ኮቪድ-19፡ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ‘ኦሚክሮን’ ክሳዕ ክንደይ የስግእ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝለባዕ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ክለዓሉ ዝኽእሉ ክልተ ዓበይቲ ሕቶታት ኣለዉ። እቲ ሓደ ‘ንኽላባዕ ክሳብ ክንደይ ይቕልጥፍ?’ ዝብል ክኸውን ከሎ ካልኣይ ሕቶ ድማ ‘ንዝሓዞ ሰብ ዝስምዖ ሕማም ከቢድ’ዶ ይኸውን?’ ዝብል’ዩ።
ኣብ ዓለም ዘለዉ ተመራመርቲ ነዞም ሕቶታት መልሲ ክህቡ ከለዉ ብዙሕ ዝርዝር የብሎምን፤ ካብቲ ቅድም ክብል ዝነበረ መጽናዕቲታት መበገሲ ብምግባር’ዮም ዝዛረቡ። ስለዝኾነ ድማ ትኽክለኛ መልስን መብርህን ንምሃብ ምናልባት ክሳብ ሰሙናት ክወስድ ይኽእል’ዩ።
ኣብ ዝርግሕኡ ክሳብ ክንደይ ይቕልጥፍ?
ነዚ ዝወሃብ ሓጺር መልሲ ‘ቅልጡፍ እዩ’ ዝብል ይኸውን። ዋላ ኣብቶም ብስፍሓት ክታበት ዝተወሃበሎም ኮኑ ሰፊሕ ማዕበል ኮቪድ ኣሕሊፎም ልዑል ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ [‘ኢሚዩኒቲ’] ዘለዎም ከባብታት ከይተረፈ’ዩ ቅልጡፍ ዝርግሐ ዘለዎ።
ንደቡብ ኣፍሪቃ ከም ኣብነት እንተወሲድና ነቲ ‘ደልታ’ ዝበሃል ዓሌት ኣብ ምምካትን ኣብ ምስጋርን እንከላ፡ ቅድሚ ወርሒ ኣብ ዝነበረ ኩነታት መዓልታዊ ትሕቲ 300 ሰባት ጥራሕ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ተመዝግብ ነይራ። ኣብዚ እዋን ግን ብኦሚክሮን ዝልከፉ ልዕሊ 10,000 ብምዃኖም ናብ ራብዓይ ማዕበል ለብዒ ትምለስ ዘላ ትመስል።
ብሪጣንያ’ውን ብተመሳሳሊ ሰፊሕ ዝርግሐ ኦሚክሮን ትርእይ ኣላ። ተመራመርቲ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምፍላጥ ካብ በዝሒ ዝተመርመሩ ሰባት ክንደይ ዝኣኽሉ ተረኺብዎም ዝብል መስርሕ ከምዝጥቀሙ ይፍለጥ። እዚ ግን ንትኽክለኛ መጠን ለብዒ ኦሚክሮን ከረጋግጽ ዝኽእል ኣይኮነን። ምናልባት እዚ ኣካይዳ ቅልጡፍ ዝኾነ ግምት ንምርካብ እንተዘይኮይኑ ነቲ ዘሎ ሓቂ ከርእይ ኣይክእልን።
እቶም ኣብዚ እዋን ዝካየዱ ዘለዉ መስርሕ ምልላይ መጠን ዝርግሐ ከምዘመልክትዎ ግን ኣብ ብሪጣንያ በቢሰለስተ መዓልቲ እቲ ለብዒ ብዕጽፊ ይውስኽ’ዩ ዘሎ።
እዚ ድማ ኣብ ብሪጣንያ ካብቲ ‘ደልታ’ ብዝብል ዝፍለጥ ዓሌት ቫይረስ ኮነ እቲ ኣብ መእተዊ 2020 ዝነበረ ናይ መጀመርታ ቫይረስን ዝቐልጠፈ ናህሪ ምልባዕ ኣለዎ።
በቢሰለስተ መዓልቲ ብዕጽፊ ዝውስኽ እንተኾይኑ ከኣ ክሳብ መዛዘሚ እዚ ወርሒ እቲ መዓልታዊ 2,500 ዝነበረ ናብ 100,000 ክበጽሕ ከምዝኽእል ይግመት።
ክልከፍን ክሓምምን እኽእል’ዶ?
ማዕበላዊ ለብዒ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይስ ‘ኦሚክሮን’ ዝመጽእ እንተኾይኑ ነዓይ እንታይ ማለት ይኸውን?
ተመራመርቲ ኣብ ፈለማ ዝረኣይዎ ናይ ኦሚክሮን ባህርያት ምቅይያር፡ በቲ ኣቐዲሙ ኣብ ረብሓ ዝወዓለ ክታበታት ንምቁጽጻሩ ዝህሉ ተስፋ ዝተሓተ ከምዝኸውን የመልክት። ካብቲ ክታበት ንኽስራሕ መሰረት ዝኾነ ናይ መጀመርታ ቫይረስ ኣዝዩ ዝተፈለየ ይመስል ነይሩ።
ብፒፋይዘርን ባዮንቴክን ዝተኻየዱ ፈተነታት ከምዝሕብርዎ፤ ሳልሳይ ዙር ክታበት ምውሳድ ብዝለዓለ ደረጃ ንመጠን ጸረ-ባዕዲ ኣካል ክውስኽ ይገብሮ’ዩ። ኦሚክሮን ንምክልኻል ዝውሰዱ ሰለስተ ክታበታት ልክዕ ነቲ ፈላማይ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝውሰዱ ክልተ ክታበታት ውጽኢታዊ ከምዝኸውን ይግለጽ።
ተመራማሪት ዩኒቨርሲቲ ኤደንብራ ፕሮፌሰር ኤሊኖር ሪለይ ከምእትብሎ ድማ፡ እቲ ‘ቡስተር’ ብዝብል ዝፍለጥ ንመበርትዒ ወይ ንመጠናኸሪ ዝውሰድ ክታበት ንረኽሲን ከቢድ ሕማምን ኣብ ምክልኻል ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ።
እንተ ኦሚክሮን ክሳብ ክንደይ ጽንኩር/ ተሪር እዩ ንዝብል ግን ንጹር ዝኾነ መልሲ የለን።
ነዚ መሊእኻ ንምግንዛብ ድማ ነቶም ብኦሚክሮን ተለኺፎም ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ሕሙማት ምክትታል ኣገዳሲ ይኸውን።
እንታይ ክፍጥር ይኽእል?
ብዙሓት ሰባት ብጽኑዕ ከይሓሙ ንምክልኻል፤ ኣብ ምቁጽጻር ማዕበላዊ ለብዒ ኦሚክሮንን ክታበታትን ክስርሑ ዝኽእሉ ውጽኢታውያን ስራሕቲ ግን ኣለዉ።
እቲ ጉዳይ “ዋላ’ውን መብዛሕቲኤና ደሓን እተኾንና ኩሉ ሰብ ግን ደሓን ኣሎ ማለት ኣይኮነን" ገሌና ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ክህልወና ከሎ ገለ ሰባት ድማ ነቲ ክታበት ጽቡቕ ምላሽ ዘይህብ ዝደኸመ ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክህልዎም ይኽእሉ እዮም። ዘይተኸተቡን ነቲ ክታበት ንዘይምውሳድ ዝወሰኑን እውን ኣለዉ።
በቲ ‘ደልታ’ ዝብል መጸውዒ ዝተወሃቦ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክሳብ ሕዚ ኣብ ሆስፒታላት ክትትል ክግበረሎም ከሎ ንዕዘብ ኣለና። ምናልባት ከኣ ዘይተጸበናዮ ካልእ ማዕበል ንመብዛሕቲኤና ናብ ሆስፒታላት ክንኣትው ከገድደና ይኽእል’ዩ።
“ልክዕ ከምቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ሓያል ማዕበል ኣብ ዝመጽእ እዋናት እውን ከጋጥምን ብዙሓት ሰባት ናብ ሆስፒታላት ክኣትዉ ዝግደዱሉ ኩነታት ክፍጠርን ይኽእል’ዩ” ይብል ፕሮፌሰር ማይክል ቲልደስለይ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዋርዊክ።
ኣብዚ እዋን ንመጠን ለብዒ ኦሚክሮን ዘመልክት ትኽክለኛ መረዳእታ ከምዘየለ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







