ቦይንግ፡ ንግዳያት ሓደጋ ነፋሪት 737 ማክስ፡ 144,500 ዶላር ካሕሳ ክኸፍል'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስድራ ግዳያት ሓደጋታት ቦይንግ 737 ማክስ: ነብሲ ወከፍ 144,500 ዶላር ካሕሳ ካብቲ ኩባንያ ክወሃቡ እዮም።
ኩባንያ ቦይንግ ቅድሚ 2020 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ንዝቐርቡ ክስታት ክቕበል ጀሚሩ'ሎ።
ንቦይንግ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቡ ይጓየዩ ካብ ዘለዉ መብዛሕቲኦም ጠበቓታት ስድራ ግዳያት ግን፡ ነቲ ፈንድ [ዝቐረበ ጠቕላላ 50 ሚልዮን ገንዘብ] ቅቡል ክገብርዎ ኣይከኣሉን።
"144,000 ዶላር ንዝኾነ ስድራ ግዳይ ክኽሕስ ዝኽእል ተመጣጣኒ ገንዘብ ኣይኮነን" ይብል ን15 ስድራ ዝወከለ ጠበቓ ኖማን ሁስያን ካብ ቴክሳስ።
ንስድራ ግዳያት ዘዕግብ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ድማ፡ ኩሎም ስድራ መልሲ ከም ዝጽበዩ ሓቢሩ።
ነፈርቲ 737 ማክስ ብድሕሪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶነዢያን ዘጋጠመ ሓደጋ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚረን ካብ በረራ ምስተኣገዳ እየን።
በቶም ክልተ ሓደጋታት ድማ ልዕሊ 340 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
ኩባንያ ቦይንግ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ብሰንኪ'ቶም ሓደጋታት ንዝተሃሰዩ ስድራን ማሕበረሰብን ዝውዕል 100 ሚልዮን ዶላር መዲቡ'ዩ።
እቲ ፍርቂ በቲ ሓደጋ ንዝተጸለዉ ማሕበረሰባት፡ ንትምህርትን ካልኦት ልምዓታዊ ፕሮግራማትን ክውዕል፡ ዝተረፈ ፍርቂ [50 ሚልዮን] ገንዘብ ድማ ብቐጥታ ንስድራ ግዳያት ዝኽፈል ከም ዝኸውን ሓቢሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







