ኣፍሪቃ ብክሊማዊ ለውጢ እትጥቅዓሎም ኣርባዕተ ምኽንያታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጉዳይ ሓደጋ ክሌማዊ ለውጢ፡ ኣብ ከተማ ማድሪድ ዝዛተዩ ዘለው መራሕቲ ሃገራት፡ ኣብ ርጡብ መርገጺን ስምምዕን ክበጽሑ ከም ዘይኽኣሉ ይግለጽ ኣሎ።
ነዚ ሕቡራት ሃገራት ዝወደቦ ኣኼባ ትመርሕ ዘላ ካሮሊና ሸምዲት፡ ኣፍሪቃ ካብ ካልኦት ኣህጉራት ንላዕሊ፡ ብምኽንያት እቲ ዝቀያየር ዘሎ ክሌማ ዚያዳ ተጠቃዒት'ያ ምዃና ትገልጽ።

ኣፍሪቃ ብኸቢድ ክሌማዊ ለውጢ እትጥቅዓሎም ኣርባዕተ ቁልፊ ምኽንያታት
- ሓደ፡ ሕብረተሰብ ህይወቱ ኣብ ክሌማዊ ኩነታት ጽግዕተኛ'ዩ፤ ኣማኢት ሚልዮናት እኽሊ ንምርካብ ዓመታዊ ተጸበይቲ ዝናብ እዮም
- ካልኣይ፡ ኩነታት ኣየር ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስርዓት እዩ ዝርከብ፤ ምስ ካልኦት ከባቢታት ክነጻጸር እንከሎ ዘይተጸንዐ ከባቢ'ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ንዝኾነ ሃንደባተዊ ነገራት ዝተቓልዐ'ዩ
- ሳልሳይ፡ ኣብዚ ከባቢ ትጽቢት ዝግበር ለውጢ ክሌማ ዝለዓለ'ዩ። ተመራመርቲ ክሊማ ከምዝሕብርዎ፤ ኣዝዩ ሰፊሕ ከባቢታት ኣፍሪቃ ናይ ዝናብ ምንካዩ ኣርእዩ'ዩ። እቲ ሓደ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኮይኑ፡ እቲ ኻልእ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ምንካይ ዝናብ ምኻኑ ድማ ይጥቀስ።
- ራብዓይ፡ ኣፍሪቃ ምስቲ ዘጋጥም ዘሎ ክሊማዊ ለውጢ ንምብዳህ ዓቕማ ድሩት'ዩ። ብሰንኪ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ድኽነት፡ መራሕቲ ኣብ ምክልኻል ክሊማዊ ለውጢ ዝወስዱዎ ስጉምቲ ቀዳምነት ንኸይህብዎ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።
ምቅይያር ክረምቲ
ክሌማ ኣፍሪቃ፡ ዝተሓላለኸን ዝቐያየር ጠባይን ዘለዎ'ዩ። ሳሃራ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየን ዝወዓየን በረኻ እዩ።
ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን፡ ክርድአና ብዘይክእል መገዲ እቲ ዝኸበደን ዝበዝሐን ማዕበል ዶሮና ኣዝዮም ዝነኣሱ ንጥረ ነገራት ናብ ከባቢ ኣየር ብምኻድ ምስቲ ክሌማ ይሕወሱ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክረምታዊ ዝናብ ኣዝዩ'ዩ ዝቀያየር። ኣብ ሙሉእ ዞባ ሳሕል፡ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ዘኒቡ ዝተረፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ደረቕ ኮይኑ ይሓልፍ።
ድሕሪ 1960-1984ን ዝነበረ ኩነታት ዝናብ፡ ኣብዚ ዞባ ብ 30 ሚኢታዊት ነክዩ'ዩ። እዚ ድማ ምኽንያት ጥምየት፣ ሞት ኣሽሓት ሰባትን ምዝንባል ሚልዮናትን ኮይኑ ይርከብ።
ከምዚ ዞባ እዚ ሰፊሕን ክፉእን ድርቂ ዝተጠቕዐ ዞባ የለን። ኢንዳስትሪታት ምዕራባውያን ዝፈጥሩዎ ዘሎ ብከላ ኣየርን ውቅያኖሳትን፡ እቲ ናይ ዝናብ ወቕቲ ካብ ዝቕይሩ ሓደ ምኽንያት'ዩ።
ሃንደበት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማእከላም ምብራቕን ሳሕል ተራእዩ ዘሎ ለውጢ ዝናብ ቀጻላይ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ለውጢ ግን፡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝህሉ ዋዒ ይውስኽ'ዶ ይኸውን ኣብ ዝብል ዝተሞርኮሰ'ዩ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝናብ ናይ ምእታውን ቀልጢፍካ ናይ ምውጻእን ኩነታት ይርአ ብምህላው፡ ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓሰርተ ዓመታት ዝኸፍአ ደርቂ ከስዕብ'ዩ ተባሂሉ ይስጋእ።
ኩነታት ዋዒ'ውን ኣብ ገለ ክፋላት ዛምቢያ፣ ቦትስዋናን ዛምቢያን ብ 5 ዲግሪ ሴንትግሬድ ክውስኽ'ዩ ተባሂሉ ይግመት።
'ስግንጢር ምብራቕ ኣፍሪቃ'
ሕጂ ኣብ ኬኒያን ታንዛኒያን ዘሎ ነዊሕ ወቕቲ ዝናብ [ካብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት] ሃንደበት ጀሚሩ ቀልጢፉ ዝውድእ ኮይኑ፡ ናይ ዝናብ ምንካይ ከስዕብ'ዩ።
እዚ ዝርአ ዘሎ ለውጢ፡ ንመጻኢ ጠሊ ዘለዎ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ጥርጣረ ስለ ዘሕደረ፡ ተመራመርቲ ነዚ ኩነታት ስግንጢር ክሌማ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኢሎምዎ ኣለው።
ማእኸላይ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓለም እቲ ብርቱዕ ዝናብ ዝርኣየሉን ንትሮፒካውን ሓውሲ ትሮፒካውን ኩነታት ኣየር'ውን ዝናብ ዘምጽእን ከባቢ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣፍሪቃ ኣብ ብከላ ከባቢ ዘለዋ እጃም 17 ሚእታዊት ጥራሕ'ዩ። እንተኾነ፡ ኣፍሪቃ ዘለዋ ዝተሓላለኸ ክሌማዊ ስርዓት ግን፡ ብዘይተለመደ መልክዑ ውቅያኖሳት ዓለም ዝተጸለወ'ዩ።
ካብዚኦም ሓደ ዝተበገሰ ህቦብላ 'ዲዳይን ኬኔትን' ካብ መጋቢት ክሳብ ሚያዚያ 2019 ገለ ክፋላት ሞዛምቢክ፣ ዙምባብወን ማላውን እንተጥቅዕ፡ ህቦብላ ኬኔት ንታንዛኒያ ሃስዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/UN
ሳይንስን ግን ኣብ ሓደ ነገር ተስፋ ይገብር።
ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዋላ'ኳ ዝናብ ዝረኽባሉ ዝተፈላለየ እንተኾነ፡ ጻዕቒ ዘለዎ ዝናብ ዝረኽባሉን ብደርቂ ዝጥቅዓሉን ግዜ ግን ተመሳሳሊ ምኻኑ ተረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ዝናብ፡ ሓጺር ብምኻኑ ዝተናውሐ ደረቕ ግዘ'ዩ ዘስዕብ ዘሎ። ስለ ዝኾነ፡ ብርቱዕ ዝናብ ዋዕን ብከመይ ከምዝመጽእ ክንርድኦ ይግባእ።
ናይ ዝናብ ምልውዋጥ ዝስዕብ፡ ብምኽንያት እቲ ዝፍጠር ብርቱዕ ዝናብ ኮይኑ፡ 70 ሚእታዊት ዝናብ ኣፍሪቃ በዚ ምኽንያት ዝፍጠር'ዩ።
ኣብ ካሜሮን ዊልፍሬድ ፖካም ዝመርሖ ጉጅለ መጽናዕቲ፡ ክሌማ ማእኸላይ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተኣሳሰረ ምኻኑ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ጉጅለ ተመራመርቲ ድማ፡ ሰባት ብሕሱር ዋጋ ሲምካርድ ኣብ ተንቃሳቓሲ ስልኮም ሓበሬታ ክረኽቡ ብምግባር፡ እቲ ዝፍጠር ለውጢ ክረድኡ ዘኽእሎም መፍትሒ ኣምጺኡ ኣሎ።
ኣብ ቀትሪ፡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ዑደት ዝከታተል ራዳር ኣቐሚጦም፤ እዚ ራዳር ካብ ዝተሓተ ኪሎሜትራት ዝብገስ ንፋስ ይዕቅን።
በዚ መገዲ፡ ኣብቲ ከባቢ ክፍጠር ዝኽእል ለውጢ ብቐሊሉ ዝከታተልሉ ሓበሬታ ክረኽቡ'ዮም።
እንተኾነ ሕጂ'ውን ኣፍሪቃ፡ ንክሌማዊ ለውጢ ዘለዋ እጃም ውሑድ ክነሱ እታ ከቢድ ሃሰያ ዝበጽሓ ኣህጉር'ያ።

ሪቻርድ ዋሽንግተን፡ ፕሮፌሰር ሳይንስ ክሌማ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ'ዩ








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







