ኮቪድ-19፡ ክታበት ኣይንወስድን ዝበሉ ልዕሊ 100 ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ሰራዊት ተሰናቢቶም

ክታበት ኮቪድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክታበት ኮቪድ ኣይንወስድን ዝበሉ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሰራዊት ከምዝሰናበቱ ተሓቢሩ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ክኽተቡ እንከለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካልኦት ክታበት ኣየድልየናን እዩ ብምባል ከምዝተቓወሙ ይፍለጥ።

ክሳብ ሕጂ ኣስታት 20,000 ዝኾኑ ወተሃደራት ክኽተቡ ንኸይግደዱ ሕቶ ብምቕራብ ተቓዊሞም።

ኣብ ስራሕ ዘለው ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ሰራዊት ክሳብ ናይዚ ወርሒ'ዚ መወዳእታ ንክኽተቡ ናይ ግዜ ገደብ ተዋሂቡዎም ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ከኣ 103 ሰባት ካብ ስራሕ ከምእተገለሉ ተፈሊጡ።

ጋዜጣ ማሪን ኮርፕ ታይምስ ከምዝጸብጸቦ ኣስታት 95 ሚእታዊት ኣባላት እቲ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ክኽተቡ እንከለው ክሳብ ሕጂ ኣስታት ሽሕን ሸውዓተን ሰባት ንኸይክተቡ ዘቕረቡዎ ሕቶ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ።

ብተወሳኺ ልዕሊ 3,000 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ብሃይማኖታዊ እምነቶም ንከይክተቡ ሕቶ ኣቕሪቦም ኣለው። ክሳብ ሕጂ ከኣ ልዕሊ 2800 ዝኾኑ ወተሃደራት ጉዳዮም እኳ እንተተራእየ ናይ ብዙሓት ግን ገና ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ናይ አሜሪካ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ጨንፈር ክሳብ ሕጂ 98 ሚእታዊት ዝኾኑ ኣብ ስራሕ ዘለው ወተሃደራት ብዝወሓደ ናይ መጀመርያ ዙር ክታበት ወሲዶም። 96 ሚእታዊት ዝኾኑ ግን ምሉእ ብምሉእ ተኸቲቦም ኣለው።

ክታበት ኣይንወስድን ኢና ዝበሉ ክልተ ኣዘዝቲ ሻለቃን ሽዱሽተ ላዕለዎት መኮንናትን ካብቶም ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱ እዮም።

ልዕሊ 2,700 ኣባላት ሰራዊት ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም። እቶም ኣይንኽተብን ኢና ዝበሉ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ካብ ስራሕ ከምዝግለሉ ክገብር እዩ።

ካብቶም ኣብ ወፍሪ ዘለው ሰራዊት ትሕቲ ሓደ ሚእታዊት ማለት ኣስታት 3864 ወተሃደራት እቲ ክታበት ንኻልእ ግዜ ክመሓላለፈሎም ዝኾነ ምኽንያትን ሕቶን ከየቕረቡ ኣይንኽተብን ኢና ኢሎም ኣለው።

ኣስታት 1.7 ሚእታዊት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣብቲ ንክታበት ዝተዋህበ ናይ ግዜ ገደብ ክታበት ኣይወሰዱን።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣስታት 27 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኣይንኽተብን ኢና ብምባሎም ካብ ኣገልግሎቶም ከምዝተገለሉ ኣፍሊጡ። እቲ ሰራዊት ኣብዚ ወርሒ ኣስታት 97 ሚእታዊት ኣባላቱ ተኸቲቦም ኣለው።

ፕረስ ሴክሬታሪ ፔንታጎን ጆን ኪርቢ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ክሳብ ሕጂ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ሰራዊት ንነብሶምን ኣባላቶምን ቅኑዕ ነገር ንምግባር ክውስኑ ዕድል ኣለዎም" ኢሉ።

እቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኮንግረስ ዝጸደቐ 'ሃገገራዊ ምክልኻል ፍቓድ ውሳነ' እቶም ክታበት ዘይወስዱ ወታሃደራት ብዘይክብሪ ንከይፋነው ዝኽልክል ኣገላልጻ ወሲኹሉ።