ብጽልዋ ወለዶም ተሸጊሮም ዝዓብዩ ቈልዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ርያን ምምህርና ከጽንዕ እንከሎ፡ ኣቦኡ ከምዘይሕጐሰሉ ይፈልጥ ነይሩ’ዩ።
ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ዝነብር ወዲ 25 ዓመት ርያን፡ ምሕደራ ትምህርቲ ከጽነዕ እንከሎ፡ ህይወት ህጻናት ንምቕያር ሓሊኑ’ዩ ነቲ ዓውደ ትምህርቲ ሓርይዎ። እቲ ስደተኛ ኰይኑ ናብ ኣሜሪካ ኣትዩ ዶክተር ዝዀነ ወላዲኡ ግን፡ ርያን ሕክምና ከጽንዕ’ዩ ዝደሊ ነይሩ።
ኣቦ ርያን፡ ደቁ ኣብ ኣሜሪካ ኵሉ ዕድላት ትምህርቲ ንኽረኽቡ ብዙሕ’ዩ ጽዒሩ።
ርያን’ውን ኣብ ፈለማ፡ ኣብነት ኣቦኡ ተኸቲሉ ከም ኣቦኡ ክኸውን’ዩ ዝደሊ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ስነፍልጠት ከጽንዕ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ሕክምና ዝንባለ ከምዘይብሉ ክርዳእ ክኣለ፣ “ንኣቦይ ምስ ነገርክዎ ኣዝዩ እዩ ጉህዩ” ኸኣ ይብል - ርያን።
ወለዲ፡ ካብቲ ንሶም ዝምነዩልካ መገዲ ብዝዀነ ምኽንያት ከተልግስ እንከለኻ፡ ሕማቕ ከምዝስምዖም’ዩ ርያን ይገልጽ።
ብኣንጻሩ እቶም ወለዶም ንዝደልይዎ ነገር ክዀኑ ኢሎም ዝጽዕሩ መንእሰያት'ውን ኣመና ከምዝሽገሩ’ዩ ዝግለጽ።
ንኣብነት ጓሎም ንውሩይ ደራፋይን ተዋሳኣይን ዊል ስሚዝን ፒንከት ስሚዝን ዝዀነት ደራፊት ዊሎው ስሚዝ፡ ሞያ ወለድኻ ክትክተል ምሕሳብ ዘቐንዙን ዘሸግርን ምዃኑ ገሊጻ ነይራ።
ወዲ ውሩይ ተዋሳኣይ ቶም ሃንክስ ዝዀነ ኮሊን ሃንክስ’ውን፡ ከም ባህጉ ንምንባር ኣብ ዓቢ ግድል ከምዝኣተወ ይሕብር።
ጓል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ቢል ክሊንተንን ሂላሪ ክሊንተንን ዝዀነት ቸልሲ ክሊንተን’ውን ብሕርያ ወለዳ ዝኣተወቶ ሞያ ከምዘጣዕሳ ኣብ ሓደ መደብ ተለቪዥን ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።
ኣብ ፍሉጣት ሰባት ጥራይ ዘይኰነ፡ ብዙሓት ወለዲ’ውን ከም ኣቦ ርያን፡ ደቈም ኣሰሮም ክኽተሉ ዓቢይ ጸቅጢ ከም ዝገብሩ ይግለጽ።
ኣብ ፍሎሪዳ፡ ኣሜሪካ ሓኪም ፍወሳ ሕማም ኣእምሮ ዝዀነትን ልዕሊ 13 መጻሕፍቲ ዝጸሓፈትን ኣሚ ሞሪን፡ ኵሎም ህጻናት ኣብ መጀመርታ መድረኽ ህይወቶም፡ ብወለዶም ከምዝጽለዉን ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ብወለዶም ጸቕጢ ከምዝግበረሎምን ተብርህ።
እዚ ግን ዝያዳ ኣብቶም ኣብ ጽቡቕ ጽፍሒ ትምህርቲ፡ ሓላፍነትን ሃብትን ዝብጽሑ ወለዲ ከምዝዛይድ ኣሚ ሞሪን ትገልጽ።
እታ ክኢላ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ኣዝዮም ፍሉጣት ወለዲ ዝውለዱ ህጻናት፡ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሞያን ባህጊ ገዛእ ርእሶምን ንክኽተሉ ኣመና ከምዝጽገሙን ዓቢ ግድሊ ከምዘሕልፉን ትሕብር።
ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ወለዲ ምዕባይ
ብዙሓት ፍሉጣት ወለዲ፡ ደቈም ኣክንዲ ናይ ገዛእ ርእሶም መስመር ዝኽተሉ፡ ከም መቐጸልታ ሕልምታቶም ገይሮም ከምዝዅስኩስዎም ክኢላታት ይሕብሩ።
ኣብ ኒውዮርክ ሓኪም ፍወሳ ሕማም ኣእምሮን ርክባትን ዝዀነ ኣሌክስ ለፍ እቶም ካብ ፍሉጣትን ዕዉታትን ወለዲ ዝውለዱ ህጻናት፡ “ገዛእ ርእሶም ክዀኑ ቃልሲ’ዮም ዘሕልፉ” ይብል።
ሞሪን፡ እቶም ደቂ ዕዉታትን ፍሉጣትን ኣክንዲ ብገዛእ ርእሶም፡ ‘ወዲ ኩስቶ፡ ጓል እገለ’ ተባሂሎም ስለዝጽውዑ፡ ኣብ ውሽጦም ዓቢይ ሃጓፍ ከምዝፍጠር ሞያዊ መብርሂ ትህብ።
ኣብ ኒውዝላንድ ትነብር ጓል 29 ዓመት ሮዝ፡ ኣደኣ ኣብ ተሌቪዥን ብእተቕርቦ ኣሰራርሓ መግቢ ኣዝያ ፍልጥቲ’ያ።
“ዋላ’ኳ ከም ኣደይ ፍልጥቲ ኣይዅን’ምበር ጽቡቕ ስራሕ’ዩ ዘለኒ፡ ኣብ ደገ ዝረኸቡና ሰባት ግን ብሞያ ኣደይ’ምበር ብሞያይ ኣየድንቝንን’ዮም” ትብል።
ሮዝ ውሽጣ ዝኣዘዛ ሞያ ክትክተል ስለዝደለየት፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምሰ ወድአት ካብ ኒውዝላድ ወጺኣ ኣብ ኦስትሪያን ፈረንሳን ተማሂራ ናተይ ትብሎ ሞያ ኣጥርያ’ያ። ኣሰር ኣደኣ ኣይሰዓበትን።
ኣሌክስ ለፍ፡ ወለዶም ዝደልይዎ ክዀኑ ዘይክኣሉ ህጻናት [መንእሰያት] ኣብ ውሽጦም ፍርሒ ከምዝወሮም’ዩ ዝገልጽ።
ኣቦ ርያን፡ ከምቲ ንሱ ጽዒሩ ዶክተር ዝዀነ፡ ርያን’ውን ጽዒሩ ሕክልምና ክጽንዕ’ዩ ዝደሊ ነይሩ።
ርያን ካብቲ ኣቦኡ ዝሓረየሉ ሞያ ከላግስ እንከሎ ምስ ውሽጡ ብዙሕ’ዩ ተማጒቱ፣ “ኣቦይ፡ ኣነ ከምዛ ቅዳሕ ናቱ ዝዀንኩ ተረዲኡ፡ እቲ ንሱ ዝደልዮ እንተዘይኰይነ ኣዝዩ ሕማቕ’ዩ ዝስምዖ” ይብል።
ኣሊ ጓል 29 ዓመት ተቐማጢት ፊላደልፍያ እያ።
ኣደኣ ኣዝያ ሕውስቲ፡ መገሻ ትፈቱ፡ ሙዚቃዊ ምርኢት ተዘውትር፡ ዓርከ-መሓዛ ንገዛ ምዕዳም ትፈቱ ሰብ እያ። ብኣንጻሩ ኣሊ ኣዝያ ሓፋር ፍጥረት እያ። ኣደኣ ልክዕ ከምኣ ክትከውን ስለትደልያን ትደፋፍኣን ከኣ ከቢድ መሰናኽል ከምዘሕለፈት ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ኵሉ ሰብ፡ እዚ ዝወረስክዎ ሞያ ከምዘይኰነ ክፈልጥ እደሊ’
ኣሌክስ ለፍ፡ እቶም ብወለዶም ‘ከምዚ ክትኰኑ ኣለኩም’ እናተበሃሉ ዝዓበዩ ህጻናት፡ ኣብ እዋን ንእስነቶም ዓቢ ማሕለኻታት ከምዘጋጥሞም’ዩ ዝገልጽ።
ብፍላይ ወለዶም፡ ፍሉጣት፡ ዓቢይ ጽፍሒ ዘለዎምን ማሕበራዊ ተቐባልነት ዘጥረዩን ምስ ዝዀኑ እቲ ማሕለኻታት እናተረረ’ዩ ዝኸይድ።
ዋላ ምስ ዓበዩ፡ ርእሰ ምትእምማኖም ናብ ቦታኡ ስለዘይምለስ፡ ንዝዀነ ዝገብርዎ ንጥፈታት “ክገብሮዶ ክገድፎ” ብምባል ንወለዶም ክሓቱ’ዮም ዝቕሰቡ።
ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ኮተቴ ኰይኖም’ውን “ብማይ ዝሑል ዶ ብማይ ውዑይ ክሕጸብ?” ኢሎም ንወለዶም ክሳብ ምሕታት’ዮም ዝበጽሑ።
ሞሪን፡ ህጻናት ነቲ ንሶም ዝደልይዎን ወለዶም ዝደልይዎን ሞያ ኣሳንዮም ክኸዱ ክፍትኑ ኣብ ጭንቀት ከምዝወድቁ ትሕብር።
ሮዝ ከሻኒት ክትከውን እያ ትደሊ። እንተዀነ መቀጸልታ ናይ ኣደኣ ዘይኰነ፡ ናተይ ትብሎ መገዲ ተኸቲላ ዓወት ከተመዝግብ እያ ትደሊ።
ሮዝ “ኵሉ ሰብ እዚ ሞያ ባዕለይ ዘጥረኽዎ’ምበር ዝወረስክዎ ሞያ ከምዘይኮነ’የ ክፈልጥ ዝደሊ” ትብል፡ ብሓቂ ኸኣ እቲ ንሳ ትመርሖ ትካል 400 ሚእታዊት ዕብየት ከርኢ ተራ ሮዝ ኣዝዩ ግሉሕ’ዩ ነይሩ።
ኣብ 2021 ብ’ግሎባል ሪኩሪትምት’ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ 65 ሚእታዊት ካብቶም ቃለ-መጠይቕ ዝተገበረሎም መንእሰያት፡ ስድራኦም ኣብ ዝደልይዎ ሞያ ከምዝኣተዉ ምግላጾም ይሕብር።
ኣሌክስ ለፍ ነቲ ኣሃዝ ብምግላጽ፡ “እቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝግበር ጸቕጢ ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ’ዩ ዘርኢ፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ክሳብ ክንደይ ከቢድ ግድል ከምዘሕልፉ ክስቈረና ይኽእል” ድሕሪ ምባል፡ “እዚ ኣብ ስራሕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝምስርትዎ ፍቕርን ሓዳርን’ውን ጽልዋኡ ገዚፍ’ዩ” ይብል።
ናብ ርያን ምስ እንምለስ፡ ቀስ ኢሉ ካብቲ ወላዲኡ ክዀኖ ዝደልዮ ዝነበረ ሞያ ተፈንቲቱ’ዩ። ነቲ ኣቦኡ ዶክተር ክኸውን ዝደልዮ ዝነበረ ሞያ ገዲፉ መምህር ኰይኑ።
“ሞያ ኣቦይ ኣብ ውሽጠይ ስለዘየሎ ኣይፈትዎን’የ፤ ነቲ ሕጂ ሒዘዮ ዘለኹ ሞያን ንብሕጅን ከይጸልወኒ ኣዝየ’የ ዝጥንቀቕ።”
ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣርኣያ ምሕራይ
ካብ ዕዉታት ስድራ ምውላድ ርእሱ ዝኸኣለ ጸጋ ኣለዎ። ብውሕዱ ኣርኣያ ክዀኑኻ ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ቤትካ ኣለዉ።
እዚ ዝፈጥሮ ዕድላት’ውን ቀሊል ኣይኰነን።
ሞሪን’ውን ምስዚ ሓሳብ እዚ ብምስምማዕ፡ ካብ ዕዉታት ወለዲ ዝተወለዱ ህጻናት ርእሰ ተኣማንነት ከጥርዩ ከምዝሕግዞም ትገልጽ።
ብመሰረት ኣብ 2019 ብዩኒቨርስቲ ጆርጅታውን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እቶም ካብ ፍሉጣትን ኵሉ ዘለዎምን ወለዲ ዝውለዱ ህጻናት፡ ኣብ እዋን ንእስነቶም ዝለዓለ ናይ ምዕዋት ዕድል ከምዘለዎም የረድእ።
ብዘይካ’ዚ ኣብ 2015 ኣብ ሃርቫርድ ዝተኻድ መጽናዕቲ’ውን፡ ካብ ዝሰርሓ ኣደታት ዝውለዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንኣደታትን ከም ኣርኣያ ብምውሳድ ናብ ዝልዓለ ጽፍሒ ናይ ምድያብ ዕድለን ልዑል ምዃኑ የርኢ።
ሮዝ’ውን ናይዚ ኣብነት እያ፣ “ኣደይ ኣብ ምሉእ ህይወታ ዘጥረየቶ፡ ንዓይ ዘይብለይ ብዙሕ ክእለትን ፍልጠትን’ዩ ዘለዋ” ብምባል ፍልጠት ኣደኣ፡ ንዓለም ዓይና ኣንቊሓ ንኽትጥምታ ማዕጾ ከምዘርሓወላ’ያ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣዝዩ ዘሐጕስ ሃዋሁ ኢና ዘለና
ንብዙሓት፡ እቲ ወለዶም ክዀንዎ ዝደልይዎም፡ ዋላ ብመንገዶም ካልእ ሞያ እንተኣጥረዩ፡ ካብ ሓንጐሎም ቀልጢፉ ኣይእለን’ዩ።
ሞያ ኣጥርዮም ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ ተመሊሶም ናብቲ ወለዶም ዝደልይዎ ሞያ ዝኣትዉ’ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።
ህጻናት ናይ ገዛእ ርእሶም ዝንባለ ኣላልዮም፡ ኣብቲ ጠላሕ ዝበሎም ሞያ ክነብሩ ግን እቲ ዝበለጸ ነገር’ዩ።
ብሓገዝ ሓኪም ስነ ኣእምሮ፡ ኣሊ፡ ብዘይ ሕብእብእን ብዘይ ሕማቕ ስምዒትን፡ ባህርን ጸቕጥን ኣደኣ ኣብ እዋን ህጻንነታ ዝፈጥረላ ዝነበረ ጸቕጢ ክተውክኦ ክኢላ እያ።
“ኣዝዩ ጽቡቕ ዘተ’ዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ክልተና ንዅሉ ነገር ክፉታት ኴንና ኢና ተዘራሪብና” ትብል ኣሊ።
ሮዝ’ውን ኣብ ፖርቱጋል ኰይና ነታ ኣብ ኒውዝላንድ ዘላ ኣደኣ ትድውለላ’ያ፡ ንሓድሕደን ነቲ ዘለወን ሞያ ይደጋገፋ’የን፡ ናብዚ ንኽብጻሕ ግን ከቢድ መስገደል እዩ ተሰጊሩ።
ሮዝ “ኣብ ሞያይ ኣዝዩ ርእሰ ምትእምማን ኣሎኒ፡ ምስ ኣደይ ከኣ ኣብ ኣዝዩ ፍቱው ዝዀነ ኵነት ኢና ዘለና” ትብል።
ጕዳይ ርያን ግን ሕጂ’ውን ኣብ ወጥሪ’ዩ ዘሎ፡ ወላዲኡ ክሳብ ሕጂ ነቲ [ርያን] ሒዝዎ ዘሎ ሞያ ከምዘይፈተዎ’ዩ ዝርድኦ፤ ስለዚ ከም ኣማሪጺ ምስ ኣቦኡ ብዙሕ ግዜ ከሕልፍ ኣይመርጽን’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







