ህቦብላ ሀረኬን፡ ኑክሌራዊ ቦምባ ብምትኳስ ምብታኑ ዘሎ ተኽእሎ

ምንጪ ስእሊ, NOAA
ነቲ 'ሀረኬን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓያል ህቦብላ ብኩነክሌራዊ ቦምባ ክድምሰስ ከም ዘይክእል ኣመሪካዊ መጽናዕታዊ ትካል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣመሪካ ብቐጻሊ ዕንወት ዘስዕብ 'ሀረኬን' ብኑክሌራዊ ቦምባ ክዕገት ዝኽእል እንተ ኾይኑ ንሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር ተወኪስዎም ዝብል ጸብጻባት ድሕሪ ምግውሑ'ዩ እቲ ትካል ርእይቶ ሂቡ።
ሃገራዊ ትካል ውቅያኖስን ጠፈርን (NOAA) ኣመሪካ፡ ውጺኢቱ "ሓደገኛ" ከም ዝኸውን ገሊጹ።
እቲ ሓሳብ ግን ንመጀመርታ ግዜ ኣይ ኮነን ዝለዓል ዘሎ።
ትራምፕ፡ ነቲ ሓሳብ ከም ዘልዓሎ ምስ ተፈልጠ 'ምጽኦታት' ዝብል ናይ ትዊተር ሃሽታግ ብዙሓት ይቀባበልሉ ኣለዉ።
ሳዕቤኑ እንታይ ምኾነ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ስለምንታይ ናብ ዓይኒ ናይቲ ኣብ ማእከል ውቅያኖስ ዝለዓል ህቦብላ ኑክሌራዊ ቦንባ ዘይትትኩሰሉ ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረበ ኣክሲዮስ ዝተባህለ መርበብ ዜና ጸብጺቡ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ተኽእሎ ማያውን ጠፈራውን ኣከባቢ ዝከታተል ትካል፡ ዋላ'ውን እቲ ቦምባ እንተዝትኮስ፡ "ነቲ ህቦቡላ ክቕይሮ ኣይክእልን ይኸውን" ኢሉ።
"እቲ ካብኡ ዝምንጩ [ሓደገኛ ኑክሌራዊ] ጨረር ግን በቲ ኣውሎ ንፋስ ተደፊኡ ብቐሊሉን ቀልጢፉን ናብ መሬታዊ ከባቢታት ክዝርጋሕ ይኽእል'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
እቲ "ራድዮ ኣክቲቭ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ በካሊ ባእታ፡ ንሂወት ወዲሰብን እንስሳታትን ሓደገኛ ኮይኑ ብቐሊሉን ኣበ ሓጺር እዋንን ክጠፍ ዘይክእል ምዃኑ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, PA
ንህቦብላታት ደው ንምባል ነተጒቲ ኣድማዕቲ ዘይኮኑሉ ምኽንያት፡ እቲ ዝድለ ጸዓት ዓቢ ብምዃኑ'ዩ።
ካብቲ ህቦቡላ ዝለዓል ጸዓት ማዕረ ሓደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 20 ደቓይቕ ዝትኮስ 10 ሜጋቶን ኑክሌራዊ ቦምባ ዝዳረግ'ዩ ተባሂሉ ይግመት።
ዋላኳ እቲ መካኒካዊ ጸዓት ናይቲ ቦምባ ምስ ናይቲ ማዕበል ዝዳረግ እንተኾነ፡ "ናብ ሓደ ኣብ ርሑቕ ውቅያኖስ ዝርከብ ውሱን ቦታ ንፍርቂ ናይቲ ጸዓት እኳ ንህራም ዓቢ ግድል'ዩ" ይብል እቲ ትካል።
"ነቶም ናኣሽቱ ትሮፒካዊ ማዕበላት ናብ ደረጃ ሀረኬን ከይዓበዩ እንከለዉ፡ ምጥቃዖም ንባዕሉ'ውን ተስፋ ዘለዎ ኣይኮነን።"
"ኣብ ማዓሙቕ ኣትላንቲክ ኣብ ዓመት ኣስታት 80 ከምዚኦም ዝበሉ ማዕበላት ይፍጠሩ፡ ካብዚኣቶም ኣስታት ሓሙሽተ ጥራይ'ዮም ናብ ደረጃ ሀረኬን ዝዓብዩ። ኣየናይ ማዕበል ከምዝዓቢ ኣቐዲምካ ክትፈልጠሉ እትኽእል ኣገባብ ድማ የለን።"
እቲ ሓሳብ ካብ መዓስ ዝጀመረ'ዩ?
ንሀረኬን ብቦምባ ምቅዋሙ ዝብል ሓሳብ ካብ 1950ታት ዝጀመረ ኮይኑ፡ ብሓደ ናይ መንግስቲ ተመራማራይ ዝቐረበ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣብ 1961፡ ሓላፊ ቢሮ ኩነታት ኣየር ኣመሪካ ዝነበረ ፍራንሲስ ሪቸልደርፈል፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሓደ መዓልቲ ኑክሌራዊ ቦምባ ኣብ ልዕሊ ኣብ ርሑቕ ባሕሪ ዝርከብ ሀረኬን ክነቱግ ዘሎ ተኽእሎ ሕሰቡ" ኢሉ ነይሩ።
ቤት ጽሕፈቱ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝሕዝ ግን "እንታይ ንገብር ከም ዘለና ኣብ እንፈልጠሉ እዋን'ዩ" ኢሉ ተዛሪቡ ምንባሩ'ውን ናሽናል ጂኦግራፊክ መስኪሩ።
ትካል ውቅያኖስን ከባቢ ኣየርን ኣመሪካ ከም ዝብሎ እቲ ሓሳብ፡ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወቕቲ ናይቲ ህቦቡላ ዝለዓል'ዩ።
እቲ ኣትላንቲካዊ ወቕቲ ህቦብላ ሀረኬን ካብ 1 ሰነ ክሳብ መወዳእታ ሕዳር ዝጸንሕ'ዩ። ኣብ ውሽጢ'ተን ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣብ መስከረም፡ ዋዒ ባሕሪ ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ዝበርትዐ ህቦብላ ይኽሰት።
ኣብዚ ወርሓት'ዚ፡ ካብ ልሙድ ወጻኢ ማዕበላትን ህቦብላታትን ከም ዝረአ እቲ ትካል ኣጠንቂቑ'ሎ። ዝተፈላለየ ኣስማት ዘለወን ካብ 10 ክሳብ 17 ዝበጽሓ ማዕበላት ከም ዝህለዋ ድሕሪ ምትንባይ፡ካብ 5 ክሳብ 9 ካብአን ናብ ደረጃ ህቦብላ ሀረኬን ከም ዝበጽሓ ይግምት። ብፍላይ እተን ካብ 2 ክሳብ 4 ዝበጽሓ ህቦብላታት ሀረኬን እተን ዝሓየላ ከም ዝኾና'ውን ጠቒሱ።
ኣብዚ ዓመት እዚ ክልተ ኣስማት ዝተዋህበን ማዕበላት ድሮ ማዕቢለን'የን።
ዳርጋ ኩለን ሓያላት ዝተባህላ ህቦብላታትን ሀረኬናትን ምስ ዝኽሰታሉ ወቕቲ ብምዝማድ ብፍሉጥ ኣስማት ይፍለጣ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







