ኮሮናቫይረስ፡ ጥልያን ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ በረራ ክተልዕሎ እያ

ካብ 3 ሰነ ጀሚሩ ኢጣልያውያን ናብ ወጻኢ ሃገራት ወጻእተኛታት ድማ ናብታ ሃገር ክገሹ ክኽእሉ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ 3 ሰነ ጀሚሩ ኢጣልያውያን ናብ ወጻኢ ሃገራት ወጻእተኛታት ድማ ናብታ ሃገር ክገሹ ክኽእሉ እዮም

መንግስቲ ጥልያን መቐጸልታ ናይቲ ዝገብሮ ዘሎ ምፍኳስ ቀይድታት ዕጽዋ፡ ካብ 3 ሰነ ጀሚሩ ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር መገሻ ዘፍቅድ ድንጋገ ኣጽዲቑ።

እቲ ብጽኑዕ ተኣጊዱ ዝጸንሐ: ኣብ መንጎ ዞባታት ዝግበር ምንቅስቐስ'ውን ካብ ተመሳሳሊ ዕለት ጀሚሩ ክለዓል እዩ።

እታ ሃገር ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንቁጠብኣ ዳግም ንምብርባር ትገብሮ ካብ ዘላ ጻዕርታት እዚ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ዓለም፡ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ዘመዝገበት ጥልያን፡ ኣብዚ እዋን ቁጽሪ ሓድሽ መልከፍቲ ኣዝዩ እዩ ኣንቆልቂሉ ዘሎ።

ልዕሊ 31,600 ሰባት በቲ ቫይረስ ክሞቱ ከለው፡ እዚ ኣሃዝ ድሕሪ ኣሜሪካን ብሪጣንያን እቲ ዝዓበየ እዩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት እቲ ሕማም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ምስ ተርኣየ፡ ጥልያን ካብ ሃገራት ኣውሮጳ: ፈላመይቲ ምሉእ ዕጽዋ ዝኣወጀት ሃገር እያ ኮይና።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ግና፡ ፋብሪካታት ዳግም ስራሕ ክጅምሩ ብምፍቃድ'ያ ነቲ ቀይዲ ክተፍኩሶ ጀሚራ።

እቲ ድንጋገ ብቀዳማይ ሚኒስተር ጁሰፐ ኮንተ ተፈሪሙ ሎሚ ቀዳም ተሓቲሙ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ድኳናትን ኣብያተ መግብን እውን ካብ 18 ግንቦት ጀሚሩ፡ ማሕበራዊ ርሕቐት ብዝሓለወ ኣገባብ ኣገልግሎት ክህባ ክጅምራ እየን።

ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያን'ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ንቅዳሴ ክኽፈታ ምድላዋት ይግበር ኣሎ። እንተኾነ ግና ምእመናን ኣካላዊ ርሕቀት ክሕልውን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ክገብሩ ክግደዱ እዩም።

ካልኦት ሃይማኖታት'ውን ኣገልግሎቶም ከካይዱ ክፍቀደሎም እዩ።

ኮሮና
Banner