ህቦቡላ ኦፈሊያ፡ ንኣየርላንድ ብምጥቃዕ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ

ኣብ መዕበል ዝሕምብሱ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, በቲ ክፍጠር ዝኽእል ህቦብላ ዜጋታት ስግኣት ሓዲርዎም

ክፍሊ ሓበሬታ ሜትሪዮሎጂ " ንህይወት ዘስግእ ሓደገኛ" ዝበሎ፡ ኣብ ሰዓት ኣስታት 80 ማይል (130 ኪሎ ሜተር) ዝጓዓዝ ሓደገኛ ህቦቡላ ንፋስ ንኣየርላነደ ኣጥቂዑ ንሓንቲ ኣደ ብምቐታል ኣስታት 120 ኣባይቲ ብዘይ ሓየሊ ኤልትሪክ ኣትሪፉውን።

ካብ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ፡ ገለ ክፋል ዌሊሽን ደቡባዊ ምዕራብ ስኮትላንድን ናይ መጠንቀቕታ መብራህቲ ተዋሂቡ ኣሎ። ኣብ ሪፓብሊክ ኣየርላንድ ግን ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታ ሜትሪዮሎጂ ኢሬያን፡ ቀይሕ መብራህቲ ሓደጋ'ዩ ኣዊጁ ።

ስለዝኾነ መንግስቲ፡ ድሮ ነቲ ሓደጋ ዝገጥሙ ሰራዊት ናብቲ ከባቢ ኣዋፊሩ ኣሎ።

ንህቦብላ ኦፊልያ ዘርእይ ብሰተላይት ዝተስኣለ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰዓት ኣስታት 80 ማይል ዝጓዓዝ ንፋስ ንዓዲ እንግሊዝ ከየጥቅዓ የስግእ ኣሎ

ሓላፊ ክፍሊ ሜትሪዮሎጂ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ፡ ሰሜን ኣየርላንድ፡ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤለትሪክ፡ ምስንኻል ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ ብርቱዕ ማዕበልን ጭቃን ጨፈቃን ከጋጥማ ልዑል ተልእኾ ምህላዉ ሓቢሩ።

ናብ ገለ ክፋል ስኮትላንድን ደቡብን ሰሜንን ኢንግሊዝን ዌሊሽን ከኣ ናይ ተጠንቀቕ ሓበሬታ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

ናይ ቢቢሲ ኮርስፖንደንት ክሪስ ፔጅ፡ ኣየርላንድ ኣብ ፍርቂ ዘበን መዋእላ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ሓደገኛ ህቦቡላ እዩ ክብል ገሊጹዎ።

ህቦቡላ ኦፈሊያ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት'ዩ ካብ ኣዞርስ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ገጹ ይግስግስ ዘሎ። ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 1987፡ ብኣዚዩ ብርቱዕ ህቦቡላ ተጠቒዓ ነይራ እያ።