ኮሮናቫይረስ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝተነበረ እገዳ ብቅልጡፍ ክልዓል ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ኣሚክሮን ዝተሰመየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ሃገሩን ጎረባብቱን ዝተነበረ እገዳ ኮኒንዎ።
ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ በቲ ብገለ ሃገራት ዝተነበረ ናይ በረራ እገዳ 'ኣዝዩ ከምዝሓዘነ' ብምግላጽ፡ ነቲ ውሳነ 'ዘይፍትሓዊ'ዩ' ብምባል ብቕልጡፍ ክልዓል ጸዊዑ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ገለ ካብተን ካብ ሃገራት ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ ገያሾ ከይቅበላ ውሳነ ኣሕሊፈን ዘለዋ እየን።
እዚ ኦሚክሮን ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ ዘሎ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ፡ ኣዝዩ ቅልጡፍ ናይ ምልባዕ ባህሪ ከምዘለዎ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ'ኳ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንፈለማ ግዜ እንተተረኣየ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ'ዩ ውዱእ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ቐሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ኣብታ ሰብ ብጻዕቒ ዝነብረላ ዞባ ጓውተንግ ዝተረኣየ ብዙሕ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ጠንቁ እዚ ሓዲሽ ዓሌት ምዃኑን ኣብዚ እዋን እቲ ቫይረስ ኣብ ኩለን ዞባታት ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝተረኣየን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነተን ብታህዋኽ ናይ በረራ እገዳ ዝኣወጃን ዝእውጃ ዘለዋን ሃገራት ብምጥንቃቕ፡ ውሳነአን ኣብ መረዳእታ ዝተሞርከሰ ክኸውን ሓቢሩ። እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት ብዘለወን ስግኣት ካብተን እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተረኣየለን ሃገራት ኣጋይሽ ከይኣትውወን ወሲነን ኣለዋ።
ላዕለወይቲ ሓላፊት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ምቲሸዲሶ ሞቲ ብሰንበት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ "እቲ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተራእዩ ክንሱ፡ ንኣፍሪቃ ዝዓለመ ናይ በረራ እገዳታት ምንባር" ዘይሚዛናዊ ምዃኑ ገሊጻ።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተነበረ ናይ በረራ እገዳ "ስነፍልጠታዊ መሰረት" ዘይብሉ እዩ ብምባል "ዘይፍትሓዊ ኣድልዎ" ይፍጸም ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ብምስዓብ፡ እገዳ ናይ በረራታት ብምግባር፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ከምዘይግታእ ብምግላጽ "እዚ እገዳ ናይ በረራታት ንቁጠባ እተን እገዳ ዝተነበረን ሃገራት ክድህኽን ካብቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመን ቁጠባዊ ቅልውላው ንኸይወጻ ዝዕንቅጽን'ዩ" ኢሉ።
ስሪል ላማፎዛ፡ ኦማክሮን፡ ነቲ ኣብ ዝርገሐ ክታበት ዘሎ ዘይምዕሩይ ዝርገሐ፡ ሚዛን ንኽሕዝ "ጻውዒት ደወል'ዩ" ብምባል፡ ኩሉ ሰብ ክሳብ ዘይተኸተበ እቲ ስግኣት ንኹሉ ምዃኑ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እዚ ኦሚክሮን ዝተብሃለ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ጀርመን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያን እስራኤልን ዝርከበኣን ሓያሎ ሃገራት ተራእዩ ኣሎ።
ትማሊ ሰንበት ዝነበረ ምዕባለታት
- ኣብ ሆላንድ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣምሰተርዳም ካብ ዝኣተዉ ገያሾ እቶም 13 እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።
- ፖሊስ ሆላንድ ምስዚ ሓዲሽ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓስ ኣብ ውሸባ ዝነበሩ ሰባት ካብ መወሸቢ ማእከል ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓሎም ገሊጹ።
- እስራኤል ካብ ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ጀሚራ ንዝመጽእ 14 መዓልታት ዝኾነ ካልእ ዜጋ ናብ ሃገራ ከይኣቱ ዝኽልክል ውሳነ ኣመሓላሊፋ።
- ዓባይ ብሪጣንያ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ [G7] ነዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣመልኪተን ህጹጽ ኣኼባ ከካይዳ ጻውዒት ኣቕሪባ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







