ኮቪድ፡ ለንደን ብሰንኪ ለበዳ ኦሚክሮን ናብ ሻቕሎት ኣትያ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ከንቲባ ከተማ ለንደን፡ ብምኽንያት ቅልጡፍ ዝርገሐን ለበዳን ኦሚክሮን ኣብታ ከተማ፡ "ዓቢ ተርእዮ" ወይ ናይ ሻቕሎት ደወል ኣዊጁ ኣሎ ።
ከንቲባ እታ ከተማ ሳዲቕ ካን፡ ኦሚክሮን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ለንደን ኣዝዩ ይዝርጋሕ ብምህላው ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረዲኤት እታ ከተማ ዓቢ ጸቕጢ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ ።
ኣብዚ እዋን እዚ ሎንደን እታ ዝበዝሐ ዝርገሐ ኮቪድ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ከተማ ዓዲ-እንግሊዝ ምዃናን ኣብ ሆስፒታላት እታ ከተማ ኣስታት 1,534 ሕሙማት ኮቪድ ከምዘለውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ 28.6% ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ።
ሚስተር ክሃን፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት፡ ለንደን፡ ልዕሊ 26,000 ሓደሽቲ መልከፍቲ ከምዝተመዝገቡን፡ ሓያሎ ካብኦም ኣብ ሆስፒታል ይዕቆቡ ብምህላዎም ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሕክምና ዓቢ ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎን ሓቢሩ።
ስለዝኾነ፡ "ሎሚ ኣብ ሓደገኛ ዘሻቕል ኩነታት በጺሕና ከምዘለና ክንእውጅን ምስ መሻርኽትና ክንመያየጥን ወሲነ ኣለኹ " ኢሉ።
እቲ ከንቲባ ኣብ ሰነ 2017 ኣብ ግረንፈል ታወር ብዘጋጠመ ብዙሕ ሰብ ዝቐዘፈ ሃንደበታዊ ባርዕን ኣብ ዌስትሃም ብሪጅ፡ ኣብ ለንደን ዘጋጠመ ናይ ሽበራ መጥቃዕትን፡ ኩሎም ናይ ህጹጽ ረድኤት ኣገልግሎታት ሕክምናን ከባብያዊ ምምሕዳርን ፍሉይ ምድላዋት ክገብሩ ዝጽውዕ ናይ ሻቕሎት ደወል ኣዊጁ ነይሩ።
እቲ ኮቪድ እንተዓሪጉ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤትን ሆስፒታላት ንብምሉኡ እቲ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ሕማም ብዘተኣማምን መገዲ ምላሽን ውሕስነትን ክህቦም ከምዘይክእል ኣጠንቂቑ።
ሚስተር ክሃን " "እቲ ኣዝዩ ሕማቕ ዜና፡ እቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘለዉ መብዛሕትኦም ዘይተኸትቡ እዮም፣ ስለዚ ከኣ እዩ ክታበትን እቲ ሳልሳይ ደረጃ ቡስተርን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን" ክብል ገሊጹ።
"ለንደናውያን ኣብ ዝቕጽል ሒደት መዓልትታት ኣብ መላእ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ማእከላት ጥዕና፡ ክታበትን ቡስተርን ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ፈጺምና ክንርእዮ ዘይንደሊ ነገር፡ እቶም ቀንዲ ሰራሕተኛታትና በዚ ቫይረስ እዚ ተለኺፎም ካብ ስራሕ ምስዝበኹሩ እዩ" ኢሉ።
መግለጺ ሚስተር ክሃን፡ ስታድዩም ወምብሊ፡ ስታምፎርድ ብሪጅን ፈቐድኡ ማእከላት ክታበት ኣብ ዝተዳለወሉን እዋን እዩ ተዋሂቡ።
ኦክስፎርድ ስትሪት ክታበት ዝህባ ኣውቶቡሳት እውን ክህሉዋ ስለዝኾና ኩሉ ክኽተብ ዝኽእል ዘበለ ብዝቐልጠፈ ክኽተብ ከምዝኽእል ሓቢሩ።
ሚስተር ካሃን "ሕጂ እውን እንተዀነ ኣብ ገለ ክፋላት ለንደን ክታበት ዘይወሰዱ፡ አስላም፣ ኣይሁዳውያን፡ ከምኡ እውን ምብራቕ ኤውሮጳውያን ለንደናውያን ከምዘለው ሓቢሩ።
"ስለዚ ነዞም ማሕበረሰባት ክታበት ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ብምግላጽ ብዙሓት ደቂ ለንደን ነቲ ቀዳማይ ዶዝ ከም ዝረኽቡ ንገብር ኣለና" ኢሉ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ኣሃዛት መንግስቲ ከምዘመልክቶ ዛጊት ኣስታት 2.7 ሚልዮን ኣብ ለንደን ዝነብሩ ሰባት ተኸቲቦም ኣለው።
ኣቦ ወንበር ባይቶ ለንደን ጆርጅያ ጉልድ "ኦሚክሮን ኣብ መላእ ከተማና ብቕልጡፍ ይላባዕ ብምህላዉ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ" ኢሉ።
"ኣብያተ-ምኽሪ ለንደን፡ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ንሕብረተሰብ ንምድጋፍ ጻዕርታቶም ከም ዝቕጽሉ እኣምን እየ፡ ንበይንና ግን ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና " ኢሉ።
ውሳነ ከንቲባ ለንደን ካቢነ ሚኒስትራት ኣብ እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ ንክዛተ ከምዝድርኽ ተሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኦሚክሮን ንደልታ ተኪኡ ኣብ እንግሊዝን ስኮትላንድን ዓብላሊ ዓይነት ኮቪድ ምዃኑ ይእመነሉ ።
ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንሳልሳይ ተኸታታሊ መዓልቲ ቁጽሪ መልከፍቲ ኦሚክሮን ክቕጽል ብምቕናዩ ኣብታ ዕለት ልዕሊ 93,000 ሰባት ተለኺፎም።
ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ኣብ ሓደ መዓልቲ 861,306 ሰባት ሳልሳይ መከላኸሊ ክታበት ቡስተር ከምዝወሰዱ ተመዝጊቡ ኣሎ ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







