ኣብዚ ቅንያት ዝተርኣየ ሕማም ሰዓል ኮቪድ ክኸውን ስለዝኽእል መርመራ ምግባር ከምዝምከር ተገሊጹ

መርመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ማዕበል ኮቪድ ተኸሲቱ ኣብዝርከበሉ እዋን፡ ኣብዚ ቅንያት ዝተርኣየ ሰዓል ዝመስል ሕማም ዘርእዮ ምልክታት ምስ ኮቪድ ተመሳሳሊ ብምዃኑ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት መርመራ ክገብሩ ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ መኺሩ።

ምስ’ዚ ተተሓሒዙ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ኢትዮጵያ ብኮቪድ-19 ናይ ዝልከፉ ሰባት ቁጽሪ ልዑል ወሰኽ ከምዘርኣየ እቲ ትካል ገሊጹ።

ነቲ ኣብዚ ቅንያት ዝተርኣየ ‘ሰዓል ዝመስል’ ተላባዒ ሕማም ኣመልኪቱ መግለጺ ዘውጽአ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስን ናይ ቅምሶ መርመራን ካብ 59 ክሳዕ 86 ሚእታዊ ኣብ ዝኾኑ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸበ ጠቒሱ።

ኣስዒቡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ማእከላት ጥዕና መረመራ ኮሮናቫይረስ ካብዝገበሩ 55562 ሰባት እቶም 25191 ተለኺፎም ከምዝጸንሑ ምርግጋጹ ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ብኮቪድ ተለኺፎም ዝርከቡ ሰባት መጠን ብተኸታታሊ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ። እዚ ምስ’ቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝነበረ ኣሃዝ ክነጻጸር ከሎ ብ5% ብምውሳኽ ናብ 36% ክብ ኢሉ ምህላው እቲ ትካል ገሊጹ።

በዚ መሰረት ኣብታ ሃገር ሓድሽ ማዕበል ኮቪድ ተኸሲቱ ምህላው ዘመላኽት ምዃኑ ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ምልክታት ናይቲ ኣብዚ ቅንያት ብብዝሒ ዝርአ ዘሎ ‘ሰዓል ዝመስል’ ሕማም ምስ ኮቪድ ተመሳሳሊ ብምዃኑ ህዝቢ ሸለል ከይበለ ኣድላዪ ጥንቃቐታት ክገብርን ክምርመርን እቲ ትካል መኺሩ።

ብሓፈሻ ህዝቢ መልከፍቲ ኮቪድ ንምክልኻል ክትግበሩ ዘለዎም መምርሒታት ብግቡእ ከኽብርን ንርእሱ ክሕሉ ከምዝግባእ’ውን ኣዘኻኺሩ።

ዛጊት ኣብ ኢትዮጵያ ብጠቕላላ ልዕሊ 4 ሚልዮን መርመራታት ክካየድ እንከሎ ልዕሊ 415000 ሰባት እቲ ቫይረስ ከምእተረኽቦምን 6926 ህይወቶም ከምዝሓለፈን ጸብጻባት ይገልጹ።

ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ዝተዘርግሐ ክታበታት ኣብታ ሃገር ምዕዳል ካብዝጀመረሉ ክሳዕ ሕጂ 10 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ክኽተቡ እንከለው፤ እዚ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምውድዳር ኣዝዩ ትሑት ምኳኑ ይግለጽ።

ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ንቡር ኣገባባት ምክልኻል ምዝውታር ኣድላዪ ምዃኑ ሰብ ሞያ ክገልጹ እንከለው ክታበት ምውሳድ’ውን ከምዘድሊ ይሕብሩ።