ህጻናት 'ስማርትፎን' ዝሕዝሉ ትኽክለኛ ዕድመ ክንደይ እዩ?

ስማርትፎን ምሓዝ ከም ዕድመኡ ዝፈላለ ጽልዋ ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, Edwin Remsberg/Getty Images

ንደቅኹም ስማርትፎን ትህብዎም’ዶ፣ ወይስ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ስማርትፎን ተርሕቕዎም? እዚ ኣዝዩ ዘመናዊ መዋጥር እዩ።

ስማርትፎን ኣብ ልዕሊ ውላድ ንኹሉ ክፍኣት ዓለም ዝፍንው መሳርሒ ከምዝኾነ ዝሓስቡ ወለዲ ኣለዉ። ጽልዋ ኣጠቓቕማ ቴሌፎንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ህጻናት ብዝምልከት ዝዝርግሑ ጽሑፋት ብምርኣይ ንደቆም ስማርትፎን ካብ ምሃብ ዝተዓቀቡ ሒደት ኣይኮኑን።

ብኣንጻሩ፡ መልእኽቲ ንምልኣኽ፡ ብኢንተርኔት ዕዳጋ ንምፍጻም፡ ብቪድዮ ንምርኻብን ኣኼባ ንምክያድን ንካልኦት ንጥፈታትን ስለዝጠቅም ስማርትፎን ንመዓልታዊ ህይወት ኣገዳሲ እዩ ዝብሉ ወለዲ ኣለዉ።

እሞ ስማርትፎን ዝሓዙ መማህርትን ፈተውትን ዘለዎም ህጻናት ደቆም ዘምልጦም ነገር ኣይህሉን’ዶ? ጽልዋኸ ኣለዎ’ዶ?

ስማርትፎን ምውናን ወይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምጥቃም ንድሕነት ህጻናት ዝጎድእ ጽልዋ ከምዘለዎ ዘርኢ መርትዖ እኳ እንተዘየለ፡ እዚ ግን ጉድኣት የብሉን ማለት ኣይኮነን።

ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጹ መርትዖታት፡ ህጻናት ዝያዳ ንሓደጋ ዝቃልዑሉ ፍሉይ ምዕራፋት ምዕባለ ክህልዉ ከምዝኽእሉ የመልክቱ።

ካብዚ ሓሊፉ ክኢላታት፡ ደቅኹም ስማርትፎን ንምውናን ድሉዋት እንተኾይኖም ንክትውስኑ ዝሕግዙ ቁልፊ ረቛሒታትን ድሕሪ ምውናኖም ድማ ክትገብርዎም ዝግብኡ ጥንቃቐታትን ከምዘለዉ ይገልጹ።

ንሓደ ህጻን ናይ ገዛእ ርእሱ ስማርትፎን ንምሃብ መዓስ እዩ ቅኑዕ ግዜ ዝብል እኹል መርትዖ የለን፡ እንተኾነ ግን እቲ ሓደጋታት ዝለዓለ ዝኾነሉ ቁልፊ ህሞታት ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Nicolas Asouri/AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንሓደ ህጻን ናይ ገዛእ ርእሱ ስማርትፎን ንምሃብ መዓስ እዩ ቅኑዕ ግዜ ዝብል እኹል መርትዖ የለን፡ እንተኾነ ግን እቲ ሓደጋታት ዝለዓለ ዝኾነሉ ቁልፊ ህሞታት ኣለዉ

ካንዲስ ኦጀርስ፡ ኣብ መንጎ ኣጠቓቕማ ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂን ጥዕና ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን ዘሎ ምትእስሳር ዝጥምቱ ሽዱሽተ ትንተና ዘካየደት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ኣሜሪካ ፕሮፌሰር ስነ-ኣእምሮኣዊ ሳይንስ እያ።

ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ዓበይቲ መጽናዕትታትን ከምኡ’ውን መጽናዕትታት መዝገበ-ዕለት ምርምር ዘካየደት ኦጀርስ፡ "መብዛሕትኦም መጽናዕትታት፡ ኣብ መንጎ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ጥዕና ኣእምሮን ዝኾነ ምትእስሳር ኣይረኸቡን" ትብል።

ኣብቶም ምትእስሳር ዝረኸበትሎም መጽናዕትታት’ውን፡ ዓቐናት እቶም ኣወንታዊን ኣሉታውን ጽልዋታት ትሑት ከምዝኾነ ትገልጽ።

"እቲ ዝዓበየ ርኽበት፡ ኣብ መንጎ እቲ ሰባት ዝኣምኑሉን እቲ መርትዖ ብሓቂ ዘርእዮን ዘሎ ምፍልላዩ’ዩ።"

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ተመራማሪት ስነ-ኣእምሮኣዊት ኤሚ ኦርበን፡ ዝገበረቶ ገምጋም እውን፡ እቲ መርትዖ ዘየዕግብ ከምዘይኮነ እዩ ዝሕብር።

ተመኩሮ ውልቀ መንእሰያት ድማ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ኩነታት ዝምርኮስ እዩ።

ኤሚ፡ "ብሓቂ ነዚ ክፈርድ ዝኽእል እንኮ ሰብ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቶም መንእሰያት ዝያዳ ዝቀራረብ ሰብ እዩ" ትብል።

ብግብራዊ ኣዘራርባ፡ እዚ ማለት፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወይ ዝተወሰኑ መተግበሪታት ብምጥቃሞም ዝጉድኡ ህጻናት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ወለዲ ድማ ነዚ ክቕበሉን ኣድላዪ ደገፍ ክህቡን ኣገዳሲ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ቴሌፎን፡ ንገለ መንእሰያት ህይወት ዘቕልል ኣገዳሲ መሳርሒ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ከም ጉድኣት ኣካል ዘለዎም ሰባት ሓድሽ መልክዕ ተበጻሕነት ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምርካብ፡ ወይ ድማ ብዛዕባ ጥዕና ንዝቐርቡ ተኣፋፊ ሕቶታት መልሲ ንምድላይ ክሕግዞም ይኽእል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መብዛሕትኡ ግዜ ህጻናት ቴሌፎን ዝጥቀሙ ምስ ኣዕሩኽቶምን ቤተሰቦምን ንምዝርራብ እዩ።

ርግጽ ምስ መዛኑኻ ዳርጋ ቀጻሊ ርክብ ምግባር ሓደጋ ዘይብሉ ኣይኮነን።

"ቴሌፎን ነቲ ወትሩ ብወገን መንእሰያት ዝነበረ ዘይተማልአ ድሌት ፍሉይ ፍታሕ ከምዝኾነ ይሓስብ" ትብል ኣብ ለንደን ስኩል ኦቭ ኢክኖሚክስ ፕሮፌሰር ማሕበራዊ ስነ-ልቦና ከምኡ’ውን ሓባራዊ ደራሲ መጽሓፍ፡ ‘ፓረንቲንግ ፎር ኤ ዲጂታል ፊዩቸር’፡ ሶንያ ሊቪንግስቶን።

"ንብዙሓት ግን ዘፍርሕ… ንምእማኑ ዘጸግም ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቶም መናእሰይ ኣባል ክኾኑሉ ዝደልዩ ወይ ከይኾኑ ዝተገለልሉ፡ ናይ ህቡባት ሰባት ቦታ ከምዘሎ ክስምዖምን ጸቕጢ ክገብረሎም ይኽእል'ዩ።"

ኦርበንን መሳርሕታን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ዘሕተምዎ ጽሑፍ፡ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሒሩ ምስ ዝመጽእ ትሑት ዕግበት ህይወት ከም ዝተኣሳሰር ይሕብር።

ዕድሚኦም ካብ 10 ክሳብ 21 ዓመት ካብ ዝኾኑ ልዕሊ 17 ሽሕ ተሳተፍቲ ዝተረኽበ መረዳእታ ብምትንታን ዝረኸብዎ ውጽኢት፡ ካብ 11 ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድን ካብ 14 ክሳብ 15 ዝዕድሚኦም ኣወዳትን ልዑል ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንተሃልይዎም፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ትሑት ዕግበት ህይወት ክህልዎም ክገብር ከምዝኽእል የረድእ።

ብኣንጻሩ ኣብዚ ዕድመ እዚ ዘሎ ትሑት ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ቀጻሊ ዓመት ዝለዓለ ዕግበት ክህልዎም ክገብር ከምዘኽእል የተንቢ።

እዚ ምስቲ ኣዋልድ ካብ ኣወዳት ኣቐዲመን ናብ ጉብዝና ክበጽሓ ከምዝኽእላ ዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዝሰማማዕ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።

ወለዲ ውሳነ ኣብ ዝውስንሉ እዋን ነዞም ኩነታት ኣብ ግምት ከእትዉ ኣለዎም።

ምዕባለኣዊ ለውጢ፡ ንህጻናት ንኣሉታዊ ጎኒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝያዳ ተኣፋፊ ክገብሮም ከም ዝኽእል ምፍላጥ ይግባእ።

ንኣብነት ኣብ ዕድመ ንእስነት፡ ሓንጎል ብሰፊሑ ስለዝቕየር ንግብሪን ስምዒትን መንእሰያት ክጸልዎ ይኽእል። እዚ ድማ ንማሕበራዊ ዝምድናታትን ኹነታትን ዝያዳ ተኣፋፊ ምዃን የጠቓልል።

ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሞባይል ቴሌፎን ህጻናት ኣብ ገዝኦም ብኢንተርነት ክማሃሩ ዝሓጊዙ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Idrees Abbas/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሞባይል ቴሌፎን ህጻናት ኣብ ገዝኦም ብኢንተርነት ክማሃሩ ዝሓጊዙ እዩ
ብሓጺሩ

"መንእሰይ ምዃን ዓብዪ እዋን ምዕባለ'ዩ" ትብል ኦርበን።

"ብመዛኑኻ ዝያዳ ትጽሎ፡ ካልኦት ሰባት ብዛዕባኻ እንታይ ከም ዝሓስቡ ኣዝዩ የገድሰካ። ከምኡ'ውን ንድፊ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ እቲ ማሕበራዊ ርክብን ግብረ-መልስን ዝዋሃበሉ ኣገባብ፡ ይብዛሕ ይንኣስ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ዝያዳ ጸቕጢ ክፈጥርልካ ይኽእል’ዩ።”

ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ዘለዎ ድርኪ ዝጸልዉ ካልኦት ረቛሒታት’ውን ኣለዉ። ተመራመርቲ ግን ነዞም ውልቃዊ ፍልልያት ክድህስሱ ገና ኣብ ምጅማር ይርከቡ።

ኦርበን፡ “ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝያዳ ኣሉታዊ ወይ ኣወንታዊ ጽልዋ ዝሓደሮም ሰባት ክህልዉ እዮም። ምኽንያቱ ድማ ዝተፈላለየ ህይወት ስለዝነብሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝተፈላለየ ምዕባለ ስለዘሕልፉን፡ ዝተፈላለየ ኣጠቃቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስለ ዝህልዎምን ክኸውን ይኽእል።”

መጽናዕቲ፡ ወለዲ ንደቆም ስማርትፎን ይግዝኡዶስ ኣይግዝኡ፡ ኣብ ዝብል ሓበሬታ ክህብ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ "መዓስ?" ንዝብል ግን ምላሽ ኣይህብን።

ወለዲ፡ "ንውላድን ንስድራቤትን ብኸመይ ይሰማማዕ?" ዝብል ቀንዲ ክሓትዎ ዝግባእ ሕቶ ከምዝኾነ ኦጀርስ ትገልጽ።

‘እቶም ህጻናት ቴሌፎን ክህልዎም ዝደልዩ እቶም ወለዲ እዮም’

"ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ እቶም ህጻናት ቴሌፎን ክህልዎም ዝደልዩ እቶም ወለዲ እዮም፤ ምእንቲ ምሉእ መዓልቲ ርክብ ክገብሩን፡ ምእንቲ ምብጻሕን ምምላስን ደቆም ከወሃህዱን" ትብል ኣብ ክፍሊ ርክብ ዩኒቨርሲቲ ቪየና ተመራማሪት ዝኾነት ኣንጃ ስቴቪች።

ንህጻናት ናይ ናጽነትን ሓላፍነትን ስምዒት ዝህብ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተኾነ ወለዲ ግን ክሓትዎ ዝግባእ ሕቶ ኣሎ።

"ደቆም ናይ ገዛእ ርእሶም መሳርሒ ክህልዎም ኣብ ዘኽእል ደረጃ ሓላፍነት ድዮም ዘለዉ?"

ካልእ ድማ ሓደ ወላዲ፡ ውላዱ ስማርትፎን ክውንን እንከሎ ክሳብ ክንደይ ምቹእነት ከም ዝስምዖ ምፍላጥ ዕሽሽ ክብሎ ዘይግባእ ረቛሒ እዩ።

ስቴቪችን መሳርሕታን ኣብ ዝገበርዎ ሓደ መጽናዕቲ፡ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ኣጠቓቕማ ስማርትፎን ደቆም ቁጽጽር ከምዘይብሎም ክስመዖም እንከሎ ዝያዳ ግርጭታት ከምዝተፈጥሩ ይሕብር።

ሊቪንግስቶን፡ እንታይ ዓይነት መተግበሪ ክጥቀሙ ከምዝኽእሉን ረቛሒታትን ብዝምልከት እውን ክዛተዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ትላበው።

ወለዲ ምስ ቆልዑ ብትሕዝቶ ሕጉሳት ምዃኖም ንምርግጋጽ ኣብ ጸወታታት ብሓባር ግዜ ከሕልፉ ይኽእሉ፣ ወይ ድማ ኣብቲ ቴሌፎን ዘሎ ትሕዝቶ ብሓባር ንምዝታይ ግዜ ክምድቡ ይኽእሉ።

"ገለ መጠን ክትትል የድሊ’ዩ። ኣብ ኢንተርኔትን ካብ ኢንተርኔት ወጻኢን ዝረኣይዎን ዘጋጥሞምን ነገር ንምድጋፍ ግን ምርድዳእን ግልጽነትን ዘለዎ ርክብ ክኽእሉ ኣለዎ" ትብል ኦጀርስ።

ለይቲ ለይቲ ቴሌፎን ኣብ መደቀሲ ውላድ ከይኸውን ዝብሉ ገለ ሕግታት ኣጠቓቕማ ስማርትፎን ኣብ ዘቐምጡሉ እዋን፡ ወለዲ ንናይ ገዛእ ርእሶም ኣጠቓቕማ ስማርትፎን እውን ብቕንዕና ክፍትሹ ኣለዎም።

‘ህጻናት ምስሉይነት ኣይፈትዉን’

"ህጻናት ምስሉይነት ኣይፈትዉን" ትብል ሊቪንግስቶን።

"ከም ኣብ ግዜ መግቢ ቴለፎን ምጥቃም ወይ ቴለፎን ሒዝካ ምድቃስ ዝኣመሰለ ወለዶም ባዕሎም ዝገብርዎ ነገር ስለ ዝገበሩ ከምዝተቐጽዑ ክስምዖም ኣይግባእን።"

ኣዝዮም ንኣሽቱ ህጻናት ከይተረፉ ኣጠቓቕማ ቴለፎን ካብ ወለዲ ከምዝማሃሩ ሓደ ኣውሮጳዊ ጸብጻብ ይገልጽ። ክሳብ ሸሞንተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ብዛዕባ ሓደጋታት ንቕሓት ከምዘይብሎም፡ እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ንኣጠቓቕማ ወለዶም ከምዘንጸባርቑን ወለዶም ዝጥቀምሉ ‘ፓስዎርድ’ ከይተረፈ ዝፈልጡ ህጻናት ከምዘለዉን እቲ ጸብጻብ የረጋግጽ።

ወለዲ ግን ኣብ ዕማማት ንኣሽቱ ህጻናት ብምስታፍ፡ ከምኡ’ውን ባዕሎም ጽቡቕ ልምዲ ብምርኣይ ነዚ ንረብሓኦም ከውዕልዎ ይኽእሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንህጻናት መዓስ ስማርትፎን ክግዝኣሎም ከም ዘለዎ ዝውስኑ ወለዲ እዮም። ንገሊኦም፡ እቲ ቅኑዕ ውሳነ፡ ዘይምግዛእ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ቁሩብ ፈጠራ ሓዊሶም ድማ ስማርትፎን ዘይብሎም ህጻናት ዘምልጦም ነገር ከይህሉ ምግባር ይኽእሉ።

"ብመጠኑ ርእሰ ተኣማንነትን ማሕበራዊ ርክብ ዘለዎምን ህጻናት፡ ኣካል ናይቲ ጉጅለ ንምዃን መፍትሒ ይረኽቡ እዮም" ትብል ሊቪንግስቶን።

ብሓቂ፡ ቴሌፎን ብዘይምውናኖም ዝስምዖም ድሑር ናይ ምዃን ፍርሒ ምጽዋር ምምሃር፡ ንዓበይቲ መንእሰያት ጠቓሚ ትምህርቲ እዩ።

"እቲ ጸገም ግን እቲ ድሑር ናይ ምዃን ፍርሒ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ምዃኑ'ዩ። ስለዚ ኩሉሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ወሰን ከመዓራርይ ኣለዎ" ትብል ሊቪንግስቶን።

"እንተዘይኮይኑ ኣብ ሰሙን ን7 መዓልቲ፡ ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓታት ምሽክርካር ጥራይ እዩ ዝኸውን’ሎ።"