ሎሚ ሰንበት ጥራይ ልዕሊ 1500 በረራታት ብሰንኪ ስግኣት ኮቪድ ተሰሪዞም

በረራታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንሎሚ ሰንበት ክካየዱ ትልሚ ተታሒዝሎም ዝነበሩ ልዕሊ 1500 በረራታት ምስራዞም ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ንበዓል ዝገሹ ሰባት ምጭንናቕ ከምዝፈጠረ ተገሊጹ።

‘ፍላይትስ ኣዌር ዳታ ትራኪንግ’ ዝተብሃለ ኣብ በረራታት ኣትኲሩ ዝሰርሕ ትካል ከምዝበሎ፡ ኣብ ድሮ፣ ኣብ መዓልቲ ልደትን ጽባሒትኡን ብሓፈሻ ዛጊድ ልዕሊ 5900 በራራት ብብርኪ ዓለም ተሰሪዞም ኣለዉ።

መንገድታት ኣየር ቻይናን ኣመሪካን በቲ ኩነታት ኣዝየን ካብ ዝተጸልዋ እየን።

ጽባሕ ድማ እቲ ናይ ምስራዝ በረራ ክቕጽል ከምዝኽእል ይግምት።

ኩባንያታት ኣየር መገዲታት ከምዝብልዎ፡ እቲ በረራረታት ብሰንኪ መልከፍቲ ኦሚክሮን ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ኣጋጢመዎም ኣሎ።

ዝበዝሕ ምስራዝ በረራራት ምስዚ ብቐጥታ ዝተኣሰሳር ከምዝኾነ ዝገልጹ እዞም ኩባንያታት፡ መብዛሕቲኦም ሰራሕተኛታቶም ብኮቪድ ተለኺፎም ወይ ድማ ንባዕሎም ወሺቦም ይርከቡ።

ተመራመርቲ ኣብ ናይ መጀመርታ መጽናዕቶም እቲ ሓድሽ ዓሌት ኣዝዩ ሓደገኛ ከምዘይኾነ ገሊጾም እንተነበሩ’ኳ፡ ናህሪ ለብዒ እቲ ሕማም ግን ዓብዪ ዘሻቕል ኩነታት ኣስዒቡ ይርከብ።

‘ፍላይትስ ኣዌር’፡ እቲ ዝተጠቕሰ ትካል ተቖጻጻሪ በረራታታ ከምዝበሎ፡ ካብን ናብን ኣመሪካ ዝግበሩ ጥራይ ልዕሊ 450 በራራረታት ተሰሪዞም ኣለዉ።

ብፍላይ ዴልታ፣ ዩናይትድን ጄትብሉን ኣዝዮም ካብ ዝተጸልዉ መገዲ ኣየራት እዮም ተባሂሉ።

መንገዲ ኣየር ዩናይድ፡ በረራታቱ በቲ መልከፍቲ እቲ ሓድሽ ዓሌት ተፈልዩ ከምዘሎ ዘፍለጠ ኾይኑ፡ ዓማዊሉ ዝኾነ ምልክታት እንተርእዮም ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ቅድሚ ምምጸኦም ኣብኡ ክጸንሑ እናደወለ የፍልጥ ነይሩ ተባሂሉ።

ከምኡ ድማ ስራሕቲ በረርኡ፡ ብሰንኪ መልከፍቲ ሰራሕተኛታቱ ተሰናኺሉ ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።