ኮቪድ-19፡ ጉጅለ ሰብ ሞያ ኣመሪካ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ምሃብ ደው ክብል መኺሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጉጅለ ሰብ ሞያ ኣመሪካ ኣብ ክንዲ እቲ ምስ ቀታሊ ጎናዊ ሳዕቤን ዝተኣሳሰር ዘሎ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ክታበታት ፋይዘርን ሞደርናን ክወሃብ ሙሉእ ድምጺ ሂቦም፡፡
ጸብጻብ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ከም ዘመልክቶ፡ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ካብ ዝወሰዱ ሰባት እቶም 57 ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ምርጋእ ደም ኣጋጢሙዎም እዩ፡፡
ዛጊድ ድማ ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ብጠቕላላ ትሸዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡
ኣስታት 16 ሚልዮን ኣመሪካውያን እቲ ሓደ ብልቃጥ ጥራሕ ዝወሃብ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ወሲዶም ኣለዉ፡፡
‘ኤሲኤፒ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣማኻሪ ጉጅለ፡ እቲ ክታበት እቶም ብበዝሒ ዝውሰዱ ዘለዉ ክታበታት ፋይዘርን ሞደርናን ኣብ ዘይብሉ እዋን ወይ እውን ሰባት ነዞም ክታበታት ክወስዱ ፍቓደኛታት ኣብ ዘይኮንሉ እዋን ጥራሕ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል መኺሩ፡፡
እንተኾነ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (ሲዲሲ) ዛጊድ ብዛዕባ ምቕባል ምኽሪ እቶም ሰብ ሞያ ኣይወሰነን፡፡
ምርጋእ ደም ሐዚ እውን ኣብ ውሑዳት ሰባት ዘጋጥም ዘሎ ኮይኑ፡ ካብ ሓደ ሚልዮን ክታበት ኣብ 3.8 ሚኢታዊት የጋጥም ከም ዘሎ ሰበ ስልጣን ይሕብሩ፡፡
ካብቶም ጸገም ምርጋእ ደም ዘጋጠሞም 57 ሰባት እቶም 36 ኣብ ጽኑዕ ክንክን እዮም ዝርከቡ፡፡
ብተመሳሳሊ ሞት ዘጋጠመሉ ክሊ ዕድመ ካብ 28 ክሳብ 62 ኮይኑ ልክዕ ዝሓለፎ ርጉዲ ቀንዲ ንሞት ዘቃልዕ ከም ዝኾነ ሰብ ሞያ ይሕብሩ፡፡
እቶም ጎናዊ ሳዕቤናት እቲ ክታበት ምስ ተወሰደ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዝተርኣዩ ኮይኖም፡ መብዛሕትኦም ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ መዓልቲ ተመዝጊቦም፡፡
ብዙሓት ተሳተፍቲ እቲ ጉጅለ ዘተ (ፓነል) ግና እቲ ክታበት ምሃብ ጠቕሊሉ ክተርፍ ከም ዘይብሉ እዮም ዝመኽሩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ብምኽንያት ስግኣት ምርጋእ ደም እቲ ክታበት ምሃብ ደው ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ፡፡
ዛጊድ ልዕሊ 5 ዓመት ዕድመ ካብ ዝርከቡ አመሪካውያን ልዕሊ 76 ምኢታዊት ብውሑድ ቀዳማይ ዙር ክታበት ወሲዶም እዮም፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







