ኮሮናቫይረስ፡ ኦሚክሮን ነዚ ዘሎ ክታበታት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከምዘይብሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፈሊጡ

ክታበት ቫይዘር ዝሓዘት ሓኪም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ክሳብ ሕጂ ክወሃብ ዝጸንሐ ክታበታት ነቶም በዚ ሓዲሽ ኦሚክሮን ዝተሰመየ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት’ውን ሕማሞም ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ከይሰግር ከምዝከላኸለሎም ሰብ መዚ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጾም።

እቲ ብሰብ ሞያ ጥዕና ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተገበረ ላባራቶራዊ ፈተነ፡ ኦሚክሮን ብመጠኑ ንክታበት ፋይዘር ናይ ምጽዋር ዓቕሚ እኳ እንተኣርኣየ፡ ዶክተር ማይክ ርያን ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ኦሚክሮን ካብ ካልኦት ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ነዚ ዝውሃብ ዘሎ ክታበታት ናይ ምጽዋር ዝተፈለየ ዓቕሚ ከምዘየርኣየ እዩ ኣረዲኡ።

ዶክተር ማይክ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “እዚ ንህቦ ዘለና ክታበታት ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተረኣዩ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ኸኣ ውጽኢቱ የርእየና ኣሎ። ብርኡይ ዝተተሓዙ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከይበጽሑን ኣብ ሆስፒታላት ከይኣትዉን ይከላኸል ኣሎ። ኣብ ኦሚክሮን’ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት እዩ ኣርእዩ” ኢሉ።

ክሳብ ሕጂ ብዝተገበረ መርመራታት፡ ኦሚክሮን ካብ ደልታን ካልእ ዓይነት ኮሮናቫይረስን ዝበርተዐ ከምዘይኮነ ክረጋገጹ ከምዝኸኣሉ ወሲኹ ኣብሪሁ።

እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተገበረ መርመራን ገና ዳግማይ ምኽላስ ዘድልዮን ውጽኢት፡ ክታበት ፋይዘር፡ ንኦሚክሮን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብ40 ዕጽፊ ከምዝነከየ የርኢ።

ኣብ ኣፍሪካን ሄልዝ ሪሰርች ላዕለዋይ ክኢላ ቫይረሳት ፕሮፌሰር ኣሌክስ ሲጋል ነቲ መርመራ ብመሪሕነት ዘካየደ ኮይኑ፡ ውጽኢት ኣብ 12 ሰባት ዝተገበረ መርመራ፡ ኦሚክሮን ኣብ ዝተኸተቡ ሰባት ዘሎ ጸረ ጓና ኣካል [ኣንቲቦዲ] ክሰግሮ ከምዘይክኣለ ብምሕባር “እቲ ውጽኢት ካብቲ ኣነ ዝተጸበኽዎ ኣዝዩ ዝሓሸ’ዩ” ኢሉ።

ፕሮፌሰር ኣሌክስ ሲጋል፡ ኣብ ውጽኢት መርመረኦም ብምምርኳስ፡ እዚ ዘሎ ክታበታት ብሓፈሻ ንኦሚክሮን ናይ ምድኻም ልዑል ዓቕሚ ከምዘለዎ ብምግላጽ ‘ቡስተር’ [ምስ ተኸተብካ ናይ ምክልኻል ዓቕምኻ ዘጎልብት ተወሳኺ ኽታበት] ምውሳድ ኸኣ ዝያዳ ውሕስነት ከምዝህብ ኣብሪሁ።

ፋይዘር ክሳብ ክንደይ’ዩ ንኦሚክሮን ከዳኽሞ ዝኽእል ዝገልጽ ዝርዝራዊ ሓበሬታታት ኣብ ቀረባ መዓልታት ክዝርጋሕ ትጽቢት ይግበር።

ሞደርናን ጆንሰን ኤንድ ጆንሰንን ንኦሚክሮን ናይ ምድኻም ዓቕሞም ዝገልጽ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ግን ገና ኣይተውሃበን ዘሎ።

ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተራኣዩ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ፡ ኦሚክሮን ካብቲ ኣብ መጀመርታ ዝተረኣየ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ዝተፈለየ ከምዝኾነ’ዩ ውጽኢት መጽናዕትታት ዘረድእ።

እቲ ንመጀመርታ ግዜ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኸበ ኦሚክሮን፡ ሕጂ ግን ኣብ ዓሰርተታት ሃገራት ተራእዩ ኣሎ።

ውሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን፡ ኦሚክሮን ኣብ መጀመርታ ብዘርኣዮ ጠባያት ልዕሊ ደልታን ካልኦት ዓሌታት ኮሮናቫይረስን ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ከምዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኦሚክሮን ዝሓዞም ሰባት፡ ብጽኑዕ ድዮም ዝሓሙ ዝብል ግን ክሳብ ሕጂ ንጹር መልሲ ኣይረኸበን ዘሎ።

ላዕለዋይ ክኢላን ሓላፍን ተመሓላላፈቲ ሕማማት ኣመሪካ ዶክተር ኣንቶንዩ ፈውቺ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ሓበሬታታት ኦሚክሮን ዝያዳ ተላባዒ ግን ኸኣ ብጽኑዕ ዘየሕምም ከምዝኾነ ገሊጹ።

ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 267 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ካብኦም ከምዝሞቱ ጸብጻባት ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ይሕብር።