰ-ሓሳባት ኣማዕቢሎም። እቲ ዝያዳ ፍሉጥ ዝኾነ፡ መስራቲ ምዕራባዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ዝኾነ ሲግሙንድ ፍሮይድ፡ ገለ ካብቲ ፍሉጥ ትንታነታቱ፡ ኣብ ጸብጻባት ውጽኢት ሂፕኖሲስ ዝተመርኮሰ ነይሩ።

ሂፕኖሲስ፡ ኣብ መድረኽ እውን ዝያዳ ዝና ኣማዕቢሉ። ህቡባት ሂፕኖቲስት ኣብ ኣውሮጳ ዑደት ኣካይዶም፡ ተሳተፍቶም ከም ደርሆ ክመስሉ፡ ከም ሰሌዳ ክግተሩ ወይ ምግላጽ ድንግል ማርያም ከም ዝተዓዘቡ ክመስሉ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ይገልጹ ነይሮም።

ብዛዕባ ሂፕኖሲስ ዝነበረ ህዝባዊ ክትዕ ክሳብ 1880ታት ኣዝዩ ሓይሉ ክሳብ ገለ ሃገራት ንኣጠቓቕማኡ ዝቆጻጸር ሕግታት ዘውጽኣ ቀጺሉ።

ኣብ መስከረም 1894፡ ጓል 22 ዓመት ኤላ ሳላሞን፡ ኣብ ሃንጋሪ ሂፕኖታይዝ ምስተገብረት ምሟታ ስዒቡ ብዛዕባ እቲ ሳዕቤናት ሂፕኖሲስ ዝነበረ ስክፍታ ሓይሉ። እቲ ዛንታ ኣብ ዙርያ ማሕበረሰብ ሕክምናን ማዕከናት ዜና ኣውሮጳን ሰሜን ኤሜሪካን ተቓሊሑ።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዕንደራታት፡ ሓካይም ካብ ናይ መድረኽ ሂፕኖቲስት ንምርሓቕ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣግዲድዎ። ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ሂፕኖሲስ ብዘይሰልጠኑ ክኢላታት ብፍጹም ክትግበር ከምዘይብሉ ሞጊቶም።

ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዘመን፡ እዚ ወጥሪ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈትሐን። ብዙሓት ኣካዳሚያዊ ተመራመርትን ክሊኒካዊ ክኢላታትን፡ ብስልጠና ዘይተሓገዘ ሂፕኖቲዝም ሓደገኛ ምዃኑ ይገልጹ።

ብዛዕባ ውጽኢታውነቱ ዝምልከት ጽሑፋት እናበዝሑ፡ ኣብ ሓንጎል ዘለዎ ኣገባብ ሓድሽ ርድኢትን እናረኸበ ምስ መጸ ግን፡ ተመራመርትን ክኢላታትን፡ ሂፕኖሲስ ዳግማይ ኣብ ገብሪ ክውዕል ኣበርቲዖም ክሰርሑ ጀሚሮም ኣለዉ።

ዝዓንዘዘ (ሂፕኖታይዝ ዝተገበረ) ሓንጎል

እቲ ገለ ሓጋዚ መርትዖታት ዘቕርብ ፈተነ ስትሮፕ፡ ሰባት ሓደ ቃል ስም ካልእ ሕብሪ ክኸውን ከሎ፡ ሕብሪ እቲ ቃል ንምልላይ ክሳብ ክንደይ ከም ዘጸግሞም ዝዕቅን እዩ። ንኣብነት "ቀይሕ" ዝብል ቃል ብሰማያዊ ቀለም እንተተጻሒፉ ሰባት እቲ ቀለም ሰማያዊ ከምዝኾነ ንምልላይ ዝያዳ ግዜ ይወስደሎም።

እቶም ሂፕኖታይዝ ዝተገበሩ ተሳተፍቲ ድሕሪ ደጊም ከንብቡ ከምዘይክእሉ ምስ ተነግሮም ግን፡ እቶም ፊደላት ትርጉም ስለዘይሃብዎም ከይተደናገሩ ነቲ ሕብሪ ቀልጢፎም ኣለልዮም።

እሞ፡ ነቲ ፍሉይ ስምዒትን ተመክሮታትን ናይ ሓደ ዝዓንዘዘ ሓንጎል ምላሽ ከረድእ ዝኽእል መለለዪታት ኣለዉ’ዶ? ገና ዝቕልቀል ዘሎ ዓውዲ መጽናዕቲ እዩ።

ሂፕኖሲስ ከከም ሰቡ ይፈላለ

ምንጪ ስእሊ, Emmanuel Lafont/BBC

ሓደ ክፋል ናይቲ ዛንታ ኣብ መርበብ ተፈላጥነት ሓንጎል ከምዝርከብ ስፒግል ይገልጽ። እዚ መርበብ እዚ ንኣየኖት መዳያት ከባቢና ኣቓልቦ ክንህብን ንኣየኖት ድማ ክንገድፍ ከም ዝግባእ ንምልላይ ይሕግዘና።

ምስ መሳርሕቱ ዝገበርዎ ሓደ ፈተነ፡ ዝዓንዘዘ (ሂፕኖታይዝ ዝተገበረ) ሰብ ኣብቲ ዝንገሮ ሓሳብ ኣቓልቦ ስለዝገብር ብዛዕባ ካልእ ነገር ከምዘይስከፍን ምስቲ ካልእ ዓለም ዘለዎ ርክብ ከምዝብተኽን ይገልጽ።

እዚ ብዝተወሰነ ነቲ ኣብ እዋን ሂፕኖሲስ ዝስምዓና ጽዑቕ ትዅረት ክገልጽ ዝኽእል እዩ።

ካብ ቤተ ፈተነ ናብ ክሊኒክ

ኣካዳሚያውያን ተመራመርቲ ብመስርሕ ሂፕኖሲስ ከላገጹ እንከለዉ፡ ክሊኒካውያን ግን ከምቲ ንዘመናት ክገብርዎ ዝጸንሑ ውጽኢቱ ኣብ ረብሓ ክውዕል ይገብሩ ኣለዉ።

ምናልባት እቲ ዝበለጸ ሕክምናዊ ረብሓ ሂፕኖሲስ፡ እቲ ብዘይ መድሃኒት ቃንዛ ንምፍዋስ ዘርኣዮ ተስፋ እዩ። ዝተፈላለዩ ዓበይቲ መጽናዕትታት፡ ካብቶም ተሳተፍቲ ኣስታት 73 ሚእታዊ ዝያዳ ፈውሲ ቃንዛ ከምዘጋጠሞም ይሕብሩ።

ገለ ካብቲ ኣዝዩ ዘሐጉስ ርኽበታት ኣብ ዓውዲ ሕዱር ቃንዛ ኮይኑ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ቃንዛ ተባሂሉ ዝግለጽ እዩ። ብባህሪኡ፡ ሕዱር ቃንዛ ብፍላይ ብመድሃኒት ንምሕካም ኣጸጋሚ እዩ፡

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ 13-50 ሚእታዊ ሰባት ሕዱር ቃንዛ ከጋጥሞም እንከሎ፡ ኣብ ኣሜሪካ ድማ ኣስታት ሓደ ሲሶ ሰባት የጋጥሞም። ብደረጃ ዓለም፡ ኣስታት ክልተ ቢልዮን ሰባት ተደጋጋሚ ናይ ወጥሪ ሕማም ርእሲ የጋጥሞም።

ሂፕኖሲስ፡ ቃንዛን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘለዎ ምትእትታውን ከም ዘጉድል ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ሓደ ሜታ-ትንታነ ሸሞንተ ወይ ልዕሊኡ ክፍለ ግዜታት ሂፕኖሲስ ዝወሰዱ ሕሙማት ርኡይ ዕረፍቲ ቃንዛ ረኺቦም እዮም።

ንዝዓቢ ዘሎ ደረጃታት ኩነታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ዘለዎ ውጽኢታዊነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንምንታይ እዩ ምትእትታው እቲ ልምዲ ክሳብ ክንድዚ ድንጉይ ኮይኑ?

ብዛዕባ ምግዳድ ዝለዓል ሕቶ

መብዛሕትኡ ዕቃበታት ብሰንኪ ሕጽረት መርትዖ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ እቲ ዘይፍቓዳዊ ምላሽ ሂፕኖሲስ ዝተሓዋወሰ ስክፍታታትን ግጉይ ኣረኣእያታትን ስለዘሎ እዩ።

"እዚ ሓደ ካብቶም ዝሰፍሑ ጽውጽዋያት''ዩ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኒውሮሳይንቲስት ደቪን ተርሁነ፡ "ኣብ ሂፕኖሲስ ኣነ ክቆጻጸረካን ዘይግቡእ ነገራት ክትገብር ክገብረካን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ሓሳብ እዩ። ነዚ ዝምልከት መርትዖ ኣዝዩ ድኹም'ዩ" ።

ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ማክዋሪ ፕሮፌሰር ኮግኒቲቭ ሳይንስ ዝኾነት ኣማንዳ ባርኒየር ኣብ ዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ ተሳተፍቲ፡ ብገዛእ ርእሶም ዘይገብርዎ ነገር ንክገብሩ ከምዘይድረኹ ዝገልጽ ርኸበት ከምዘሎ ትሕብር።

እዞም ፈተነታት ግን፡ ሓደ ሰብ ብሓቂ ኣብ ትሕቲ ሂፕኖሲስ ኣንጻር ድሌቱ ገለ ነገር ክገብር ክግደድ ይኽእል ድዩ ንዝብል ሕቶ ቁርጽ ዝበለ መልሲ ኣይህቡን።

ኪኖ ዓለም ኣካዳሚ ግን፡ ሂፕኖሲስ ንጎዳኢ ዕላማ ዝተጠቕመሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ።

ምግዳድ ዝምልከቱ ሕቶታት ይለዓሉ

ምንጪ ስእሊ, Emmanuel Lafont/BBC

ኣግባብን ዘይኣገባብ ኣጠቓቕማ

ኣብ ለንደን ሓደ ለይቲ ዘጋጠመ እዩ። እቲ ናይ ሲሲቲቪ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ እቲ በዓል ድኳን እናሰርሐ ከሎ፡ ሓደ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ዝመስል መንእሰይ ክኣቱ የርእይ። ናብቲ በዓል ድኳን ቀሪቡ ድማ ኣብ ቅልጽሙ ይትንክፎ። ቀጺሉ እቲ በዓል ድኳን ዝፈዘዘ ይመስል። እቲ መንእሰይ ክትንክፎን ጁባኡ ሓሰስ ክብሎን ዘስተብህለሉ ኣይመስልን። እቲ በዓል ድኳን ከም ዝተዘረፈ ዝግንዘብ ድሕሪ ምኻዱ ጥራይ እዩ።

"ከም ሳይንቲስት መጠን፡ እዞም ጉዳያት ምሉእ ኩነታት ስለዘይንፈልጥ ንምትርጓሞም ኣጸጋሚ'ዩ" ይብል ተርሁነ።

"ትኹረት ብምዝንባል ገበን ክትፍጽም ትኽእል ዲኻ? እወ። ንሓደ ሰብ ኣፍዞኢዝካ ክትዘምቶ ትኽእል ዲኻ? ዝብል ግን ኣዝዩ ከቢድን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን'ዩ።"

እቲ ኣብ ሰሜን ለንደን ዝተፈጸመ ምዝማት ሓደ ካብቶም ዘሕዝኑ ገለ ኣጋጣሚታት ገበን እዩ። ብዕሱባት ሂፕኖቲስትስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሕሙማት ዝተፈጸሙ ዓመጻት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ በዳሊን ግዳይን ንዘሎ ናይ ስልጣን ዘይምዕሩይነት ዝምዝምዝ እዩ።

"እዚኦም ፍንፉናትን ዘስካሕክሑን ምዃኖም ርዱእ'ዩ" ይብል ተርሁነ። "እዞም ጉዳያት ድሮ ኣብ ዘይተለምደ ሓይሊ ስነ-ምንቅስቓስ እሞ ድማ ሰብ ክኣምኖም ተኽእሎ ብዘለዎም ክኢላታት ስለዝፍጸሙ ኣጸጋሚ'ዮም።"

ኣግባብን ዘይኣገባብ ኣጠቓቕማ

ምንጪ ስእሊ, Emmanuel Lafont/BBC

ካብ ሓይሊ ስነ-ምንቅስቓስ ብተወሳኺ፡ ሰባት ብዛዕባ ሂፕኖሲስ ዘለዎም ኣረኣእያታት ወይ ጽልዋታት ሓዊሱ ካልኦት ንምፍታሕ ኣጸጋሚ ዝኾኑ ረቛሒታት ከምዘለዉ ባርኒየር ትሕብር።

ስለዚ "ሂፕኖሲስ ንባዕሉ ጠንቂ ተቓላዕነት ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን" ትብል።

እዚ ኩሉ፡ ሓደ ሂፕኖሲስ ዝደሊ ሰብ ከመይ ኢሉ እዩ ሕክምናኡ ብዝተኻእለ መጠን ውሑስ ምዃኑ ንምርግጋጽ ጥንቃቐታት ክገብር ዘኽእሎ ዝብል ሕቶ የልዕል።

እዚ ሕቶ ናብ ሓደ ወርቃዊ ሕጊ የሕልፈና፡ "ሓደ ሰብ ብዘይ ሂፕኖሲስ ክሕክመካ እንተዘይክኢሉ፡ ብሂፕኖሲስ’ውን ክሕክመካ የብሉን" ትብል ባርኒየር።

መብዛሕትኦም ክሊኒካውያንን ተመራመርቲን ምስዚ ኣገባብ እዚ ይሰማምዑ።

ሮያል ኮሌጅ ሓካይም ስነ-ኣእምሮ ብሪጣንያ'ውን ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ፡ "ሂፕኖቴራፒ ብብቑዓት ሰብ ሞያ ጥዕና ጥራይ ክግበር ኣለዎ፡ ንሳቶም ድማ ንሞያዊ ኣካል ተሓተትቲ እዮም" ይብል።

እዚ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ንሂፕኖቲዝም ዝቆጻጸር ወግዓዊ ኣካል ስለዘየለ እዩ።

"ድሕሪ ሕክምና [ሂፕኖሲስ] ገለ ሕማቕ ነገር እንተጋጢሙካ፡ ከይድካ ክትጠርዓሉ ትኽእል ሞያዊ ትካል የለን።"

እቲ ቀንዲ መልእኽቲ፡ ዝኾነ ዝሕክመካ ሰብ ግቡእ ሞያዊ ብቕዓት ከም ዘለዎ ምርግጋጽ ከምዝኾነ ክሊኒካውያንን ሞያዊ ኣካላትን የተሓሳስቡ።

ሂፕኖሲስ ካብ ካልኦት ሕክምናዊ ምትእትታውን መሳርሒታትን ብዙሕ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ንኣብነት፡ መርፍእን ስሪንጋን እንተወሲድና ኣብ ዘይግቡእ ኣእዳው፡ ነፍሲ ወከፎም ዓቢ ጉድኣት ከስዕቡ ተኽእሎ ኣለዎም። ኣብ ክኢላ ኣእዳው ግን ሓያላት መሳርሒታት ሕውየት እዮም።