ክትልሀ ዝተራእየት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ትንቀፍ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሳና ማሪን ኣብ ትልሂት

ምንጪ ስእሊ, Twitter

ኣብ ሓደ ልሒዅ ዝወጽአ ቪድዮ ክትልሀ ዝተራእየት ቀዳማይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማሪን ሓያል ነቐፌታ ገጢሙዋ።

ኣብቲ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተረኽበ ቪድዮ፡ እታ መራሒት መንግስቲ ምስ ህቡባት ፊንላንዳውያን ዝርከብዎም መሓዙታ ክትስዕስዕን ክትደርፍን ትረአ።

ብሓርነት ክትቆጻጸ ምርኣዮም ባህ ዘይበሎም ተቓወምቲ ሰልፍታት ዕጸ-ፋርስ ወሲዳ ነይራ ከይትኸውን መርመራ ክትገብር ኣለዋ ክብሉ ይነቕፉ ኣለዉ።

ጓል 36 ዓመት ዝኾነት መንእሰይ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ግን፡ ዝወሰደቶ ዕጸ-ፋርስ ከም ዘየለ ብምግላጽ፡ ኣልኮላዊ መስተ ሰትያ " ኣብ ውዕዉዕ ትልሂት" ከም ዝነበረት ተዛሪባ።

'ዝሓረፈት' ቀዳመይቲ ሚኒስተር

ጓል 34 ዓመት እንከላ ስልጣን ዝተረከበት ማሪን ፡ ኣብ ዓለም እታ ብዕድመ ዝነኣሰት መራሒት ሃገር'ያ ነይራ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ፕረዚደንት ቺለ ጋብሪኤል ቦሪክ እቲ ዝነኣሰ መራሒ ምዃኑ ይግለጽ።

እታ ናብ ትልሂታት ከም እትኸይድ እትእመን ሳና ማሪን፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ፈስቲቫላት ሙዚቃ ክትሳተፍ ትርአ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ተራኺባ እንከላ፡ ናብ ለይታዊ ትልሂት ብምኻዳ ይቕሬታ ክትሓትት ተገዲዳ ነይራ።

ብሓሙስ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ቪድዮ ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ፡ ትቕዳሕ ምንባራ'ኳ ትፈልጥ እንተነበረት ናብ ህዝቢ ምልሓዂ ከም ዘሕረቓ ተዛሪባ።

"ሳዕሲዐ፡ ደሪፈን ተዘናጊዐን- ፍጹም ሕጋዊ ነገር'ዩ። ኣብ ዕጸ-ፋርስ ዝራኣኹሉ ይኹን ሰባት ዝተጠቕምሉ ኩነታት ተረኺበ ግን ኣይፈልጥን" ብምባል ነቲ ዝቐረበላ ክስታት ነጺጋ።

ይኹን'ምበር፡ መራሒት ተቓዋሚ ሰልፊ ሪካ ፑራ፡ ኣብ ልዕሊኣ "ጥርጣረ ኣንጸላልዩ" ስለ ዘሎ ማሪን ብፍቓዳ ናይ ዕጸ-ፋርስ (ዘደንዝዝ ዕጽ) መርመራ ክትገብር ጸዊዓ'ላ።

ካልኦት ተቓወምቲ ሰልፍታት'ውን፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተርን ማዕከናት ዜና እታ ሃገርን፡ ብዛዕባ ካልኦት ኣገደስቲ ጸገማት ኣብ ክንዲ ዝዛረቡ ኣብ ትልሂትን ምዝንጋዕን ምትኳሮም ነቒፎም።

ሳና ማሪን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "ስድራቤታዊ ህይወት ኣለኒ፡ ናይ ስራሕ ሂወት ኣለኒ፡ ምስ መሓዙተይ ዘሕልፈሉ ናይ ምዝንጋዕ ግዜ'ውን ኣለኒ። ከም ኩሉ ኣብ ክሊ ዕድመይ ዝርከብ ሰብ'ዩ" ክትብል ርእሳ ተኸላኺላ።

ውልቃዊ ጠባያታ ክትቅይር ኣገዳሲ ከም ዘይኮነ እትምጉት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ "ከምታ ዝጸናሕክዋ ኰይነ ክቕጽል'የ፤ ተስፋ እገብር እዚ ተቐባልነት ክረክብ" ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ብልድ ዝተባህለ ፍሉጥ ጀርመናዊ ጋዜጣ "ኣብ ዓለም እታ ዝሓረፈት ቀዳመይቲ ሚኒስተር" ክብል ገሊጹዋ ነይሩ።

ማዕከናት ዜና ፊንላንድ፡ ነቲ ህዝባዊ ኣገዳስነት ዘለዎ'ዩ ዝበልዎ ዝላሓዄ ቪድዮ መሰረት ብምግባር ነቲ ጉዳይ ሰፊሕ ሸፈነ ሂቦሞ ኣለዉ።

ሳና ማሪን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሳና ማሪን ኣብ ታሕሳስ 2019 ናብቲ ዘላቶ ስልጣን ዝደየበት ኰይና፡ ሓያል ደገፍ ናይቲ ንሳ ትመርሖ ሰልፊ ዘለዋ'ያ።

"እቲ ዝተራእየ ግብረ መልሲ፡ ከምቲ ንኹሉ ነገራት ማሪን ዝወሃብ ንቡር ኣቓልቦ'ዩ- ዝተመቓቐለ" ክብል ፊንላንዳዊ ጋዜጠኛ ፖለቲካን ተንታኒን ሮበርት ሳንድማን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ዕድሚኣ ዘላ ጓል ክትዘናጋዕ ልሙድ'ዩ ዝብሉ ሰባት ክህልዉ እንከለዉ፡ ዝሰንበዱ'ውን ኣለዉ።

"ክሳብ ሕጂ ዝተረጋገጸ ሓደ ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ቅድሚ ሕጂ ዝወጽአ ስእልታት፡ ክሳብ ክንድ'ዚ ናታ ይኹን ናይ ሰልፋ ህቡብነት ዝጸለወ ኣይነበረን"።

ሳንድማን ከም ዝብሎ፡ ብዛዕባ ምስ ህቡባት ፊንላዳውያን ዘለዋ ርክብ ብዙሕ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኮይኑ፡ ካብቶም ቅድሚኣ ዝነበሩ ቀዳሞት ሚኒስተራት ፍልይ ዝበለ'ዩ።