ደቡብ ሱዳንን ማላውን ክታበታት ኮቪድ ከዕንዋ እየን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስትሪ ጥዕና ደቡብ ሱዳን፡ ብውድብ ጥዕና ዓለም ንዝተነገሮ ነቲ መዓልቱ ዝወደቐ ክታበት ኦክስፎርድ ኣስትራዜነካ ናይ ምዕቃብ ምኽሪ ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ሃገር ኣካያዲ ስራሕ ኵነተ ኮቪድ-19፡ ሪቻርድ ላኩ፡ መንግስቲ ነቲ 60 ሽሕ ክታበታት ከም ዘይጥቀመሉን፡ ከዕንዎ ምዃኑን ሓቢሩ።
ሃገራት ኣፍሪቃ መዓልቱ ዘሕለፈ ክታበታት ኮቪድ-19 ከየዕንዋ ዝተማሕጸነ ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ክታበታት ድሕሪ ዝፈረየሉ ዕለት ክሳዕ 36 ኣዋርሕ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ተወሳኺ ምኽሪ ክሳዕ ዝወሃበን ነቲ ክታበታት ክዕቅባ ሓቲቱ ነይሩ።
ዶክተር ላኩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቱ "እቲ ብልቃጥ ክታበታት ኣብ ጥቕሚ ኣይክውዕልን እዩ" ዝብል መርገጺ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓላፊ ምድላዋትን ዓለምለኻዊ ቁጽጽር ጥዕናን እታ ሃገር፡ ዋማላ ጆሴፍ ፍራንሲስ፡ እቲ ትካል ካብቶም ኣፍረይቲ ምኽሪ ንምርካብ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
"ከም ክታበት ኮቪድ ንዝኣመሰሉ ክቡራት ፍርያት ከምዚ ዓይነት ኩነታት ከጋመም ከሎ፡ ነቲ ኣፍራዪ ብምርካብ ገለ ካብቲ ፍርያት ብምምላስ ተወሳኺ ምርምራት ክግበርን ምጥቃም እቲ ክታበት ውሑስ እንተኸይኑን ነረጋግጽ" ይብል ዶክተር ፍራንሲስ።
ማላዊ'ውን ነቲ ብኢንስቲትዩት ሴረም ህንዲ ዝፈረየ ልዕሊ 16,000 ብልቃጥ ክታበት ኣስትራዘኔካ ብ13 ሚያዝያ ዕለቱ ከም ዝወደቐ ብምግላጽ ከተዕንዎ ምዃና ሓቢራ'ያ።
እቲ ጠራሙስ ክታበት ብሽርክነት ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኩባንያ ተለኮሙኒኬሽን ኤምቲኤንን ን13 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተለገሰ ምዃኑ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ክታበት ኣስትራዘኔካ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብታ ሃገር ዓብሊሉ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ውጽኢታዊ ኣይኮነን ብምባል ምጥቃም ደው ምስ ኣበለት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት 1 ሚልዮን ጠራሙስ ካብኣ ዓዲጉ'ዩ።
ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ፡ እቲ ክታበታት ግዚኡ ቅድሚ ምውዳቑ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘርጊሑዎ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ዞባ ኣፍሪቃ ማትሺዲሶ ሞየቲ፡ "ነቲ ኩነታት ኣጽኒዕና ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ምጥቃም ይከኣል ድዩ ኣይከኣልን ጭቡጥ ምኽሪ ክሳዕ እነምጽእ [ሃገራት] ነቶም ክታበታታት ኣብ ውሑስ ኩነታት ክዕቅብዎ" ተማሕጺና።
ብዘይካ ማላውን ደቡብ ሱዳንን፡ ጋናን ሴራልዮን'ውን እቲ ዝተዋህበን ጠራሙስ ከይወድእኦ መዓልቱ ከም ዝኣኸለ ተገሊጹ።
ሚኒስተር ጥዕና ሴራልዮን፡ ካብቲ ዝተዋህቦም ሓደ ሲሶ ዝኸውን ጠራሙስ ተሪፍዎም ከም ዘሎ ሓቢሩ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







