ዓበይቲ ጽዋታት ብዛዕባ ሓንጎል መንእሰያት

ዓበይቲ ጽዋታት ብዛዕባ ሓንጎል መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓንጎልና ኣብ ግዜ ብጽሕና ኣዝዩ እዩ ዝቕየር። ነዚ ለውጢ ተጠቒምና ግን መንእሰያት ብዕቝር ዓቕሞም ኣድማዕቲ ክዀኑ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ይሕብር።

ቴሪ ኣፕተር ዝተባህለት ክኢላ ስነ-ኣእምሮ፡ ንሓንቲ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ፡ ሓንጎል ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ምስገለጸትላ፡ "ስለዚ እዩ'ሞ ርእሰይ ዝፍንጀር ዘሎ ኰይኑ ዝስምዓኒ!" ከምዝበለታ ትዝክር።

ካብ ቈልዕነት ናብ ብጽሕና እናበሰልና ኣብ እንኸደሉ ዝርኣዩ ለውጥታት ዘፍርሑ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ክትቈጻጸሮ ኣጸጋሚ ዝዀነ ምልውዋጥ ስምዒት፡ ቅልውላው መንነት፡ ማሕበራዊ ተቐባልነት ንምርካብ ዘሎ ልዑል ባህጊ፡ ንሓደጋን ንዕንደራን ዝህሉ ሓድሽ ስምዒት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ መጻኢ ሳዕቤን ተግባርካ ብግቡእ ዘይምሕሳብ ዝኣመሰሉ ኵነታት ክፍጠሩ ይኽእሉ።

ኣብ ማእከል'ዚ ምድንጋር፡ መንእሰያት ብውጽኢት ትምህርቲ ብቐጻሊ ይግምገሙ እዮም። ግን ኣብተን ዓመታት ዘለው ዘይቈጻጸርዎምን ዘይግምትዎምን ለውጢታት፡ መንእሰያት ንኸይዕወቱ ወይ ክጽገሙ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ጥራይ እዮም ኣብዚ ቀንዲ እዋን ምዕባለ ንዝፍጠር መትናዊ ለውጢ ክርድኡን ምስጢራት ሓንጎል መንእሰያት ክፈትሑን ክኢሎም።

እዞም መሰጥቲ ሓድስቲ ርድኢታት፡ ብዛዕባ ስምዒትን ተግባርን መንእሰያት ካብ ምግላጽ ብተወሳኺ፡ ገለ ካብቶም ዘጸግሙ ወይ ዘደናግሩ ባህርያት መንእሰያት ናብ ኣዎንታዊ ንምቕያርን ሓንጎሎም ገና ልምሉም ኣብ ዝዀነሉ እዋን ድማ ክእለትን ርድኢትን ንኸጥርዩን ከምዝከኣል የርእዩ።

ደሓር ከኣ ግርዝውና ዝተፈላለየ ምዕባለታት ኣእምሮ ዝፍጠረሉ እዋን'ውን እዩ። መንእሰያት፡ ኣብ እዋን ንእስነቶም ዝተማህርዎም መሰረታዊ ነገራት ብምምዕባል፡ ዝያዳ ዘይጭቡጥ ዝዀነ ምኽንያታውነትን ዝያዳ ደቂቕ ፍልልይ ዘለዎም "ክልሰ-ሓሳብ ኣእምሮን" ሓዊሱ ዝተራቐቐን ብሱልን ኣገባብ ኣተሓሳስባ ኣብ ምስሳን እዮም ኣለዉ።

ንሓንጎል መንእሰያት ምርዳእ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንሓንጎል መንእሰያት ምርዳእ

ብዙሓት መንእሰያት፡ ሰባት ኣይርድኡናን ኢሎም ከማርሩ ምስማዕ ዘገርም ኣይኮነን። ንባህርያት መንእሰያት ዝሃብናዮ ባህላዊ መግለጺታት ብዘሕዝን መንገዲ ድኹም እዩ። ነገራት ምፍታን፡ ዓመጽ፡ ድፍኢትን ሓፈሻዊ ቁጥዐኦምን ብቐሊሉ ብዘይፍላጥን ብዘይምብሳልን ዝመጹ፡ ወይድማ "ዝነዱ" ሆርሞናቶምን ምዕባይ ድሌት ጾታዊ ርክብን ዘስዕቦም ክዀኑ ይኽእሉ።

"ንኻልኦት ጽላታት ሕብረተሰብ ምልጋጽን ኣጋንንቲ ገይርካ ምርኣይን ብማሕበረሰብ ቅቡል ኣይኮነን፤ ግን፡ ብዘገርም መንገዲ፡ ንመንእሰያት ምልጋጽን ከም ኣጋንንቲ ገይርካ ምርኣይን ቅቡል እዩ" ትብል ብዛዕባ ምስጢራዊ ህይወት ሓንጎል መንእሰያትን መጽሓፍ ዝደረሰት ኒውሮሳይንቲስትን ሳራ-ጄይን ብሌክሞር።

ንመንእሰያት ክንሕግዝ እንተዄንና፡ እቶም መንእሰያት ዝሓልፍዎ ሚስጥራትን ዓበይቲ ማሕበራዊ ብድሆታትን ብቐረባ ኣቓልቦ ክንገብረሉ ከምዘለና ክኢላ ስነኣእምሮ ኣፕተር ትምጕት።

ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ዝፍጠሩ ለውጢታት ስነ-ቅርጺ ኣካል እውን ክንርዳእ የድሊ።

ሓንጎል መንእሰያት ብኸመይ ይቕየር?

ቍልዕነት እቲ ዝዓበየ ለውጢ ዝረኣየሉ እዋን እዩ።

ካብ ቍልዕነት ናብ ኣብጽሕ እናበሰልና ክንከድ እንከለና ሓንጎልና ዘርእዮም ዓበይቲ ለውጥታት ኣለዉ። ገለ ካብዞም ኣገደስቲ ዝዀኑ ኸኣ፥

  • ኣብ ቅድሚት ዝርከብ ግዳማዊ ቀጸላ ሓንጎል፡ ሓንጎል ዝያዳ ውጽኢታዊ ንኽኸውን ኣብ ምሉእ እዋን ብጽሕና ዝሃንጾምን ዝቐርጾምን መርበባት ክእለት፡ ዓቢይ ምስፍሕፋሕ ክህሉ የኽእል።
  • ሓንጎል፡ ኣብ ቅድሚትን ፓሪየታል ሎብ (ምስ ምቕባልን ምትእስሳርን ህዋሳዊ ሓበሬታ ዝምልከቱ ከባቢታት) ብተመሳሳሊ ኣገደስቲ ምትእስሳራት የደልድል።
  • እዞም ለውጥታት ኣብ ዝረኣይሉ እዋን፡ ገለ ከባቢታትሓንጎል ካብቶም ካልኦት ብቕልጡፍ ይምዕብሉ እዮም። እዚ ድማ ንባህርያት ክጸልዎ ይኽእል። ንኣብነት፡ ምስ ሽልማት ኣብ ዝተኣሳሰሩ መዳያት፡ ካብቶም ምስ ርእሰ-ምግታእ ዝተኣሳሰሩ መዳያት ብቕልጡፍ ይምዕብሉ፡ ሃንደበትን ብዘይ ጥንቃቐ ንምውሳን ከተባብዕ ይኽእል።

ሓንጎል መንእሰያት ድሮ ገለ ካብቲ ኣብ ቍልዕነት ዝነበረ ልምሉምነቱ ክቕንስ ዝኽእሉ እኳ እንተዀነ፡ እዚ ቀጻሊ ምዕባለ ግን ገና ናይ ምምሃር ዓቢይ ዓቕሚ ከምዘለዎም ዘርኢ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ንቝልዕነት ከማዕብልዎ ዝጀመሩ ትምህርታዊ ክእለትን ፍልጠትን ብምህናጽን ዝያዳ ዝተራቐቐ ኣገባብ ተመኵሮ ከማዕብሉን የኽእሎም።

እቲ ዘሕዝን ግን፡ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ስነ-መትናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ለውጢ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ኰይኑ ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ገዛን ምዝንባዕ ዘስዕቡ ባህርያት ንኸርእዩ ከቃልዖም ይኽእል።

ዕላማ ዘለዎም ዓመጽቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዕላማ ዘለዎም ዓመጽቲ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ መንእሰያት ዝፍለጡሉ ሓደጋ ምውሳድ፡ ሕጊ ምፍራስን ሓፈሻዊ ዓላዊነትን ንርአ።

መጽናዕትታት ምስሊ ሓንጎል፡ ብሓፈሻ ምስ ሽልማት ዝተኣሳሰሩ መዳያት ሓንጎል ካብቶም ምስ ምዕጋትን ርእሰ-ምግታእን ዝተኣሳሰሩ ብዝቐልጠፈ ከምዝምዕብሉ የመልክቱ።

ብሓፈሻ ምስ ሽልማት ዝተኣሳሰሩ መዳያት ሓንጎል፡ ኣብ ዓበይትን ንኣሽቱ ህጻናትን ክነጻጸሩ ከለዉ፡ ኣብ ምልክት ናይቲ ምስቲ ምስ ሓጎስን ባህጊ ፍልጠትን ዝተኣሳሰር ዶፓሚን ዝዓበየ ንጥፈታት ኣለዎም። ሓድሽ ወይ መሳጢ ዝዀነ ነገር ምስ ዘጋጥሞም ዝዓበየ ነጥብታት የርእዩ።

ስለዝዀነ፡ መንእሰያት ሓደስቲ ተመኵሮታት ንኽፍትኑ ዝያዳ ክደፋፍኡ ተኽእሎኦም ዘገርም ኣይኮነን። ሓደ ሳዕቤኑ ድፍኢትን ሓደገኛን ውሳነ ምሃብ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እቲ ንምፍላጥ ዘለዎም ባህጊ ግን ብልጫታት እውን ኣለዎ።

መንእሰያት ብዙሕ ዝተፈላለየ ተመኵሮታት ክፍትኑ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ከም ዓቢይ ሰብ ንውልቃዊ ውሳነታቶም ንምምራሕ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት፡ ተጓይዮም ዘይምቹእ ፍቕራዊ ርክብ ምጅማሮም እንታይ ዓይነት መጻምድቲ ዝያዳ ከም ዝጥዕሞም ንኽፈልጡ ክሕግዞም ይኽእል እዩ።

መንእሰያት ንረብሓታቶም ዝገብርዎ ሃድንን ከምኡ’ውን ስልጣን ወይ ትእዛዝ ዕሽሽ ምባል፡ ቴክኖሎጂያዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ለውጢ ንምብራኽ ክሕግዝ እውን ይኽእል።

"ደረታት ሓሊፉ ዝድህስስ ሓድሽ ወለዶ ኣሎና፤ እዚ ወለዶ ዓቢይ ምህዞ፡ ድፍረትን ፈጠራን ዝህበና እዩ" ትብል ኣፕተር።

መንእሰያት ዝያዳ ግዜ ኣብ መጽናዕቲ ከሕልፉ ንዝመርጹ ወለድን መምህራንን፡ እዚ ተስፋ ዘቝርጽ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ፍርሒ ዘይብሉ ጸዓት ናብ ትርጉም ዘለዎ ንጥፈታት ክመሓላለፍ ከሎ ግን፡ ነቲ ሕብረተሰብ ንምጥንኻር ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

መንእሰያትን፡ ነቶም ዓበይቲ ወለዶታት ዝተቐበልዎም መንግስታት'ውን ብትብዓት ተቓሊሶም እዮም።

ምልውዋጥ ስምዒት

ብተመሳሳሊ ምልውዋጥ ስምዒት መንእሰያት ምስ ብስለት ዝተኣሳሰር ስነ-ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መስርሓት ብዝገብርዎ ምትሕውዋስ ክግለጽ ይከኣል። ሓደ ካብኡ፡ ብዙሓት መንእሰያት ዓበይቲ ምልውዋጣት ኒውሮትራንስሚተር (ኣብ መወዳእታ ጽሕጊ መትኒ ዝፍኖን ነቲ ድልየት ወይ መልእኽቲ ናብ ካልእ ኣካል ንምስግጋር ዝጸሉ ኬሚካላዊ ንጥረ ነገር) ከምኡ’ውን ሆርሞን (ናብ ደም ሓሊፉ ንህዋሳት ኣካላት ዘንቀሳቕስ ውሽጣዊ ነዝዒ) የጋጥሞም እዩ።

እዚኦም ምልውዋጣት ኣብ ስምዒቶም ጽልዋ ከሕድሩ ይኽእሉ። "ንኣብነት ሴሮቶኒን 'ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥር ሆርሞን'ዩ። እዚ ሆርሞን እንተቐኒሱ ኣዝዩ ትሑት ስምዒት ይስምዓካ" ይብል ብዛዕባ ሓንጎል መንእሰያት መጽሓፍ ዝጸሓፈ ክኢላ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮ ጆን ኮልማን።

ሚድያል ፕሪፍሮንታል ኮርተክስ፡ ኣብ ምቍጽጻር ዝተሓላለኸ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታውን ባህርያውን ስርሓት ተራ ኣለዎ። እዚ ሰባት ምስ ካልኦት ብኸመይ ከምዝዘራረቡን ምላሽ ከምዝህቡን ዝምልከት መስርሕ ኰይኑ መንእሰያት ኣብዚ’ውን ዝያዳ ንጥፈታት የጋጥሞም እዩ።

ምስ ርእሰ-ገምጋም ኣብ ዝተኣሳሰር ከባቢታት ሓንጎል ዝፍጸም ንጥፈታት፡ ኣብ መፋርቕ ዕድመ ንእስነት፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ይኽእል። እዚ፡ መንእሰያት ማሕበራዊ ርክባትን መርበባት ንኽርድኡን ዕርክነት ንኽፈጥሩን ይሕግዞም። እንተዀነ ብፍላይ ንንእሽቶ ምልክታት ጽልኢ ተኣፈፍቲ ክዀኑን ስለ ዝኽእሉ፡ ንማሕበራዊ ጭንቀት ዘለዎም ተቓላዕነት ይውስኽ።

ንኣብነት ቅድሚ ሕጂ ከቢድ ውድቀት ኣጋጢምዎም ዘይፈልጥ እንተዀይኑ፡ ኣብ ፈተና ትሑት ውጽኢት ክረኽቡ ከለዉ ዝፍጠር ተስፋ ምቝራጽ ንምርዳእ ኣዝዩ ክኸብዶም ይኽእል።

መንእሰያት ዘርእይዎ "ልዕሊ ዓቐን ምላሽ"፡ ነቲ ዝተሓላለኸ ስምዒታዊ ዓለሞም ባዕሎም ንምርዳእ ዝገብርዎ ጻዕሪ እዩ። እዚ ድማ ንዳሕረዋይ ህይወቶም ኣገደስቲ ዝዀኑ ክእለታት ዝረኽብሉ መገዲ እዩ።

ድንዛዘ፡ ፍዘት፡ ጎሳስነት፡ ዘይንጥፈት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድንዛዘ፡ ፍዘት፡ ጎሳስነት፡ ዘይንጥፈት

ካልእ መንእሰያት፡ ከም ድንዙዛት፡ ፈዛዛት፡ ጎሳሳት ወይ ዘይንጡፋት ከምዝዀኑ ገይርካ ምሕሳብ ኣሎ። ጠንቂ እዚ ስንፍና ወይ ዘይምግዳስ ወይ ሐራይ ኢልካ ዘይምድቃስ እዩ ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባ ይንጸባረቕ። ብሓቂ ግን ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ስለዝዀነ እዩ፤ ፕሮግራም ኣካላቶም ምስ ፕሮግራም ዓበይቲ ሰባት ብዘይሰማማዕ መንገዲ ስለዝተቓነየ ጥራይ እምበር ካልእ ኣይኮነን።

ዓበይቲ ሰባት፡ ምሸት ኣብ ሓንጎልና ዝርከብ ሜላቶኒን ክውስኽ ከሎ ድቃስ ይመጸና፤ ንግሆ ምስ ተሓተ ድማ ንነቅሕ ወይ ንበራበር። ኣብ መንእሰያት ግን፡ ሜላቶኒን ካብ ዓበይቲ ዝያዳ ድሒሩ እዩ ዝውስኽን ዝትሕትን። እዚ ማለት ወለዲ ንምድቃስ ክዳለዉ ከለዉ መንእሰያት ንቝሓትን ንጡፋትን ይዀኑ፤ ንግሆ ወለዲ ንቑሓትን ንጡፋትን ኣብ ዝኾኑሉ እዋን ድማ ድኻምን ድቃስን ክስምዖም ይኽእል።

ኮልማን፡ "ዝዀነ ዓቢይ ሰብ ሰዓት ትሽዓተ ንግሆ ኣብ ሓንጎሉ ዝተረፈ ሜላቶኒን ኣይህሉን፡ ኣብ ኣስታት ፍርቂ መንእሰያት ግን ገና ዝተረፈ ሜላቶኒን ኣሎ" ይብል።

‘ስርዓተ ሽልማት’ ሓንጎል ምጥዋቕ

‘ስርዓተ ሽልማት’ ሓንጎል ክበሃል ከሎ እንስሳታት ወይ ሰባት ንኽለዓዓሉ ወይ ብቕዓቶም ኣብ ዝውስኽ ባህርያት ንኽዋፈሩ ዝድርኽ እዩ።

እዚ ዅሉ ርኽበታት፡ ንመንእሰያት ኣብ ብድሆታት ህይወት ክመርሑ ተስፋ ንዝገብሩ ወለድን መምህራንን ዕቱብ ተገዳስነት ክህልዎም ዝገብር እዩ።

ንኣብነት ተግሳጽ ንውስድ። ብናዕቢ መንእሰያት ተስፋ ምቝራጽ ባህርያዊ እዩ። ግን እቲ ልዑል ስምዒታውን ማሕበራውን ተኣፋፍነቶም ንሕርቃን ጽቡቕ ምላሽ ክህቡ ዘለዎም ተኽእሎ ክጸብብ ክገብር ይኽእል።

"ዋላ'ኳ ምጭዳር ኣዝዩ ፈታኒ እንተዀነ፡ ናይ ብሓቂ ግን ውጽኢታዊ ኣይኮነን" ትብል ኣፕተር። "ነቲ ስምዒታዊ መልእኽቲ ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ስለዝዀኑ፡ ነቲ ከተመሓላልፍዎ ትፍትንዎ ዘለኹም ዝዀነ ስነ-መጎት ክሰምዑ ኣይክእሉን።"

ዝያዳ ውጽኢታዊ ተግሳጽ፡ ነቲ መንእሰይ ንተግባራቱ ካሕሳ ክገብር ምሕታት ከምዝኾነ ኣፕተር ትመክር። ንኣብነት፡ ሓደ መንእሰይ ኣዝዩ ኣበርቲዑ ብምጽዋት መጽናዕቱ ሸለል ኢሉ እንተኾይኑ፡ ወለዱ ሰነፍ ካብ ዝብልዎ ወይ ዝቐጽዕዎ፡ ኣብ ትምህርቱ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እንተኾይኑ መሰል ማሕበራዊ ርክብን ጸወታን ክረክብ ከም ዝኽእል ከጕልሑ ይኽእሉ።

ናእዳን ኣወንታዊ ግብረ-መልስን እውን ብፍላይ ብቕልጡፍ እንተተዋሂቡ ረብሓኡ ልዑል እዩ። ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ፈተና ምስ ወድኡ ድሕሪ ሰሙናት እዮም ውጽኢቶም ዝፈልጡ። እዚ ድማ፡ ንጽቡቕ ውጽኢት ዝህልዎም ፍናንን ዕግበትን ከም ዝንክዮ ኮልማን ይኣምን። "ቀልጢፍካ ትረኽቦ ግብረ-መልሲ፡ ዝያዳ ጽልዋ ኣለዎ" ይብል።

ድሕሪኡ ሕቶ ድቃስ ኣሎ። ብዝበለጸ፡ ኣብያተ ትምህርቲ መደባተን ቀይረን ቅድሚ ፋዱስ (ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ) ድማ ፈተና ካብ ምሃብ ክቝጠባ ይግባእ። የግዳስ ንቝሓት ኣብ ዝዀንሉ ሰዓት (ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ) እንተተፈተኑ ዝሓሸ ይኸውን።

ለውጢ ምቕባል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ለውጢ ምቕባል

ኣብ ስምዒት መንእሰያት ቅኑዕ ተገዳስነት ምግላጽን ምኽንያት እቲ ዘጋጥሞም ብድሆታት ንኽርድኡ ምሕጋዝን ጥራይ ንባዕሉ ዓቢይ ረብሓ ኣለዎ።

ኣፕተር ምስ መንእሰያት ኣብ ዝተዛተየትሉ እዋን፡ ብዙሕ ኣወንታዊ ርክባት ኣጋጢምዋ እዩ። መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ብፍላይ ኣብ ሓንጎል ዝመጽእ ለውጢ ብተግባር ክቕረጽ ከምዝኽእል ዝገልጸ ሓሳብ ከም ዝቕበልዎ ትሕብር። እቲ ሓቂ፡ ከም ርእሰ-ምግታእን ምቍጽጻር ስምዒታቶምን ዝኣመሰሉ ክእለታት ብዝተለማመዱ መጠን፡ ዝሓሹ ሰባት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዘበራትዕ ሓቂ እዩ።

ብቕኑዕ ደገፍ፡ እቲ ኣእምሮኣዊ ፍንጀራ ከም ዘሰንብድ ዘይኮነስ ዝያዳ ከም ምፍንጃር ርችት ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል እዩ፤ ድራማዊ'ኳ እንተዀነ፡ ግን ከኣ ፈጠራ ዝተመልኦ፡ ዘደንቕን ጽቡቕን እዩ።