ቀዳማይቲ ሚኒስተር ኒውዚላንድ ብሰንኪ ኮቪድ ስነ-ስርዓት መርዓኣ ሰሪዛ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኒውዚላንድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይቲ ሚኒስተር ኒውዚላንድ ጃሲንዳ አርደርን ኮቪድ ዝምልከቱ ሓደሽቲ ገደባት ዝሓዘ መምርሒ ዕላዊ ምግባራ ስዒቡ፡ ናይ ባዕላ ስነ-ስርዓት መርዓ’ውን ሰሪዛ።

ኣብታ ሃገር ኦሚክሮን ኮሮናቫይረስ ምስተርኣየ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ግብራዊ ዝኸውን ነቲ ለበዳ ናይ ምቑጽጻር ገደባት ተነቢሩ እዩ።

ካብቶም እገዳታት ሓደ፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ስነ-ስርዓት ድግሳት ካብ 100 ዘይበልጹን ክቱባትን ሰባት ጥራይ ከምዝሳተፉ ይእዝዝ።

ከምኡ’ውን ኣብ ዕዳጋን ህዝባዊ ትራንስፖርትን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ እገዳታት ዘካተተ እዩ።

በዞም እገዳታት ምኽንያት ቀዳማይቲ ሚኒሰተር ኣርደርን ምስ ኣሰናዳኢ ሓደ መደብ ቴሌቭዥን ጋዜጠኛ ክላርክ ጌይፎርድ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፡ ክተካይዶ ተሊሚቶ ዝነበረት መደብ ስነ -ስርዓት መርዓ ከምዝተሰረዘ ኣረጋጊጻ።

"በቲ ለበዳ ግዳይ ካብ ዝኾኑ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኒውዚላንድ ኣነ ብዝኾነ መገዲ ብምንታይ ይበልጽ” ኢላ።

ኒውዚላንድ እቲ ለበዳ ካብ ዝጅመር ሞት ንምንካይ ጥቡቕ እገዳታት ክትገብር እያ ጸኒሓ።

በቲ ለበዳ ምኽንያት ዶባት ዓጽያ ምንቅስቓሳት ካብ ዝገደቡ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ እያ።

እንተኾነ ዴልታ ዝተብሃለ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣርደርን ኮሮና ሙሉእ ንሙሉእ ምጥፋእ ዝብል ስትራተጂ፡ ናይቲ ለበዳ መጠን ብዓቢ ብርኪ ምንካይ ናብ ዝብል ኣውሪዳቶ።

ኣብታ ሃገር ዕድሚኦም ልዕሊ 12 ካብ ዝኾኑ ዜጋታት 94 ሚኢታዊ ዝተኸትቡ ኮይኖም፡ 56 ሚኢታዊ ድማ፡ ተወሳኺ መበርትዒ ክታበት ወሲዶም ኣለዉ።

እታ ሃገር ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ናይ ኣውሮፓ ዓመት ዶባት ናይ ምክፋትን ኣጋይሽ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ምፍቃድ ከምእትጅምር ኣፍሊጣ ነይራ።

ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝኽሰት ጀሚሩ፡ ዛጊድ ኣብ ኒውዝላንድ በቲ ቫይረሱ ዝተለኽፉ በዝሒ ሰባት፡ 15 ሽሕ ዝተመዝገበ ኾይኑ፡ 52 ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።