ቦይንግ 737 ማክስ ናብ በረራ ክትምለስ ውሳነ ምሕላፉ 'ህጸት ኣለዎ' ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣካያዲ ስራሕ ፋብሪካ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ነበር ኤድ ፒየርሰን፡ ኣብ ውሕስና እቲ ካብ በረራ ተኣጊዳ ዝጸንሐት 737 ማክስ ዓይነት ነፈርቲ መጓዓዝያ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።
እታ ዓይነት ነፋሪት ክልተ ጊዜ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምውዳቕ፡ ምኽንያት ሞት 346 ሰባት ብምዃና ካብ በረራ ካብ እትእገድ ዳርጋ ናብ ካልኣይ ዓመት ይጽጋዕ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ብራዚልን ናብ በረራ ክትምለስ ዝተወሰነ ኮይኑ፤ ኣብ ኣውሮጳ ድማ ኣብዚ ሰሙን ዳግም ናብ በረራ ናይ ምምላስ ፍቓድ ክወሃባ ትጽቢት ይግበር።
እንተኾነ ኤድ ፒየርሰን፡ እታ ነፋሪት ናብ በረራ ቅድሚ ምምላሳ፡ ፋብሪካ ቦይንግ፡ ኣብታ ኣውሮፕላን ኣገዳሲ ዝኾነ ምርመራ ኤለክተሪካዊ ጉዳያትን ጸገማት ጽፈት ምህርትን ክካይድ የተሓሳስብ።
ኣብ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ዝርከቡ ተቖጻጸርቲ ግን እቲ ዳግመ ምርመራ ብዕውት ኩነታት ከምዝተኻየደ ብምግላጽ፡ 737 ማክስ ንበረራ ውሑስ ከምዝኾነት ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ፒየርሰን ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቶም ተቖጻጸርትን መርመርትን ንቐንዲ ጉዳያት ከምዘይተገደሱ የመልክት። ምናልባት'ውን እቶም ጉዳያት ምስቶም ዘጋጠሙ ሓደጋታት ቀጥታዊ ረኽቢ ክህልዎም ከምዝኽእል ይሕብር።
ጸገማት ኣብ 'ኤምካስ'
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 በረራ ላየን ኤይር ጄቲ610 ኣብ ኢንዶነዢያ ወዲቓ፤ ብድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ከኣ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እትውነን ቁጽሪ በረራ ኢቲ302 ካብ ኣዲስ ኣበባ ንበረራ ምስተልዓለት ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ወዲቓ።
መርመርቲ ከምዝሓበርዎ ኣብ ክልቲኤን ነፈርቲ ዘጋጠመ ሓደጋ መንቀሊኡ ንነገራት እናንበበ ሓበሬታ ኣብ ዝህብ ኣካል እቲ ነፋሪት ['ሰንሰር'] ዝተኸሰተ ጸገም'ዩ። 'ኤምካስ' ብዝብል ናብ ዝፍለጥ በረራ መቆጻጸሪ ሶፍትዌር ትኽክለኛ ዘይኮነ ሓበሬታ ሂቡ።
እዚ ሓበሬታ ከኣ ኣፍንጫ እታ ነፋሪት ብተደጋጋሚ ናብ ቆልቁል ክድፋእ ከምዝገበረ ይግለጽ። በዚ ምኽንያት ኣብረርቲ ነፈርቶም ናብ ብራኸ ክምለሳ ጽዒሮም፤ እንተኾነ ክልቲኤን ነፈርቲ መወዳእተአን ምሕምሻሽ ኮይኑ።
ኩባንያ ቦይንግ ንሶፍትዌር 'ኤምካስ' ኣብ ምምሕያሽ ኣድሂቡ ክሰርሕ እንተጸንሐ'ኳ፤ ኤድ ፒየርሰን ግን እዚ እኹል ከምዘይኮነ የጠንቅቕ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሱ ኣብ 2018 ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት እታ ነፋሪት ጸገም ከምዘለዋ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ይህብ ምንባሩ ገሊጹ ነይሩ።
ንስድርኡ ኣብታ ነፋሪት ከሳፍሮም ከምዘይደልይ ክሳብ ምግላጽ'ውን በጺሑ።
ነዚ ከም ምኽንያት ዘቐምጦ ከኣ ሰራሕተኛታት ኩባንያ ቦይንግ ሓድሽ ኣውሮፕላን ብቕልጡፍ ክሰርሑ ጸቕጢ ይበጽሖም ምንባሩ እዩ። 737 ማክስ ድማ ተሰሪሑ።
በዚ ህጸት ምኽንያት ሓደጋታት ከምዘጋጠሙ ዘረድእ ኤድ ፒየርሰን ኣብዚ እዋን ድማ 737 ማክስ ናብ በረራ ክምለስ ምህጻጽ ይረኣይ ከምዘሎ ገሊጹ።
ፒየርሰን እተን ነፈርቲ ገና ካብ ኣሰራርሓ ጀሚሩ ብዝነበረ ጸገም ንሓደጋ ከምዝተቓልዓ'ዩ ዝኣምን።
ዝተሓላለኸ ዝርግሐ ውሽጣዊ ገመዳት ኤለክትሪክ እውን ነቲ ናብ ኤምካስ ዝበጽሐ ግጉይ ሓበሬታ መንቀሊ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።
እቲ 'ሰንሰር' ምኽንያት ሓደጋ ክልቲኤን ነፈርቲ ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር ከኣ 'እዚ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ግን ብኸመይ ኣብ ሓደሽቲ ነፈርቲ ከጋጥም ኪኢሉ?' ዝብል ሕቶ የልዕል።

ኣብዚ እዋን ብዝተገበረ ምትዕርራይ ግን እቶም ንዘጋጠሙ ሓደጋታት ምኽንያት ዝኾኑ ነገራት ብተቖጻጸርቲ ከምዘይተረኣዩ ይዛረብ።
እዚ ድማ ናብ ካልእ ዘሕዝን ሓደጋ ዘውድቕ ከምዝኸውን ኣጠንቂቑ።
ሓደ ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ተጣበቕቲ ድሕነት ኣቪየሽን ዝኾነ ካፒተይን ቸስለይ ሰልንበርገር'ውን ንስግኣት ፒየርሰን ደጊፉ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ኤድ ፒየርሰን ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣዝዩ ዝርብሽ'ዩ" ዝበለ ቸስለይ፡ ብዙሓት ኣገደስቲ ዘይተመለሱ ሕቶታት ከምዘለዉ ገሊጹ።
"ቦይንግን ፌደራል ምምሕዳር ኣቪየሽንን ግልጽነት ክህልዎም ኣለዎ፤ ሓበሬታን ዳታን ከቕርቡ ይግባእ። ንብቕዓት እቲ ዛጊድ ዝተሰርሓ ስራሕ ከኣ ዘይሻራዊ ጉጅለ ሰብ ሞያ ይፈትሽዎ" ኢሉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣብ ብሪጣንያ ጨንፈር ምጽራይ ሓደጋ ነፈርቲ ሙኩር መርማሪ ነበር ውጽኢት መጽናዕቲ ኤድ ፒየርሰን ብስፍሓት ክረኣይ ከምዝግባእ ተዛሪቡ።
ምምሕዳር ፌደራል ኣቪየሽን ግን 737 ማክስ "ሓፈሻውን ኣገባባውን ዝኾነ መስርሕ ገምጋም ድሕነት" ብምሕላፍ ናብ በረራ ኣብ እትምለሰሉ ደረጃ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓላፊ ኤጀንሲ ድሕነት ኣቪየሽን ኣውሮጳ [EASA] ፓትሪክ ኪ ሓደ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እታ ነፋሪት ናብ በረራ ንምምላስ ኣብ ውሑስ ደረጃ ከምዘላ "ርግጸኛ እየ" ኢሉ ነይሩ።
እቶም ኣብ ቁጽሪ በረራ ኢቲ302 ብዘጋጠመ ሓደጋ ምውዳቕ ነፋሪት ኣባላት ድስርኦም ዝሞትዎም ግን "ምስ ድሕነት እታ ነፋሪት ብዝተሓሓዝ ንዝለዓሉ ስግኣታት ብግልጽን ብምሉእነትን ክፍታሕ እንተዘይኪኢሉ" 737 ማክስ ናብ በረራ ከይትምለስ ነቲ ኤጀንሲ ምሕጽንታ ምቕራቦም ቀጺሎምሉ ኣለዉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







