ሲያራ ብእተሰምየ ህቡቡላዊ ንፋስ በረራ ተሰናኺሉ

ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሊሉ ዝተመልሰ ማዕበል

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሲያራ ብእተሰምየ ህቦቡላዊ ንፋስ ዝሰዓበ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ ብዙሕ በረራ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ተቛሪጹ።

ኣብዚ ቐዳመ ሰናብቲ ብዝናብ ዝተሰነየ ኣስታት 80 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት ዝሕምበብ ንፋስ ከምዘጋጥመ፡ ክፍሊ ሜትሮልዮጂ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ተጓዓዝቲ ንመገሽኦም ዳግመ ግምት ክገብሩሉን ኣብ ጉዕዞ ፍጥነት ክቕንሱን፡ ክፍሊ መጓዓዝያ እታ ሃገር ኣተሓሳሲቡ። ናይ ግድን ዘይተርፍ መገሻ እንተኾይኑ ከኣ ሓደጋ ንምንካይ፡ ብባቡራት ክንቀሳቐሱ ይመክር።

ምምሕዳር ሂትሮ (ዝዓበየ መዓልቦ ነፈርቲ ዓባይ ብሪጣንያ) ናይ ሎም መዓልቲ በረራ ነፈርቲ ንኩነታት ኣየር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ መሻርኽቲ ተረዳዲኡ ከምዘመዓራርዮ ሓቢሩ።

ብሪቲሽ ኤየር ወይስ ይኹን ቨርዢን ኤር ላይን፡ ድሮ ሓያሎ በረራታት ሰሪዞም ኣለው።

ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ስኮትላንድ፡ ኣየርላንድ፡ ዌልሽን ኢንግላንድን ናይ ሃገራዊ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ገለ ክፋል ስኮትላንድ፡ ኣባይትን ትካላት ንግድን ዕልቕልቕ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ተፈሪሑ ኣሎ።

ክፍሊ ሜትሬዮሎጂ ናይ ጉዕዞ ምስንኻልን ምቁራጽ ሓይሊ ኤለትሪክን ከጋጥም ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ክፍሊ ምምሕዳር ባቡራት ዓባይ ብሪጣንያ ከኣ ኩለን ባቡራቱ ኣብ ሰዓት ካብ 50 ኪሎ ሜትር ንላዕሊ ፍጥነት ከይከዳ ኣጠንቂቑ ኣሎ።