'ሕማቕ ዕድል'፡ ስም እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ቦታ ምዃኑ ትፈልጡ'ዶ?

ዝሓለፈ 10 መጋቢት 157 ኣባላት መገዲ ኣየርን ተሳፈርትን ሒዛ ዝነበረት ቦይንግ 737 ቁጽሪ በረራ 302 ኣብ ወረዳ ጊምቢቹ፡ ቱሉ ፈራ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ወዲቃ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ኩሎም ኣባላትን ተሳገርትን ምማቶም ዝዝከር እዩ።
እቶም ነበርቲ እቲ ከባቢ ምስ ዘዝመጸ ሓዘንተኛ ሓዘኖምን ርህራሄኦምን ክግልጹን ተራእዮም እዮም።
ስም ናይቲ እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉን ምስ ምውዳቕ ናይ'ታ ነፋሪት ተታሓሒዙ ከልዕልዎ'ውን ተሰሚዖም እዮም።
'ቱሉ ፈራ' ስም ናይቲ ቦታ ብቋንቋ ኦሮሞ ዝተውሃቦ ስያመ ኮይኑ ንነዉሕ ዓመታት'ዩ በዚ ስም እዚ ተጸዊዑ። ናብ ትግርኛ ምስ ዝትርጎም ከኣ "ሕማቕ ዕድል" ማለት እዩ።
ቢቢሲ፡ እዚ ቦታ ከመይ ኢሉ "ሕማቕ ዕድል" ስም ከም ዝወጾን ንምንታይ ከም ዝወጾን ምስ ሽማግልታት እቲ ዓዲ ዕላል ኣካይዱ ነይሩ።
ኣቶ ባትሪ ለማ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሽማግለታት ኮይኑ "ቱሉ ፈራ ዝብል ስም ምስዚ ኣብዚ ከባቢ ዘሉ ኩነታት ኣየር ተታሒዙ ዝተውሃቦ ሽም እዩ" ይብል።
እቲ ቦታ በሪኽ ብምኳኑ ንፋስ ካበይ ናበይ ይነፍስ ኣሎ ንምፍላጥ'ውን ከም ዝስገሩ ዝሓበረ ኣቶ ባትሪ ለማ " ኣብቲ ዝባን ዘሎ ላዕሊ ንሰባት ምንባር ስለዝኸልኦም ቱሉ ፈራ ኢሎም ሽም ኣውጺኦሙሉ" ይብሉ።
ከም ኣገላልጻ ኣቶ ባትሪ ለማ፡ ስም ናይቲ ከባቢ ኣብ ኩነታት ኣየር ናይቲ ከባቢ ተሞርኲሱ ከም ዝውሃቦ ይገልጽ።
ንኣብነት እቲ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ፍሉይ ቦታ ሃማ ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕን፡ ብትግርኛ ክትርጎም እንከሎ ክፉእ ወይ ሕማቕ ከም ዝትርጎም ኣረዲኡ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ጎቦታት ፈራ እዩ ዝብሃል፡ ድሕሪ እቲ እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ዘሎ ቦታ 'እኩቢ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ ትርጉሙ 'ናይ ሕማም ኣከባቢ' ከም ዝትርጎም ኣቶ ባትሪ የረድእ።
እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ምውዳቕ ነፋሪት'ውን ነቲ ከባቢ ሓሊፉ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ተሳጊሩ ብመላእ ዓለም 'ሕማቕ ዕድል' ዝተብሃለሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ምስ ኣሰያይማ እቲ ከባቢ ተታሓሒዙ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ዝተፈልየ ዝንገር ዛንታ'ውን ኣሎ።
ተቀማጢ ወረዳ ጊምቡቹ፡ ቀበሌ ቁንጥሼሌ ኣቶ ደቻሳ ጉተማ ኣሰያይማ ጎቦ ቱሉ ፈራ ካብዚ ዝተጠቀስ ዝተፈለየ ከም ዝኮነ እዩ ዝገልጽ።
ኣቶ ደቻሳ ጉተማ እዞም ቦታታት፡ ምስቶም ቀደም ነዚ ከባቢ ዘመሐድሩ ዝነበረ ነገስታት ተታሓሒዙ ከም ዝተውሃቦም እዩ ዝገልጽ።
ኣቶ ደቻሳ ጉተማ ብተወሳኺ "ጎቦ ፈራ ኣብ እዋን ሃጸይ ያቆብ እዩ እዚ ሽም ተሰይሙ፡ ንኣብነት ኣብቲ እዋን ንሓደ ከባቢ ዘምሓድር ዝነበረ ስሙ ቦካ እዩ ዝብሃል፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጎቦ ክኣ ጎቦ ቦካ ኢሉ ሰይሙዎ። ክሳብ ሕጂ ክኣ ብኸምኡ ይጽዋዕ ኣሎ" ይብል።
ብተመሳሳሊ ጎቦ ቱሉ ፈራ ምስ እዋን ኣሕመድ ግራኝ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ኣቶ ደቻሳ ጉተማ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







