ኮቪድ፡ ዓሌታት ኦሚክሮንን ደልታን ማዕበላዊ ወሰኽ መልከፍቲ ኣስዒቦም - ወድብ ጥዕና ዓለም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ዓሌታት ደልታን ኦሚክሮንን ኮሮናቫይረስ፡ ማዕበላዊ በዝሒ መልከፍቲ የስዕቡ ከምዘለዉ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ፡፡
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣመሪካ እትርከበን ዝተፈላለያ ሃገራት ዝለዓለ ቁጽሪ ሓድሽ መልከፍቲ ምምዝጋበን ስዒቡ እዩ ነዚ ተዛሪቡ ዘሎ፡፡
ፈረንሳ ብተኸታታሊ ንካልኣይ መዓልቲ፡ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝለዓለ መዓልታዊ መልከፍቲ 208 ሽሕ ሰባት መዝጊባ ኣላ፡፡
ኣመሪካ እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝለዓለ ማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ መልከፍቲ 265,427 ምምዝጋባ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣመልኪቱ፡፡
ሃገራት ዴንማርክ፣ ፖርቱጋል፣ ብሪጣንያን ኣውስራልያን ዛጊድ ዝለዓለ መልከፍቲ ኣመዝጊበን ኣለዋ፡፡
ኣብ ፖላንድ ትማሊ ረቡዕ 794 ሰባት ምስ ኮቪድ ብዝተሓሓዝ ዝሞቱ ኮይኖም፡ ካብቶም ዝሞቱ እቶም ልዕሊ 75 ምኢታዊት ዘይተኸተቡ እዮም፡፡
መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ እቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተጋፊሑ ዘሎ ዓሌት ኦሚክሮን ካብ ዓሌት ደልታ ቅልል ዝበለ እዩ፤ ግን ድማ ብቐሊሉ ይላባዕ፡፡ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዝረኣይ ዘሎ ማዕላዊ መልከፍቲ ከምዝኾነ እውን ይእመን፡፡
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ግና እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ማዕበላዊ መልከፍቲ ብክልቲኦም ዓሌታት ከምዝኾነን ኣብቶም ደኺሞም ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ስርዓት ጥዕናን ከቢድ ሃስያ ከምዘውርድ ኣጠንቂቑ፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም መዓልታዊ ኣስታት 900,000 መልክፍቲ ይምዝገብ ከምዘሎ ወኪል ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ፡፡
ሃፍታም ሃገራት ሳልሳይ ዙር መበራትዒ ክታበት ንምሃብ ዝጓየያ ዘለዋ ኮይነን፡ ዩኬ ዛጊድ ን 57 ምኢታዊት ህዝባ ሳልሳይ ዙር መጠናኸሪ ኣባጺሓ ኣላ፡፡
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ግና ዕድመ እቲ ለበዳ ክናዋሕ ዝገብር እዩ ክብል ወቒሱ፡፡
ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ነቲ ኣብ 2022 ኣኣ 70 ምኢታዊት ህዝቢ ዓለም ንምኽታብ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ኩሉ ሰብ ክድግፍ ከምዘለዎ ዝተማሕጸነ እቲ ዳይረክተር፡ ዛጊድ ነቲ ሕድሕድ ሃገር 40 ምኢታዊት ህዝባ ክተከትብ ዝተትሐዘ ትልሚ ኣስታት 100 ሃገራት ከምዘየዐወታ ገሊጹ፡፡
ቅድሚ 26 ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ሰሙን፡ ሓደሽቲ መልከፍቲ ኮቪድ ኣብ ኣውሮጳ ብ 57 ምኢታዊት፡ ኣብ ኣመሪካ ድማ ብ 30 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት፡፡
ትማሊ ረቡዕ ካብ ዝተመዝገበ ዝለዓለ መልከፍቲ ሃገራት፡ ኣብ ፈረንሳ 208,000፣ ብሪጣንያ 183,037፣ ጥልያን 78,313፣ ፖርቱጋል 26,867፣ ኣውስትራልያ 18,241 ይርከቡዎም፡፡
እንተኾነ እቲ ወሰኽ ብምኽንያት በዓል ልደት ኣውሮጳውያን ከይተጸብጸበ ዝቐነየ መልከፍቲ ስለዝሓውስ ከይከውን ሰብ መዚ የጠንቅቑ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







