ቦይንግ 777X: ኣብ ዓለም ዝዓበየት በዓልቲ ክልተ ሞተር ነፋሪት ፈላማይ በረራ ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኩባንያ ቦይንግ ፈለማይ ፈተነ በረራ ናይታ ኣብ ዓለም ዝዓበየት በዓልቲ ክልተ ሞተር ነፋሪት መጓዓዝያ 777X ብዓወት ፈጺሙ።
እዚ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልተ ነፈርቲ 737 ማክስ ዘጋጠመ ሓደጋ ዘኸተሎ ሞት 346 ሰባት፡ ኩባንያ ቦይንግ ንዝሰኣኖ ዝና ንምምላስ ዝገበሮ ፈተነ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ቦይንግ 777X ኣርባዕተ ሰዓታት ዝጸንሐ ፈተነ በረራ ዘካየደት ኮይና፡ ቅድሚኡ ዝተሓሰቡ ክልተ በረራታት ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስ ተሰሪዞም'ዮም።
እዛ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ መገዲ ኣየር ኢሚራትስ ስራሕ ክትጅምር ትጽቢት ዝግበረላ ነፋሪት፡ ቅድሚኡ ብዙሕ ናይ ፈተነ በረራታት ክተካይድ'ያ።
76.8 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋ ቦይንግ 777X፡ ኣብዚ ዓመት ናብ ኣገልግሎት ክትኣትው ውጥን እንተነበረ'ኳ፡ ብሰንኪ እቶም ዘይተገለጹ ቴክኒካዊ ጸገማት ክጓተት ክኢሉ'ሎ።
"ከም ኩባንያ ክንሰርሖም ንዝከኣሉና ነገራት ከም መርኣያ እትቑጸር'ያ" ኢሉ ዳይክሬተር ክፍሊ ዕዳጋ 777X ወንዲ ሰወርስ።
ቦይንግ ብነብሲወከፍ ዋጋ 442 ሚልዮን ዶላር፡ ዛጊት 309 ነፈርቲ ከምዝሸጠ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኩባንያ ቦይንግ ብድሕሪ'ቶም ኣብ 737 ማክስ ዓይነት ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ዘጋጠሙ ክልተ ሓደጋታት፡ ኣብ ቅልውላው'ዩ ጸኒሑ።
ንዓይነት እተን ዝወደቓ ነፈርቲ፡ ናብ ዓማዊሉ ብቕልጡፍ ንምቕራብ ሃጺጹ፡ ንጉዳይ ድሕነት ኣይተገደሰን ብዝብል ኣብ ዝቐረበሉ ክስታት ምርመራታት እናተገበረሉ ይርከብ።
እተን ብሉጽ ዕዳጋ ዝነበረን ነፈርቲ 737 ማክስ፡ ካብ በረራ ብምእጋደን ከኣ ልዕሊ 9 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከምዘስዓበሉ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







