ቦይንግ ንግዚኡ ምፍራይ ማክስ 737 ጠጠው ከብል'ዩ

ስራሕ ጠጠው ዘበላ ቦይንግ ማክስ 737

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኩለን ነፈርቲ ቦይንግ ማክስ 737 ካብ ኣገልግሎት ተኣጊደን ይርከባ

ኣፍራያይ ኩባኒያ ቦይንግ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ንግዚኡ'ውን እንተኾነ ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ምፍራይ ጠጠው ከም ዘብል ገሊጹ።

ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶኖዢያን ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምውዳቕ ነፈርቲ፡ ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ እዘን ነፈርቲ ካብ በረራ ተኣጊደን ይርከባ።

ብምኽንያት ኣብቶም ክልተ መገዲ ኣየራት ዘጋጠመ ሓደጋ፤ ልዕሊ 300 ሰባት ግዳያት ኮይኖም። ድሕሪ'ዚ፡ ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ ገለ ክፋለን ጸገም ሶፍትዌር ከም ዘለወን እቲ ኩባኒያ ተኣሚኑ'ዩ።

ቦይንግ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት እዘን ነፈርቲ ዳግም ናብ ስራሕ ክኣትዋ ትጽቢት ክገብር ጸኒሑ ነይሩ።

እንተኾነ ተቖጻጸርቲ ፍርያት ነፈርቲ ኣሜሪካ፡ ሕጂ እዘን ነፈርቲ ናብ በረራ ዘእቱ መረጋገጺ ብቕዓት ኣይወሃበንን ኢሎም።

ቦይንግ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣፍራይቲ ኩባኒያ ኣሜሪካ'ዩ።

እቲ ኩባኒያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፤ ብምኽንያት 737 ማክስ ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ጠጠው ከም ዘይብሎም እኳ እንተሓበረ፡ መቕረብትን ቑጠባ ኣሜሪካን ግን ክህሰዩ'ዮም ኢሉ።

"ቦይንግ 737 ማክስ ድሕነቱ ኣረጋጊጽና ናብ ስራሕ ክምለስ ምግባር ቐዳምነት እንህበሉ ጉዳይ'ዩ" ዝበለ እቲ ኣፍራዪ፤ "መረጋገጺ ብቕዓት ዝህቡ፣ ዓማዊልን ተጠቀምቲ በረራ ማክስ 737ን፡ ኣብቲ ነፋሪት ብዝግበሩ ምምሕያሻት ኣእሚንካ ናብ ኣገልግሎት ክምለስ ምግባር ዝሓቶ መዐቀኒ ዝኸበደ ከም ዝኸውን ንርዳእ ኢና" ኢሉ።

ቦይንግ 737 ማክስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተንታኒ ኢንዳስትሪ መጓዓዝያ ሄነሪ ሃርትቨልዲት፡ ውሳኔ ቦይንግ ቅድም ኢሉ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብምኻኑ፡ "ኣብ ልዕሊ መቕረብትን መገዲ ኣየራትን ቦይንግ ከቢድ ክሳራ ከስዕብ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ቦይንግ፡ ክሳብ ሕጂ ትሸዓተ ቢሊየን ዶላር ዝጽጋዕ አታዊ ከሲሩ'ዩ።

እቲ ኩባኒያ ከም ዝብሎ፤ ናብ ተጠቀምቲ ክልኣኻ ዝተዳለዋ 400 ቦይንግ ማክስ 737 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኣብ መኽዝን ይርከባ።