ህቦቡላ ኦፈሊያ፡ ንኣየርላንድ ብምጥቃዕ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክፍሊ ሓበሬታ ሜትሪዮሎጂ " ንህይወት ዘስግእ ሓደገኛ" ዝበሎ፡ ኣብ ሰዓት ኣስታት 80 ማይል (130 ኪሎ ሜተር) ዝጓዓዝ ሓደገኛ ህቦቡላ ንፋስ ንኣየርላነደ ኣጥቂዑ ንሓንቲ ኣደ ብምቐታል ኣስታት 120 ኣባይቲ ብዘይ ሓየሊ ኤልትሪክ ኣትሪፉውን።
ካብ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ፡ ገለ ክፋል ዌሊሽን ደቡባዊ ምዕራብ ስኮትላንድን ናይ መጠንቀቕታ መብራህቲ ተዋሂቡ ኣሎ። ኣብ ሪፓብሊክ ኣየርላንድ ግን ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታ ሜትሪዮሎጂ ኢሬያን፡ ቀይሕ መብራህቲ ሓደጋ'ዩ ኣዊጁ ።
ስለዝኾነ መንግስቲ፡ ድሮ ነቲ ሓደጋ ዝገጥሙ ሰራዊት ናብቲ ከባቢ ኣዋፊሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓላፊ ክፍሊ ሜትሪዮሎጂ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ፡ ሰሜን ኣየርላንድ፡ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤለትሪክ፡ ምስንኻል ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ ብርቱዕ ማዕበልን ጭቃን ጨፈቃን ከጋጥማ ልዑል ተልእኾ ምህላዉ ሓቢሩ።
ናብ ገለ ክፋል ስኮትላንድን ደቡብን ሰሜንን ኢንግሊዝን ዌሊሽን ከኣ ናይ ተጠንቀቕ ሓበሬታ ተመሓላሊፉ ኣሎ።
ናይ ቢቢሲ ኮርስፖንደንት ክሪስ ፔጅ፡ ኣየርላንድ ኣብ ፍርቂ ዘበን መዋእላ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ሓደገኛ ህቦቡላ እዩ ክብል ገሊጹዎ።
ህቦቡላ ኦፈሊያ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት'ዩ ካብ ኣዞርስ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ገጹ ይግስግስ ዘሎ። ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 1987፡ ብኣዚዩ ብርቱዕ ህቦቡላ ተጠቒዓ ነይራ እያ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







